ቤት ትምህርቲ ሕርሻን ቴክኒክን ሓጋዝ፡ ብህግደፍ ተወሪሳ ተባሂሉ

2022-08-24 19:30:50 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 812 times

 ቤት-ትምህርቲ ሕርሻን ቴክኒክን ሓጋዝ  ስእሊ ቢቢሲ/BBC 

ብካቶካዊት ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ እትውነን፡ ብማሕበር ላሳለ ክትመሓደር ዝጸንሐት፡ ኣሕዳሪት ቤት ትምህርቲ ሕርሻን ቴክኒክን ሓጋዝ ብስርዓት ህግደፍ ከም ዝተወርሰት ቢቢሲ/BBC ኣብ ኣስመራ ዘለዉ ምንጭታታ ብምጥቃ ሓቢራ። ቤት ትምህርቲ ሕርሻን ቴክኒክን ሓጋዝ ንዝሓለፉ 23 ዓመታት፡ ኣብ ዓውዲታት ኣግሮ-መካኒክ፡ ስነ-እንስሳ፡ ስነ-ኣትክልቲ፡ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ከምኡ እውን ንልምዓት መስኖ ኣብ ዝምልከት ብክለሰ-ሓሳብን ተግባርን ትምህርትን ኣገልግሎትን ክትህብ ዝጸንሐት ምዃና እቲ ዜና ኣፍሊጡ።

እታ ቤት ትምህርቲ፡ ብሉጽ ፍረ ወይኒ፡  ማልማላታን ነቢትን ብምፍራይ፡ ከምኡ እውን ልዑል ምህርቲ ዝህባ ናይ ጸባ ከብቲ ብምርባሕን ካብቲ ጸባ ብቕዓቱ ዝተረጋገጸ ርግኦ፡ ሪኮታ፡ ፎርማጆን ጠስምን ብምቕራብ ከተገልግል ዝጸንሐት ትካል ልምዓት እያ። ኣብ ርእሲኡ ካብ ዝተፈለለዩ ዞባታት ኤርትራን  ካብብ’ቲ ከባብን ንዝመጹ ሰባት ናይ ስራሕ ዕድል ዝኸፈተት ምንባራ ም፣ፍላጥ ተኻኢሉ።

ብኻልእ ወገን ድማ  ኣብ ደቀምሓረ እትርከብ፡ ብካቶካዊት ቤተ-ክርስትያን እትውነን ቤት ትምህርቲ ቴክኒክ ደንበስኮ ኣብ መጀመርታ ወርሒ መስከረም 2022 ኣብ ኢድ ስርዓት ህግደፍ ክትኣቱ ምዃና ዝእምት ሓበሬታ ካብ ምንጭታታ ከም ዝረኸበት እቲ ዜና  ቢቢሲ/BBC ሓቢሩ።  ምምሕዳር ህግደፍ፡ ኣብ 2019 ብካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን፡ እምነት ሚስዮን፡ ኦርቶዶክስን፡ እስልምናን ኤርትራ፡  ዝመሓደራ ዝነበራ ኣብያተ-ትምህርቲ ካልኣይ ደረጃ  ምውራሱ ከም ዝፍለጥ ኣብቲ ዜናዊ ጸብጻብ ሰፊሩ።

ምምሕዳር ህግደፍ ነቲ ዝወሰዶ ናይ ትካላት ምውራስ ስጉምቱ ሕጋዊ መልኽዕ ከትሕዞኳ ዝፍትን እንተኾነ፡ ሓቀኛ ጠንቁ ‘ብፍላይ ብካቶልካዊት ቤተ-ክርስትያን ንህዝቢ ኤርትራ ይብድል ስለ ዘሎ፡ ኣካይድኡ ንከዕሪ ብተደጋጋሚ ከቕርቦ ዝጸሐ ነቐፈታዊ ምሕጽንታ ዘለዎ ቂም ንምግላጽ ምዃኑ ብዙሓት ተዓዘብቲ ዝረዳድእሉ ምኽንያት እዩ።

Last modified on Wednesday, 24 August 2022 21:40