መሪር ናይ ሓዘን መግለጺ
2023-01-14 21:34:38 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1321 timesተጋዳላይ ማሕፉዝ ኣደም ኣሕመድ፡ ኣባል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ርያድ፡ ብዝሕደሮ ሕማም ብዓርቢ ዕለት 13 ጥሪ 2023 ዓሪፉ። ብዕለት 14 ጥሪ 2023 ኣብ ከተማ ርያድ ሓመድ ኣዳም ለቢሱ። ስዉእ ማሕፉዝ ብ1958 ኣብ ኣውራጃ ሰራየ ኢዩ ተወሊዱ። ኣብ ብሪገድ 44 ንነዊሕ እዋን ተቓሊሱ።
ሰዲህኤ፡ ንስውእ መንግስተ-ሰማይ የዋርሶ፥ ንስድራቤቱን መቓልስቱን ድማ ጽንዓት ይሃቦም እናበለ ናይ ሓዘኖም ተኻፋላይ ምዃኑ ይገልጽ።
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
14 ጥሪ 2023