ኣብ ኦርተዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ሓያል ቅልውላው ተፈጢሩ

2023-01-27 09:56:52 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 800 times

ሲነዶስ ኦርተዶኩሳዊት ቤተ ክርስትያ ኢትዮጵያ ብ26 ጥሪ 2023 ናይ ሰለስተ ጳጳሳት ሃይማኖታዊ መዓርግ ከም ዝቐንጣጠ፡ ሰፊሕ ዝርጋሐ ዘለዋ ናይ ብሕቲ ጋዜጣ ሪፖርተር ኣፍሊጣ። እቶም መዓርጎም ዝተቐንጠጡ፡ ኣቡነ ሳዊሮስ፡ ኣቡነ ኣውንጣጢዎስን ኣቡነ ዜናማርቆስን ዝተባህሉ ኮይኖም፡ ናብዚ መቕጻዕቲ ዘብጸሖም ምኽንያት እቲ ብ21 ጥሪ 2023 ካብ ኣዲስ ኣበባ ንወገን ምዕራብ ኣብ ክልል ኦሮሞ ወሊሶ ኣብ ዝተባህለት ከተማ፡ ብኢደወነኖም 26  ሓደስቲ ኤጲስቆጶሳት ቀቢኦም፡ ስጉምቶም ብሲነዶስ ኣፍሊጦ እንተዘይረኺቡ፡  ናብ ክልል ኦሮሞ ዝጠመተ ሓድሽ ሲነዶስ ከም ዘቑሙ ብምጥቃስ መግለጺ ብምውጸኦም ምዃኑ እቲ ዜና ሓቢሩ።

ነዚ ኩነታት ብዝምልከት ብ26 ጥሪ 2023 ህጹጽ ጉባአ ዘካየደ፡  ብፓትርያርክ ኣቡነ ማትያስ ዝምራሕ ዕላዊ ሲኖዶስ ኦርተደኩስ ኢትዮጵያ፡  ኣብ ልዕሊ እቶም ሰለስተ ጳጳሳትን ንሳቶም ዝቐብእዎም፡ ኤጲስቆጶሳትን 11 ነጥብታት ዘለዎ ውሳነ ወሲኑ። በቲ ውሳነ መሰረት እዞም ዘይሕጋውያን ዝበሎም ጳጵሳትን እቶም ብኣኣቶም ዝተቐብኡን ጌጋኦም ኣሚኖም ይቕረታ እንተዘይሓቲቶም፡፡ ኩሉ ዝነበሮም ሃይማኖታዊ መዓርግን ክብርን ተቐንጢጡ ከም ተራ ሰባት በቲ ናይ ቅድሚ ምንኩስና ኣስማቶም ክጽውዑን ብጸጋታት ኦርቶደኩሳዊት ቤተክርስትያ ከየገልግሉን ብጸጋታታ  ከይግልገሉን ዝብል ዝርከቦ ወሲኑ ኣሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዚ ብዝምልከት ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺኳ እንተዘየለ፡ ኦርተደኩስ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ግና፡ መንግስቲ ናይ ምእራም ግዲኡ ክገብር ብዘይምርኣዩ፡ ምስቶም ዕልዋ ከካይዱ ዝፈተኑ ዘይሕጋውያን ኣካላት ወጊኑ ኣሎ ዝብል ክስታት ምቕራብ ጀሚራ’ላ።

እዚ ኩነታት ናብ ዝኸፈአ ምክፍፋል ሰዓብቲ እቲ ሃይማኖትን ህውከትን ከየምርሕ ዓብይ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ። ምስዚ ብዝተተሓሓዚ እዚ ተረኽቦ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ እናገደደ ዝኸይድ  ዘሎ ፖለቲካዊ ምክፍፋልን ጐንጽታትን ናብ ዝገደደ ደረጃ ከየዕርጎ ኣብ ብዙሓት ስግኣት ኣሕዲሩ ኣሎ።

ብኻልእ ወገን ድማ፡ እታ ህግደፍ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያ ኣትዩ ክሕምሳ እንከሎ ተዛሪቡ ዘይፈልጥ ሲነዶስ ኦርተደኩሳዊት ቤተ ክርስትያ ኤርትራ ወሲኽካ፡ ናይ ሓያሎ ሃገራት ሲነዶሳት ንተግባራት እቶም ሰለስተ ጳጳሳት ዝቃወም መግለጽታት የውጸኣ ከም ዘለዋ ተሓቢሩ።

Last modified on Friday, 27 January 2023 11:06