ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ: ንሓላፊ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ምሕዝነት ደገፍቲ ሕብረት ኣሲሮም

2022-03-10 11:08:02 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 736 times

ኣብ ሱዳን ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ፡ 8 መጋቢት 2022 ንሓላፊ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ምሕዝነት ደገፍቲ ሕብረት ባብከር ፈይሳል ከም ዝኣሰሩ መርበብ ሱዳን ትሪቡንን  ካለኦት ማዕከናት ዜና ሱዳንን ሓቢረን። እዚ ስጉምቲ ኣካል ናይቲ ኣንጻር ኣባላት ምሕያል ኣወጋዲ ኮሚተ ዝካየደ ዘሎ ወፈራ ምዃኑ እቲ ዜና ኣተሓሒዙ ጠቒሱ።

ባበክር ፈይሳል ኣብ ካርቱም ዝተኣስሩ፡ ኣብ ስነስርዓት  ቀብሪ ዓብደል ወሃብ ሻኣራን ዝተበሃሉ ፍሉጥ መራሒ ሃይማኖት ሱፊ “ጽንዓት ይሃብኩም” ክብሉ እንከለዉ ምዃኖም ተፈሊጡ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት 2022 ሰብ መዚ ሱዳን  ሓላፊ ናይቲ ምሕያል ኣወጋዲ ኮሚተ ዝበሃል ኣካልን ኣባል ባይቶ ልኡላውነት ሱዳንን ኣልፋቂን ካለኦት ካልድ ዑመር ዩሱፍ፡ ዋግዲ ሳልሕን ጠሃ ዑስማንን ዝተባህሉ ናይ ቅድም ኣባላት ካቢነን ዝርከብዎም ኣገደስቲ ባእታታት ዝርከብዎም ከም ዝኣሰሩ እቲ ዜና ሓቢሩ። ሱዳን ትሪቡን ብዝገበሮ ምክትታል ባበከር ፈይሳል ከምቶም ቅድሚኦም ዝተኣስሩ “ምትእምማን ምልሕላሕ” ብዝብል እዮም ተኸሲሶም።

ምሕዝነት ደገፍቲ ሕብረት ኣቐዲሙ፡ ብ7 መጋቢት 2022፡  ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣባላቱ ዝተወስደ ናይ ማእሰርቲ ወፈራ ነጺጉ ዝእሰርሉ ዘለዉ ምኽንያት  ፖለቲካዊ ኮይ ኑ፡ ሕጋዊ መሰረት ከም ዘየብሉ ገሊጹ ነይሩ።

ወኪል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን ቮልከር ፐርተዝስ፡ ናብ ኣቦመንበር ልኡላዊ  ባይቶ ሱዳን  ጅነራል ኣልቡርሃን  ቅድሚ ሕጂ ዝተኣስሩ ፖለቲከኛታትን ንጡፋት ተሳተፍትን ክፈትሑን ሓደስቲ ከይእስሩን ብተደጋጋሚ  ምሕጽንታ ከም ዘቕረቡ ሱዳን ትሪቡን ጠቒሳ። እቲ እሱራት ምፍታሕን ሓደስቲ ዘይምእሳርን ኣብ መጻኢ ፖለቲካዊ  ቅልውላው ሱዳን  ብዘተ ንምፍታሕ ዝግበር መስርሕ ከም ዝሕግዝ እቶም ወኪል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሮም።

ጀነራል ኣልቡርሃን ብወገኖም እቲ ማእሰርቲ ብመንገዲ ዓቃብ ሕጊ  ዝተወስደን ምስ ሚኒስተሪ ገንዘብ ናይታ ሃገር ዝተሓሕዝ እዘለዎንዩ  ዝብል መልሲ ከም ዝሃቡ ተፈሊጡ።

ኣብ ሱዳን ዝተራእየ ለውጢ ክጅመር እንከሎ ንሱዳን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንኩነታት ኤርትራን ካለኦት ጐረባብትን  እውን ኣውንታዊ ጽልዋ ከሕድር ትጽቢት ነይሩ። ብግብሪ ግና ኣብ ሱዳን እውን ክሳብ ሎሚ ሰላምን ምርግጋእን ከውሕስ ኣይከኣለን። ናብ ዝኸፈአ ከይምዕብል ከኣ ስግኣት ኣሎ።

Last modified on Thursday, 10 March 2022 12:18