ኢሳያስ ብሕርቃን ንበየነ ርእሶም ከም ዝገሰጾ ተሓቢሩ

2023-02-19 12:14:04 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 850 times

ስእሊ፡ ማሕበራዊ መዲያ

ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብሰንክቲ ኣብ ጋዜጣዊ ዋዕላ ናይሮቢ ዝሰንበዶ ንኣንበሳድሩ ኣብ ኬንያ በየነ ርእሶም ኣምሪሩ ከም ዝገሰጾ፡ ናብ ምምሕዳር ህግደፍ ቀረባ እዮም ዝበለቶም ምንጭታታ ብምጥቃስ መርበብ ሓበሬታ ገዳብ ኣፍሊጣ። ኢሳያስ ነቲ ኣንበሳድር ዝገሰጾ ብዛዕባቲ ቀልቡ ዝገፈፎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣቐዲሙ ሓበሬታ ክረክብ ብዘይምኽኣሉ እዩ።

ብመሰረት እቲ መርበብ ሓበሬታ ገዳብ ዘውጸኣቶ ዝርዝር፡ ኣንበሳድራት፡ ብሓፈሻ መንግስታዊ ጋሻ ብፍላይ ከኣ መራሒ ሃገር ናብቲ ዝተመደብዎ ሃገር ክመጽእ እንከሎ፡ ክገብርዎ ዝግበኦም ምድላውን ክፈልጥዎ ዝግበኦም ዓሚቕ ሓበሬታን ኣለዎም። እቲ ምድላው፡ እቲ መራሒ ናይ ዝረኽቦም ሰባት ቆጸራ ኣቐዲምካ ምሓዝ፡ ንኣባላት እቲ ልኡኽ ዘድሊ ህጹጽ ሕክምናዊ ኣገልግሎትን ንኣመጋግበኦም ዝምልከት ጉዳያትን ከም ዘጠቓልልን ይኸውን። ኣንበሳድራት ነዚ ምስቶም ዝምልከቶም ናይታ ጋሻ እትቕበል ሃገር ሓለፍቲ ኮይኖም ከም ዝሰርሕዎ እውን ጠቒሳ።

ኣንበሳድር በየነ ርሶም ብዛዕባ ባህሪ ናይቲ ጋዜጣዊ ዋዕላን ኣብቲ ዋዕላ ዝሳተፉ ጋዜጠኛታትን ክፈልጥ እንዳተገበኦ ዘይምፍላጡ ካብቲ ዝተገንሓሉ ምኽንያታት ሓደ እዩ። በቲ ጸብጻብ መሰረት እቶም ጋዜጠኛታት ንኢሳያስ ዝውጥር ሕቶታት ከም ዝሓቱ  ኣቐዲምካ እንተዝፍለጥ፡ ነቲ ጋዜጣዊ ዋዕላ ናይ ምስራዝ ተኽእሎ ነይሩ።

ጋዜጣዋ ዋዕላ ናይሮቢ፡ ነቲ ኣብ ናይ ብሕቱ መንግስታዊ መዲያ እሞ ባዕሉ ብዝመደቦም ጋዜጣኛታትን ኣቐዲሙ ብዝቐረበሉን ከምቲ ዝደልዮ ገይሩ ብዘመዓራረዮ ሕቶታት፡ ኣብ መንጎ ዘቋርጾ ዘየብሉ ብዘይገደብ ምዕንዳር ዝለመደ ኢሳያስ ከሰንብዶ ግድን ከም ዝነበረ ተጠቒሱ። እቲ ጋዜጠዋ ዋዕላ ናይሮቢ ከምቲ ብግብሪ ዝተራእየ ንኢሳያስ በቲ ዘይለመዶ ክዕገሶ ዘይከኣለ ኣገባብ ክቃላዕ ዝደለይዎ፡ ከም ሲ ኣይ ኤ ዝኣመሰሉ ኣካላት ዘጻወድዎ ክኸውን ከም ዝኽእል’ውን እቲ ዜና ጠቒሱ። ምስዚ ብዝተሓሓዘ ዲክታተር ኢሳያስ ኣቐዲሙ ናይሮቢ ናጻ ፕረስ ዝዓንበበላ እምበር፡ ከም ኣስመራ ዕጽውቲ ዘይምዃና ክርዳእ ዘይምኽኣሉ ኣብ መጻወድያ ከም ዘእተዎ ዜና-ገዳብ ሓቢሩ።

ኢሳያስ ብ2001 ብዘይኤርትራዊ ጋዜጠኛ፡ ብዛዕባ ሃለዋት ጋዜጠኛን ደራሲ ተዋሰኦን ፍሰሃየ ዮሃንስ (ጀሽዋ) ተሓቲቱ፡ “ኣይፈልጦን እየ፡ ስለዚ ብዛዕባ ሃለዋት ዘይፈልጦ ሰብ ዝብሎ የብለይን” ኢሉ ምንባሩ ከም ድሕረ ባይትኡ ምስ ዘይኤርትራዊ መዲያ ጠቒሱ።

Last modified on Sunday, 19 February 2023 13:25