ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ደቡብ ጀርመን

2023-02-14 10:59:08 Written by  ሽማግለ ጨንፈር Published in EPDP News Read 822 times

ኣብ ደቡብ ጀርመን ዝርከብ ናይ ሰልፍ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ብርዱእ ምኽንያት ጉባኤኡ ክናዋሕ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ዕለት 11 ለካቲት 2023 ዓመተ ምሕረት ኣባላቱ  ኣብ ዝተርኽብሉ ጉባኤኡ ኣካይዱ። ጉባኤ ብዛዕባ ህልዊ ኩነታት ሰልፊ ብሓፈሻ፣ ጨንፈር ሰልፊ ብዝምልከት ድማ ብፍላይ፣ ከምኡ’ውን ደምበ ፍትሕን  ኣብ ከባቢና ዝረኤ ዘሎ ቁልጡፍ ፖለቲካዊ ምቅይያራትን  ብዕምቆት ዳህሲሱ። ደምበ ፍትሒ ኤርትራ ነቲ ኣብ ሃገርና ይኹን ከባቢና ዝኸይድ ዘሎ ፖለቲካዊ ይኹን ወተሃደራዊ ምዕባሌታት ንምግጣምን ብማዕሪኡ ንዘይምስጓሙን ዘለዎ ሕጽረታት መዚኑ። እዚ ማለት ድማ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ’ውን  ኣካል ደንበ ፍትሒ ምኳኑ ዝዘንግዐ ከምዘይኮነ ኣብ ግምት ክኣቱ ይግባእ።

ጉባኤ ጨንፈር ብዛዕባ እቲ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን እንኮላይ ኤርትራ ተሓዊሳቶ ክካየድ ዝጸንሔ ደማዊ ውግእ፣ ድሕሪ ብዙሕ ህልቂትን ዕንወትን ዝመጸ እዃ እንተኮነ፣ ብጸቕጢ ማሕበረሰብ ዓለም ደው ምብሉ፣ ደገፉ ክገልጽ ከሎ፡  ንኹሎም’ቶም ነዚ ደምሳሲ ህልቂት ጠጦው ንምባል ዝጸዓሩ’ውን መጎስ ከም ዝግብኦም ኣመልኪቱ፣ ምስዚ ብምትእስሳር፡ እቲ ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ትግራይን ዘሎ ናይ ዶብ ኩነታት ሕጅውን እንተኾነ ገና ግቡእ መዕለቢ ስለዘይረኸበ፡ ምኽንያት መበገሲ ዳግማይ ኵናት ንኸይከውን ኩሉ ዝምልከቶ ኣካላት ክሓተሉን ኣብ መደምደምታ ንኸብጽሖን ጉባኤ ጨንፈር ለበዋኡ ኣቕሪቡ።

ስዒቡ ጉባኤ ጨንፈር ካብ ዘልዓሎም ነጥብታት፣ ብዛዕባ’ቲ ኣብ መወዳእታ ሓምለ 2023 ዝካየድ  ራብዓይ ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኑ፣ ኣብ’ዚ ጉዳይ እዚ’ውንዕሙቕ ዝበለ ምይይጥ  ድሕሪ ምግባር፡ እቲ ጉዳይ ሓደ ካብ ጉዳያት ሃገርን ህዝብን ስለ ዝኾነ፣ ካብ  ዘገድሶ ህዝቢ ፖለቲካዊ ይኹን ቁጠባዊ ምትሕብባር ከምዘድሊ ድሕሪ ምግምጋም፣ ተሳተፍቲ ጉባኤ ከም መደብ ክታሓዝን ጎስጓስክግበረሉን ተረዳዲኦም።

ድሕሪ’ዚ ገንዘባዊ ጸብጻብ ወርሓዊ ውጽኢት ይኹን ወፈያታት ብተሕዝ ገንዘብ ቀሪቡ፣ ተቋጻጻሪ ጨንፈር ብግዲኡ ኣብዝቐረበ ጸብጻብ ምስክርነቱ ኣቕሪቡ። ብክልቲኦም ኣካላት ዝቐረብ ጸብጻባት  ውሁድ ብምንባሩ ማ፣ መርኣያ ጽፈት ኣሰራር ጨንፈር ዘመልከተ ምንባሩ ተሓቢሩ።

ኣብ መደምደምታ፣ ጉባኤ ጨንፈር፡ ብመሰረት ቅዋም ሰልፊ ሓንቲ ሰለስተ ዝኣባላታ ሽማግለ ጨንፈርን ሓደ ተቋጻጻርን ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ብምምራጽ ጉባኤ ተደምዲሙ።                                                                                                     

Last modified on Tuesday, 14 February 2023 12:20