ሕማቕ ኩነታት ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ኣለምዋጭ

2022-12-27 20:20:45 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 593 times

ኣቕጣጫ መደበር ስደተኛታት ኣለምዋጭ (ከባቢ ዳባት) ካብ ማሕበራዊ መዲያ

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኣምሓራ ጥቓ ከተማ ዳባት ኣብ ዝተኸፍተ ሓድሽ መደበር ኣለምዋጭ  ተዓቚቦም ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣዝዩ ተስፋ ኣብ ዘቑርጽ ኩነታት ከም ዝርከቡ ምንጭታት ሰዲህኤ ካብቲ ቦታ ሓቢሮም። ናይቲ መደበር ኣብ ንመነባብሮ ሰባት ዘይምረጽ ቦታ ዝተደኮነ ብምዃኑ ኣደዳ ንህይወቶ ዝፈታተን ዛሕሊ ወዲቖም ምህላዎም፡ ቀዳማይ ጸገም ኮይኑ፡ ዘድሊ ሰብኣዊ ቀረብ ዘየብሉ ምዃኑ ከኣ ካልእ ጸገሞም እዩ።

እቶም ምንጭታት ከም ዝጠቐስዎ፡ ሕክምናን ዝስተ ማይ ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ ቀረባት ዘይእኹል ኣብ ርእሲ ምዃኖም፡ ብነፍሲ ወከፍ ሓደ ስደተኛ ኣብ ወርሒ ዝወሃብ መግቢ 7 ኪሎ ግራም ጥረ ስርናይ  ምዃኑ ሓቢሩ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ከኣ ነዘን ስርናይ ቆሊኻ ንምብላዕ ወፊርካ እተምጸኦ ዕንጸይቲኳ ከምዘየለ ገሊጹ።

እቲ ካልእ ዝዓበየ ጸገም ኩነታት ጸጥታን ድሕነትን ኮይኑ፡ ኣይኮነንዶ ኣብቲ ኩሉ ዝኣትዎ ሓለዋ ዘየብሉ መደበር ኣለምዋጭ፡  ካብኡ ወጺእካ ኣብ ከተማ ዳባት ገዛ ተኻሪኻ ምንባር እውን ጸጥታኡ ከም ዘየተኣማምን ሓቢሩ። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ወዲ 18 ዓመት ኤርትራዊ ስደተኛ ካብ ከተማ ዳባት ኣብ ሰዓታት ምሸት ተጨውዩ ምስተወስደ፡ እቶም መንንነቶም ዘይተፈልጠ ዕጡቓት ጨወይቲ፡ እቲ ዝተጨውየ ንክልቀቕ  ካብ 2 ክሳብ 1.5 ሚልዮን ብር ሓቲቶም ከም ዘለዉ እቲ ምንጪ ጠቒሱ፡

በዚ ኩነታት ካብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ካለኦት እቲ ጉዳይ ዝምልከቱ ኣካላትን ተስፋ ዝቖረጹ ኣስታት 5 ሺሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ “ናብ ሃገርና ምለሱና” ኢሎም ከም ዝተመዝገቡን እቲ ምምዝጋብ ቀጻሊ ምህላዉን  ከኣ ድምጺ ኣሜሪካ ፕሮግራም ትግርኛ ሓቢራ።

እዞም ኣብ ኣለምዋጭ ዝሳቐዩ ዘለዉ ስደተኛታት፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝነበረ መደበራት ማይዓይንን ዓዲ ሓርሽን ብሰንኪ ውግእ ምስ ዓነወ፡ ካብኡ ዝሰገሩ ነባራት ኤርትራውያን ስደተኛታት እዮም።

Last modified on Tuesday, 27 December 2022 21:30