ጋንታ ብሽግለታ ኤርትራ ኣንጸባራቒ ዓወት ኣመዝጊባ

2022-03-24 08:57:28 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ. Published in EPDP News Read 809 times

ኣብ ሃገር ግብጺ ሻርም ኢል-ሸኽ ይካየድ ኣብ ዘሎ መበል 17 ውድድር ሻምፒዮና ኣፍሪቃ  ትሳተፍ ዘላ ጋንታ ኤርትራ ኣብቲ መኽፈቲ ብ23 መጋቢት 2022 ኣንጸባራቒ ዓወት ከም ዘመዝገበት መርበብ ሓበሬታ ኣፍሪቃ ቢዝነስ (Africa Business) ሓቢራ። ኣብዚ ብደረጃ ጋንታ ዝተኻየደ ናይ መጀመርያ መዓልቲ ግጥም ጋንታ ኤርትራ 4ተ ወርቂ መዳልያታት እያ ተዓዊታ።

ኣብቲ ሓያል ህልኽ ዝተራእየሉ ውድድር ኤርትራ ብሄኖክ ምሉጌታ፡ ዳዊት የማነ፡ ሚካኤል ጎይተኦምን ኣክሊሉ ገብረህይወትን እያ ወርቂ መዳልያታት ወሲዳ። ኣብዚ ውድድር ደድሕሪ ኤርትራ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ 6 ክልኢት (ሰከንድ) ኣልጀርያን ድማ 10 ክልኢት (ሰከንድ) ድሒረን ብምእታው፡ ብቕደም ሰዓብ  ብሩርን ነሃስን መዳልያታት ወሲደን።

ኣብ ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ኤርትራ ወርቂ መዳልያ ክትዕወት እንከላ ጋንታታት ማውርታንያን ሩዋንዳን ከኣ ብሩርንን ነሃስን መዳልያታት ከም ዝተዓወታ ተፈሊጡ። እቲ ውድድር ኣብ 24 መጋቢት 2022 ድማ ብደረጃ ውልቐ ተወዳደርቲ ከም ዝቕጽል ተፈሊጡ’ሎ።

ጋንታ ብስክሊት ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ኣብ ሩዋንዳ ተመዲቡ ካብ ዝነበረ ከባብያዊ ውድድር ብሰንኪ ክታበት ኮሮና ቫይረስ ዘይምውሳዳ ተሪፋ ከም ዝነበረት ዝዝከር እዩ።

Last modified on Thursday, 24 March 2022 10:20