ኣብ ማእከላይ ባሕሪ፡ 40 ስደተኛታት ካብ ሞት ድሒኖም

2022-08-13 07:39:50 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 968 times

ኣርበዓ ዝኾኑ፡ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ምዃኖም ዝተነግረሎም ስደተኛታት፡ ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ዝተሳፈርዋ ጃልባ ልዕሊ ዓቕማ  ስለ ዝጸዓነትን ብሓያል ንፋስ ስለ ዝተደፍአትን ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ከም ዝጠሓለትን ተሳፈርታ ግና ከም ዝደሓኑን  ኦፐን ኣርም/open Arms ዝተባህለ ናይ ስፐይን ህይወት ኣድሕን ትካል ብመንገዲ ናይ ትዊተር ገጻ ከምዝሓበረት  መርበብ ሓበሬታ ሰቲት ኣፍሊጣ።

እታ ስፐይናዊት ትካል ምድሓን ህይወት፡ እቶም ዝደሓኑ ስደተኛታት  ብ11 ነሓሰ 2022 ናብ መርከብ ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ከምዝተረከቡ ተፈሊጡ። ካብቶም ካብ ሞት ዝደሓኑ ስደተኛታት፡ 2 ትሕተ ዕድመ ህጻናት ከምዝነበርዎም ከኣ ተሓቢሩ። እቶም ስደተኛታት፡ ካብ ናብ ኢጥልያ ናብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝቐርብ ከባቢ፡ ሓያል ንፋስን ሕማቕ ኩነታት ባሕርን ምስ ኣጋጠሞም፡ ሲሲሊያ ኣብ ዝተባህለ ደሴት ናይ ላምባዱሳ ከም ዝተዓቑቡ ናይታ ህይወት  ኣድሕን ትካል ጉጁለ ኣብሪሃ።

ትካል ኦፐን ኣርም/Open Arms ህይወት ኣድሕን ስፐይን፡ ካብ 2015 ጀሚራ ክሳብ ሎሚ ልዕሊ 26,500 ስደተኛታት ከም ዘድሓነት ኣፍሊጣ።

ካብ ዝተፈላላያ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ናብ ኣውሮጳ ንምስጋር፡ ብዙሓት ስደተኛታት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ግዳያት ከምዝኾኑ፡ እቲ ካብ ሰቲት ዝተረኽበ ዜና ጠቒሱ፡ ክሳብ ሕጂ ኤርትራውያን ሓዊሱ ብማእከላይ ባሕሪ  ናብ ሃገራት ኣውሮጳ ናይ ዝሰገሩ ስደተኛታት ብዝሒ ናይዚ ዓመት ልዕሊ 71 ሽሕ ክኸውን እንከሎ፡ 945 ዝኾኑ ድማ ከም ዝሞቱን ሃለዋቶም ከም ዝጠፍአን ኣብቲ ዜና ተሓቢሩ። ብመሰረት ሰነዳት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ፡ ካብቶም ብማእከላይ ባሕሪ ናብ ኣውሮጳ ዝሰገሩ ኣስታት 4 ሺሕ ኤርትራውያን ምዃኖም  ጸብጻባት ከም ዝሕብሩ ድማ ተጠቒሱ።

Last modified on Saturday, 13 August 2022 09:46