ቻይና ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ መዚዛ

2022-02-23 09:49:34 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 747 times

ቻይና ብውግእን ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእን ኣብ እትሕመስ ዘላ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍሉይ ልኡኽ ከም ዝመዘዘት ሮይተርስ (REUTERS) ብ22 ለካቲት 2022 ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ሓቢሩ። ሓድሽ ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኮይኖም ዝተመዘዙ ነባር ናይ ዲፕሎማሲ ክኢላ ዡ ቢንግ   ምዃኖ  እቲ ዜና ሓቢሩ።

እዞም  ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ሶማሊያን ዘሻቕል ኩነታት ይረኣየሉ ኣብ ዘሎ ቅርኒ ኣፍሊቃ ፍሉይ ልኡኽ ኮይኖም ዝተመዘዙ ቻይናዊ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ፖፖዎ ኒው ጊኒ ኣንበሳድር ኮይኖም ሃገሮም ዘገልገሉን ኣብ ኣሜሪካ፡ ኣፍሪቃ ኤስያን ዲፕሎማስያዊ ተመኩሮ ዘለዎምን ምዃኖም እዚ ካብ ሮይተርስ ዝተረኽበ ዜና ሓቢሩ። ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ቻይና ኣብ ዝሓለፈ  ግዜ ናብ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ዝበጽሕሉ ሃገሮም ፍሉይ ልኡኽ ምብራቕ ኣፍሪቃ ናይ ምምዳብ ሓሳብ ከም ዝነበራ ምሕባሮም ድማ እቲ ዜና ገሊጹ።

እቶም ቻይናዊ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ከም ዝገለጽዎ፡ ሃገሮም ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ወታደራዊ፡ ፖለቲካውን ቁጠባውን ድሌት ኣለዋ። ኣብዚ እዋንዚኳ ኣብ ጅቡቲ ዓብይ ወታደራዊ መደበር ኣለዋ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ቻይና ኣብዚ ግዜዚ ኢትዮጵያ ንእትርከበን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝርከባ ሃገራት ዝለዓል ገንዘብ እተለቅሕን ዓበይቲ ፕሮጀክትታ እተካይድን እያ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ዕላማ ምምዳብ ፍሉይ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ቻይና ሃገራት ሰላማውን ቀጻልን ብመደብ ዝምራሕ ዕቤት ዘመዝግባሉ ኩነታት ንክፈጥራ ምሕጋዘን ምዃኑ ኣብቲ ዜና ተጠቒሱ።

ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ይካየድ ብዘሎ ውግእ፡ ብኩነታት ደቡብን ሰሜንን ሱዳንን ሶማልያን  ኣብ ዘተሓሳስብ ደረጃ ዘላ እያ። እዚ ዘይምርግገኣት ዘተሓሳሰቦም ኣካላት ከኣ ነቲ ምዕባለታት ብቐረባ ንምክትታል ፍሉያት ልኡኻቶም ክመዙ ጸኒሖም እዮም። በዚ መሰረት ቅድሚ ቻይና፡ ድሕሪ ውግእ ኢትዮጵያ ምብራዑ፡  ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣሜሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ፍሉይ ልኡኻት መዚዞም ከም ዘለዉ ይዝከር።

Last modified on Wednesday, 23 February 2022 10:55