ከተማ መቐለ ሓይሊ ኤክትሪክ ክትረክብ ጀሚራ፡

2022-12-08 10:43:31 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 652 times

 “ሰሜናዊት ኮኸብ” እናተባህለት እትጽዋዕ ዋና ከተማ ክልል ትግራይ መቐለ፡ ድሕሪ ብሰንኪ ውግእ ንሓደ ዓመት ምቁራጽ ካብ 5 ታሕሳስ 2022 ጀሚራ ምስ ማእከላይ መዘርግሒ ማእከል ሓይሊ ኤክትሪክ ኢትዮጵያ ዝተተሓሓዘ ኣገልግሎት ክትረክብ ከም ዝጀመረት፡ ናይ ኢትዮጵያ በዓል መዚ ሓይሊ ኤክትሪክ ኣፍሊጡ። ሓደ ካብ መራሕቲ ትግራይ፡ ፕሮፈሰር ክንደያ ገብረይወትን ዝተፈላለዩ ነበርቲ እታ ከተማን እውን እቲ ኣገልግሎት ሓይሊ ኤለክትሪክ ናብ ንቡር ምምላሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ርኢቶ ኣረጋጊጾም።

ምምላስ ሓይሊ ኤለክትሪክ ከተማ መቐለ፡ ናይቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ኬንያን ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ግብራውነት ዘመልክት ክኸውን እንከሎ፡ ካብ ከተማ መቐለ ወጻኢ ኣብ ዘሎ ከባብታት ግና ጌና ኣይጀመረን። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣገልግሎት ተለፎን ከተማ መቐለን ከባቢእን ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ከም  ዝጅምር ሓለፍቲ ተሌኮም ኢትዮጵያ ክገልጹ እንከለዉ፡ ኣብ ከተማ ሽረን ከባቢኣን ግና ኣገልግሎት ተለፎን ከም ዝጀመረ፡ ካብ ወጻኢ ደዊሎም ቤተሰቦም ዝረኸቡ ተወለድቲ እቲ ከባቢ ሓቢሮም።

ኣብዚ እዋንዚ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን እቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኣገደስቲ ስጉምትታት ይወስዱ ኣለዉ። ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ካብ ግንባራት ውግእ ክስሕቡን ዕጥቂ ክፈትሑ ምጅማሮምን ተስፋ ዝህብ ኮይኑ፡ ምስዚ ብዝተተሓሓዘ  ነቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ጸገም ዝምጥንኳ እንተዘይኮነ ናብ ትግራይ ክኣቱ ጀሚሩ ዘሎ ረዲአትን መድሃኒትን’ውን በቲ ዝድለ መጠን ቀጻሊ ክኸውን ተስፋ ተነቢርሉ ኣሎ።

ብወገን ሰራዊት ኤርትራን ሓይልታት ፋኖ ኣምሓራን ዝረአ ዘሎ ተቓውሞን ዕንቅፋታትን ግና ኣብ ብዙሓት ደለይቲ ሰላም ነቲ ስምምዕ ንድሕሪት ከይመልሶ  ስኽፍታ ኣሕዲሩ ኣሎ። ውግእ ኣብ ትግራይ ምስተቋጸረ፡ ናብ ክልል ኦሮሞ ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ ናብ  ምዕራብ ወለጋ ብዝኸፈአ ምልሓሙ፡ ኢትዮጵያ ጌና ካብ ሓደጋ ምብትታትን ብዝተኣማምን ከምዘይወጸት ዘመልክት ምዃኑ ብብዙሓት ዝጥቀስ ዘሎ እዩ።

Last modified on Thursday, 08 December 2022 12:00