ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ፡ 10ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ

2022-06-21 08:06:27 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 876 times

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብ18ን 20ን ሰነ 2022፡ ዓስራይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ። ኣብ መኽፈቲ እቲ ኣኼባ ኣቦመንበር ፈጻሚ ሽማግለን ማእከላይ ባይቶን ሰዲህኤ፡ ብጻይ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ)፡ ናይቲ ኣኼባ ኣጀንዳ ድሕሪ ምጽዳቕ፡ ንተሳተፍቲ ኣኼባ ሓጺር ናይ “እንኳዕ ደሓን መጻእኩም”  መእተዊ ቃል ኣስሚዑ።

ፈጻሚ ሽማግለ ኣብዚ ስሩዕ ኣኼባኡ፡ ብመጀመርያ ብዛዕባቲ ኣቐዲሙ ብሓለፍቲ ኣብያተ-ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ተዳልዩ ዝጸንሐ ንድፊ ጸብጻብ በብሓደ ድሕሪ ምምይያጥ ከም ሰልፋዊ ሰነድ ኣጽዲቑዎ። ኣብዚ ናይ ነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ጸብጻብ ዝዳህሰሰሉ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኣብ ኩሉ መዳያት ዝተራእየ ሰልፋዊ፡ ሃገራውን ከባብያውን ምዕባለታት መዚኑ። ንኣውንታታት ዝያዳ ዘሕይሉን ንሕጽረታት ዘእርሙን ውሳነታት ወሲኑ።

እቲ ኣኼባ ኣብ ርእሲ’ቲ ዝቐረበ ጸብጻብ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ እዋናውን መሰረታውን ዝያዳ ጠመተ ዘድልዮም ዛዕባታት ዓሚቕ ምይይጥ ኣካይዱ። ኣብ ምይይጡ፡ ምምስራት ሰፊሕ ጽላል ፖለቲካዊ ሓይልታት (ፖሓኤ)፡ ቅድሚት ዝስራዕ ጭረሖ ሰዲህኤ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ንምዕዋቱ ክሳብ ሕጂ ክካየድ ዝጸንሐ ቃልስን ከጋጥም ዝጸንሐ ብደሆታትን ዳህሲሱ። ምስ ኩሉ’ቲ ዝጸንሐን ዘሎን በዳሂ መስርሕ፣ ሰዲህኤ ንመጻኢ እውን ምቛም ሓባራዊ ጽላል ኣብ ሽቶኡ ንምብጻሕ፡ ቅሩብነት ምስ ዘለዎም ኣካላት ኮይኑ ቃልሱ ከም ዝቕጽል ኣነጺሩ። ምስ ዓለም ለኸ ህዝባዊ ምንቕስቕስ ይኣክልን ካለኦት ተበግሶታትን ከራኽቦ ኣብ ዝኽእል መንገዲ ሓቢርካ ንምቅላስ ግቡእ ቆላሕታ ከም ዝህቦ’ውን ካብ ዘድሃበሎም ነጥብታት እዩ።

10ይ ኣኼባ ፈጻሚ ሽማግለ ኣብ፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ክልል ትግራይን ሱዳንን ዝረአ ዘሎን ዓለም ለኻዊ መልክዕ ናይ ምሓዝ ኣንፈቱ፡ ተጽዕንኡ ኣብ ፖለቲካ ሃገርናን ብሰንኩ ዝምዕብል ዘሎ ናይ ኤርትራውያን ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይን ሓደስቲ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋን ዝምልከት ንናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮ ሰዲህኤ ኣብ ግምት ኣእትዩ ዓሚቕ ጠመተ ኣካይዱ። ኣብ መጻኢ ብሓፈሻ ብደረጃ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ፣ ብፍላይ ከኣ ብደረጃ ሰዲህኤ ክተሓዝ ዝግበኦ ኣቕጣጫን ርእዩ። ኣብቲ ዳህሳሱ ሰዲህኤ ንኣተሓሕዛ ፍልልያዊ ሓድነትን ዝምድናና ብሓፈሻ ምስ ጐረባብትና፡ ብፍላይ ከኣ ምስ ክልል ትግራይ፣ ብሓደስቲ ምዕባለታት ከይተሰናበደ፡ ብመጽር’ቲ ኣቐዲሙ ብደረጃ ጉባኤኡ ዝሓዞ ፖሊስን በብግዜኡ ብዝተፈላለዩ ትካላቱ ከነጽሮ ዝጸንሐ መርገጻትን እናተመርሐ፡ ጉዳይ ኤርትራ ዝውሰን ብህዝቢ ምዃኑ እምነት ዘማእከለ፡ ቃልሱ ከም ዝቕጽል ግቡእ ቆላሕታ ሂቡ መዚኑ። ፖሊሲታቱ ኣብ ቅድሚ ኩሎም ዝምልከቶም ናይ ምንጻርን ምስራጽን ጻዕሪ ከም ዘካይድ ድማ ኣስፊሩ።

ኣብ መወዳእታ ኣብ መጻኢ ብሓፈሻ ኣተሓሕዛኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ከመይ ክኸውን ከም ዝግበኦ ብፍላይ ምስ መሰረታት ሰልፊን፡ ህዝብን  ዘራኽብ፣  ብሰንኪ ብኮቪድ 19 በዂሩ ዝጸንሔ መድረኻት ምቕጻል ከም  መጻኢ መደባቱ ኣመላኺቱ። ፈጻሚ ሽማግለ፡ ኣባላትን ደገፍቲ ሰዲህኤን፣ ኩሉ ለውጢ ዝብህግ ኤርትራውን፡ ህዝብናን ሃገርናን ካብዚ ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ኣትየምዎ ዘለዉ ሓሳረ-መከራ ንክወጹ፡ ከም  ናይ ቅድሚ ሕጂ ከይሰልከዩ ቃልሶም ንክቕጽሉ መጸዋዕታኡ ኣቕሪቡ። 

Last modified on Tuesday, 21 June 2022 10:19