ኣብ ኢትዮጵያ ቀጻሊ ሰላም ክመጽእ፡ ሰራዊት ኤርትራ ክወጽእ ጸዋዒት ቀሪቡ
2022-11-15 13:17:55 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 386 timesኣሜሪካዊ ኣባል ባይቶ ብራድ ሼርማን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ቀጻልን ዝተኣማምንን ሰላም ዝመጽእ ሓይልታት ኤርትራ ካብታ ሃገር ምስ ዝወጹ ምዃኑ ገሊጾም። እቶም ኣባል ባይቶ ነዚ መግለጺ ዝሃቡ፡ ምስ ኣማኻሪ ጸጥታ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ሰፊሕ ምይይጥ ድሕሪ ምኽያዶም ምዃኑ እቲ ካብ መርበብ ሓበሬታ ሰቲት ዝተረኽበ ዜና ሓቢሩ። እቶም ኣባል ባይቶ ናብቶም ሓላፊ ጸጥታ ኣሜሪካ ብዛዕባ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ምሕጽንታ ከም ዘቕረቡ ኣብቲ ጸዋዒቶም ገሊጾም።
ብራድ ሼርማን ኣብ ርእሲቲ ናብቶም ኣሜሪካዊ በዓል መዚ ዘቕረብዎ ምሕጽንታ፦ ብደረጃ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንኤርትራ ዝቐጽዕ ውሳነ ክውሰን ከም ዝጸውዑ እቲ ዜና ሓቢሩ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ዝነብሩ ኤርትራውያን ብስም 2% ዘኽፍሎ ገንዘብ ንክምርመር ጸዊዖም።
እቶም ኣባል ባይቶ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጽኒዑ ዝጸነሐ እገዳ ዕዳጋ AGOA፡ ክሳብ፤ ሰብኣዊ ረዲአት መግብን መድሃኒትን ንመከፍፋሉ ዘድሊ ነዳድን ብዘይገደብ ናብ ትግራይ ዝበጽሕ፡ ከምኡ እውን ተሓልቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ጋዜጠኛታትን ተጋሩ ብኣልማማ ተዳጒነምሉ ናብ ዘለዉ ቦታታትን ክኣትዉ ክሳብ ዝፍቀደሎም እቲ እገዳ ክጸንዕ ተማሕጺኖም።
እቲ ንክልተ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ክካየድ ዝጸነሐ ውግእ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ከንያን ዝተብጽሐ ስምምዓት ክጸንዕ፡ ዝተፈላለዩ ኣካላት ኣብ ዝምህጸንሉ ዘለዉ ግዜ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ክወጽእ ብዝተፈላለዩ ኣካላት ዝቃላሕ ዘሎ እዩ። ኣብቲ ስምምዓት እውን ብፍላይ ኣብቲ ናይ ኬንንያ፡ “ናይ ወጻኢ ሓይልታት ካብ ትግራይ ክወጹ” ብዝብል ተጠቒሱ እዩ።
ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ እቲ ውግእ ምስትጀመረ ከሎ ግና፡ ብ21 ሕዳር 2020፡ “ስርዓት ህግደፍ ባዕዳውያን ሓይልታት ናብ መሬትና ከምዝኣትዉ ምግባሩ ከይኣኽሎ፣ ንሰራዊት ኤርትራ’ውን ብዘይድልየቱን እምነቱን ናብ ትግራይ ልኢኹ ኣብ ዘይምልከቶ ውግእ ኣእትዩ ንኸቢድ ሓደጋ ኣቃሊዕዎ ይርከብ። እዚ ሰራዊት እዚ ነቲ ዝተሰለፈሉ ድሕነት ህዝቡን ልዑላውነት ሃገሩን ኣብ ክንዲ ዝከላኸል፣ ካብ ሃገሩ ወጻኢ መዝሓል ጥይት ኰይኑ ይመውትን ይቘስልን ኣሎ። ስለ’ዚ ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤ፡ ብሓደ ወገን እቲ ሰራዊት ባዕሉ ካብቲ ኣትዩዎ ዘሎ ዘይቅኑዕ ውግእ ነብሱ ከውጽእ ክጽዕር፣ ብኻልእ ወገን ድማ፡ ህዝቢ ኤርትራ እዞም ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ተኣጒዶም ዘለዉ ደቁ ብዝቐልጠፈ እዋን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ብኹሉ ዝከኣሎ መገድታት ክቃለስ ጻውዒትና ነቕርብ” ከም ዝበለ ዝዝከር እዩ።