ምስክርነት ኣብ ኤርትራ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኣሜሪካ ዝነበሩ

2022-09-07 21:00:12 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 734 times

ኣብ ኤርትራ ፈጻሚ ጉዳይ ኤምባሲ ኣሜሪካ ዝነበሩ፡ ስተቨ ዎከር “እቲ ሕሱም ወጻዒ ምሳና ኣሎ”  ብዝብል ኣርእስቲ፡ ብ5 መስከረም 2022 ዘኣትላንቲክ/THE ATLANTIC ኣብ ዝተባህለት ጋዜጣ ኣብ ዘስፈርዎ ሓተታ፡ “ኤርትራ፡ ሰብኣዊ መሰላት ብኣሰንባዲ ደረጃ ዝገሃሰላ ሃገር እያ” ዝብል ምስክርነቶም ኣሕዲሶም።

እቶም ኣንበሳድር ኣብ 2019 ናብ ኤርትራ ምስተመደቡ፡ በቲ ብቕዲ ኢጣልያ ዝተቐርጸ ህንጻታትን ኩነታት ኣየርን ኣስመራ ተመሲጦም ከም ዝነበሩ፡ ደሓር ግና ፖለቲካዊ ኰነታት ኤርትራ ምስ ተረድኡ ዘሰንብድ  ኮይኑ ከም ዝረኸብዎ ኣብቲ ጽሑፎም ኣስፊሮም።

እቶም ኣንበሳደር፡ ኤርትራ ናይ ሓሳብ ፍልልይን ተቓውሞን ዘይፍቀዳ፡ ናይ ፕረስ ናጽነት ዘየብላ፡ ዜጋታታ ደረትን ግሉጽነትን ናብ ዘየብሉ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ብቐጻሊ ክኣትዉ ዝግደዱላ፡ ምርጫ ዝበሃል ዘይረኣየት፡ ኣብ ልዕሊ ህዝባ ቀጻሊ ጃምላዊ መእሰርቲ ዝካየዳን ብሰንኪዚ ኣብ ሽቑርርታ ዝነብርን ሃገር እያ ዝብል ዝርዝር ምስክርነቶም  ኣብቲ ኣብ ጋዜጣ ዘኣትላንቲክ ዝወጸ ጽሑፎም ኣስፊሮም።

እቶም ኣንበሳደር ኣብቲ ሓተታኦም “ብሓደ ሰልፊ ዝምራሕ ሕሱም ምልኪ ሕጂ’ውን ኣብ ኤርትራ ኣሎ” ምስ በሉ፡ ንህዝባ ዘየርብሕ ክነሱ፡ “ስለምንታይ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሩሲያ ኣንጻር ዩክረይን ተሰሊፋ?” ዝብል ሕቶ ኣዘራራቢ ምዃኑ እውን ጠቒሶም። ኣተሓሒዞም ድማ ቤላሩስ፡ ሶርያን ሰሜን ኮርያን  ኣንጻር ዩክረይን ክስለፋ እነለዋ ምናልባት ዝረኽበኦ ረብሓ ይህልወን ምስ በሉ፡ ናይ ኤርትራ ምኽንያት ግና ካብ ምድጋፍ ምልካዊ ምምሕዳር ዝነቅል  እዩ ኢሎም።

ስተቨ ዎከር፡ ናይ ሓደ ሰልፊ በሓቲ ምምሕዳር፡ ብመሰረቱ ኣዕናዊ እዩ ምስ በሉ፡  ብሰንክዚ ፖለቲካዊ በሓትነት ኤርትራውያን ኣብ ሃገሮም ኮነ ካብ ሃገሮም ናብ ወጻኢ ናይ ምንቅስቓስ ነጻነት ዘየብሎም ምዃኖም መርኣያ ምልክን ዕብለላን እዩ ኢሎም። ምስዚ ብምትሕሓዝ ድማ ኤርትራ ብድሕረትን ስእነትን ቁጠባ እትሰቐዮ ዘላ ከይኣኽላ፡ ዜጋታታ ብገዛእ ገንዘቦም ካብ ባንክ ካብ 5 ሺሕ ናቕፋ ንላዕሊ ከውኡ ዘይክእሉላ፡ ብኢንተርኔት ዝተሓገዘ ዘመናዊ ናይ ባንክ ኣጠቓቕማ ዘየተኣታተወት፡ ሃገር እያ ኢለሙዋ።

ኣብ ኤርትራ ዝምደቡ ኣንበሳድራት ከካብ ሃገሮም ሒዘምዎ ዝመጹ ንህዝቢ ኤርትራ ዝሕግዝ መደባት ምትግባሩ ከምዘይክእሉ  ጠቒሶም ከኣ፡ ከምቲ ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ስርዓታት ንዝኣመሰሉ ምምሕዳራት ብኹሎም ወገናት ክምከቱን ክቃልዑን ከም ዝግባእ ኣብቲ ንህልዊ ኩነታት ዝምልከት ትንተናኦም ኣስፊሮም።

ኣንበሳደር ስተቨን ወከር ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝነበርሉ፡ ኣብ ኣስመራ ኮይኖም፡ ናብ ሲንፖዚየም ኤሪሳት 2022፡ ብዘመሓላለፍዊ ሰፊሕ መልእኽቲ፡ ንምምሕዳር ህግደፍ ብምቅላዕ ኣገዳሲ ኣስተዋጸኦ ዘበርከቱ ኣሜሪካዊ ዲፕሎማት ምዃኖም ዝፍለጥ እዩ።

Last modified on Wednesday, 07 September 2022 23:13