ዩኒሰፍ፡ ኣብ መቐለ ህጻናትን ሲቪልን ንዝተጐድእሉ ደብዳብ ነፈርቲ ኮኒኑ

2022-08-28 19:31:56 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 787 times

ፈጻሚ ዳይረክተር ዩኒሰፍ፡ ካተሪን ሩሰል፡ እቲ ዝመርሐኦ ትካል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዋና ከተማ ክልል ትግራይ መቐለ ብ26 ነሃሰ 2022 ንዝተፈጸመ; ደብዳብ ነፈርቲ ብትሪ ከም ዝኹንኖ ብዘውጸአኦ መግለጺ ኣፍሊጠን። ኣተሓሒዘን ድማ  ኩሎም ወገናት ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣካላት ብህጹጽ ኣብ ሰላማዊ ዘተ ንክኣትዉ ከም ዝጸውዓ፡ እቲ  ኣብ መርበብ ዩኒሰፍ ዝመወጸ መግለጺ ሓቢሩ። እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ፡ በቲ ኣብ ልዕሊ መውዓሊ ህጻናት ዝተፈጸመ ደብዳብ፡ ሓያሎ ህጽናት ከም ዝሞቱን ከም ዝቖሰሉን ኣስፊሩ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝተኸታተሉ ዝተፈላለዩ ማዕከናት ዜና በቲ ደብዳብ 3 ህጻናት ዝርከብዎም 17 ሰባት ከም ዝሞቱን ልዕሊ 30 ከም ዝቖሰሉን ዝገልጽ ጸብጻባት ኣቕሪቦም።

 እተን ዳይረክተር በቲ መገለጺአን፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ መመሊሱ ይዓርግ ብዘሎ ጥሕሰታት ህጻናት ዝለዓለ ዋጋ ከም ዝኸፈሉ ሓቢረን። ኣብ ዝሓለፈ ናይ 2ተ ዓመታት ግዜ ህጻናትን ወለዶምን እቶም ዝኸበደ ዋጋ ዝኸፈሉ ምዃኖም ምስ ጠቐሳ፡ ካብ ሎሚ ንደሓር እቲ ናዚ ዘብጸሐ ውግኣት ጠጠው ንክብል ጸዊዐን።

ኣብ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሚኒስተር መንግስታዊ መራኸቢታት ዶ/ር ለገሰ ትሉ ብወገኖም ነቲ በቲ ኣብ ሲቪላዊ ትካላት ደብዳብ ተኻይዱ፡  ኣብ ልዕሊ ሲቪል ወገናት ጉድኣት ኣውሪዱ ዝብል ዜና ነጺጎም፡  ብኣንጻሩ ንክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ከሲሰምዎ።

እዚ ደብዳብ ዝተኻየደ ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ክልል ትግራይን መን ከም ዝጀመሮ ዘሰሓሓቦም ዘሎ ውግእ፡  ከም ሓድሽ ብ25 ነሃሰ 2022 ድሕሪ ምብርዑ ምዃኑ ይዝከር።

Last modified on Sunday, 28 August 2022 21:36