መልእኽቲ ምሕዝነት ሰዲህኤ፡ ናብ ኮንፈረንስ ገስጋሲ ምሕዝነት

2022-06-24 18:26:19 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1060 times

ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል ደጊጋ ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ22 ሰነ 2022 ናብ ገስጋሲ ምሕዝነት መልእኽቲ ልኢኹ። ኣብዚ ናይ ምሕዝነት መልእኽቱ እቲ ምሕዝነት ብ25 ሰነ 2022 ድሕሪ ለበዳ ቫይረስ ኮረና፡ ኣብ ከተማ ኮላሉምፖር ሃገር ማላዢያ፡ ብኣካል ተራኺቡ ክጋባእ ብምዃኑ እንኳዕ ኣሕጐሰና ኢሉ። ምስዚ ኣተሓሒዙ ከኣ ሰዲህኤ ምስ ኣባላት እቲ ገስጋሲ ኣካል ዘለዎ ምሕዝነትን ምትሕብባርን ቀጻሊ ምዃኑ ጠቒሱ እቲ ኮንፈረንስ ዕዉት ንክኸውን ሰናይ ትምኒቱ ገሊጹ።

ኣስዒቡ ኣብዚ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ እነፍቅሮም ኣዕሩኽ ብኣካል ዝሳተፍሉ ኣገዳሲ ኣጋጣሚ ክንሳተፍ ዘይምኽኣልና ቅር ይብለና ኢሉ። ቅድሚ ሕጂ ሰዲህኤ ካብቲ ናይ ላይብዚግ መስራቲ ጉባአ 2013 ጀሚሩ፡ ገስጋሲ ምሕዝነት ኣብ ዘዳለዎም ኮንፈረንሳት ስቲክሆልም፡  ሮተርዳም፡ ብሩሰልስን በርሊንን ብንጥፈት ብምስታፉ ተጠቃሚ ከም ዝነበረ ኣዘካኺሩ።

ሰዲህኤ እዚ ኮንፈረንስ ንሰላም፡ ዲሞክራስን ቅኑዕ ምምሕዳርን  ዝለዓለ ግምት ብምሃብ፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣጋጢሙ  ካብ ዘሎ ናይ ሰላምን ዲሞክራስን ብድሆታት ንምውጻእ፡ ብጉዳይ ወራር ሩሲያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን፡ ኩነታት ቅርኒ ኣፍሪቃን ካለኦት ኣብ ውግእ ተጸሚዱ ዘሎ ኩርነዓት ዓለምን ከም ዝዛረብ እምነቱ ምዃኑ ኣብዚ መልእኽቲ ሰፊሩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ እዚ ኮንፈረንስ ናይዚ ዝተጠቕሰ ብድሆታት መፍትሕታት ንክእምት ትጽቢት ደለይቲ ሰላም ምዃኑ ብጻይ ተስፋይ ኣብዚ መልእኽቱ ጠቒሱ።

ኣብ መወዳእታ ከኣ ሰዲህኤ ኣብ ወጻኢ ኮይኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብቲ ዝጭቁኖ ዘሎ ሓደገና ጉጅለ ናጻ ንምውጻእ ዝካየድ ቃልሲ ኣገዳሲ ኣበርክቶ ዘወፊ ዘሎ ሰልፊ ምዃኑ ሓቢሩ።  እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጉጅለ ኣብ ጐረባብትና ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ከይተረፈ ምምዝባላት ዘኸትሎ ዘሎ ምዃኑ’ውን ጠቒሱ።  መልእኽቱ ክድምድም እንከሎ ከኣ ደጊሙ  በቲ ድሕሪ ዕጽዋ ንመጀመርያ ግዜ ዝካየድ ኮንፈረንስ  ገስጋሲ ምህዝነት ሕጉስ ምዃኑ ገሊጹ፡ ሓቢርካ ምስራሕና ቀጻሊ እዩ ኢሉ።

Last modified on Friday, 24 June 2022 20:29