ጨንፈር ሰዲህኤ-ስዊስ ናይ ዓመተ 2021 መዛዘሚ ኣኼባ ኣካይዱ

2021-12-23 08:46:38 Written by  ቤ/ጽ ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3035 times

ኣብ ሃገረ ስዊዘርላንድ ዝርከብ ጨንፈር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ብዕለት 19 ታሕሳስ ናይ ዓመተ 2021 መዛዘሚ ኣኼባ ብመራኸቢ ብዙሃን ኣካይዱ። እዚ ኣኼባ’ዚ ነቲ ቅድሚ ሰለስተ ወርሒ፡ ኣባላት ጨንፈር ብኣካል ኣብ ከተማ ዙሪክ ተራኺቦም ንዘካየድዎ ዓመታዊ ጉባኤ ቀጺሉ ብመራኸቢ ብዙሃን ንካልኣይ ጊዜ ዝጋባእ ዘሎ ምዃኑ ኢዩ።

ኣቦ መንበር ጨንፈር ዳዊት ኣብራሃምን፡ ናይ ስርዒትን ርክባትን ሓላፊ ተስፋጋብር ገብረን፡  በብተራ ኣብ ዝሃብሆ መብርሂ፡  ጨንፈር ስዊስ ካብ ናይ 21 ነሓሰ ጉባኤኡ ቀጺሉ ህላዌኡ ከም ዘረጋገጸን፡ ንብዝሒ መንእሰይ ኣብ ስዊስ ኣብ ግምት ብምእታው ክገብሮ ዘሎዎ ስራሓት ኣዝዩ ሰፊሕ ምዃኑን ኣብሪሆም። ኣብ ቀረባ ሰሙናት ብኣቦ መንበር ሰልፊ እተዋህበ ሰፊሕ መግለጺ ጠቓሚ ምንባሩ ድሕሪ ምጥቃስ ከኣ፡ ነቲ ብሰልፊ ዝስራዕ ናይ ሓበረታን መነቓቕሒን ኣኼባታት ኩሉ ኣባል ጨንፈር ክከታተሎ ጻውዒት ኣቕሪቦም። ናይ ጨንፈር ተቘጻጻሪ መሓሪ ዓማር ብወገኑ፡ ኣባላት ግቡኣቶም ኣብ ምፍጻም ካብ ጉባኤ ጨንፈር ንድሓር ዝሓሸ መንገዲ ሒዙ ከም ዘሎን፡ ናይ 2022 ከኣ ኣብተን ቀዳሞት 6 ኣዋርሕ ክካተት ከም ዝግባእን ተላብዩ።

Suisse Branch 19.12.2021

ኣባላት ጨንፈርን ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤን ዝኾኑ ብጾት ወለደሱስ ዓማርን ዮውሃንስ ወረደን እውን ህልዊ ሓፈሻዊ ኲነታት ቃልሲ ደንበ ተቓውሞን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን  ተወሳኺ መብርሂታት ሂቦም።

ኣብ ምዝዛም ኣኼባ ሓለፍቲ ጨንፈር፡ ኣብቲ ኣኼባ እተሳተፉ ካብ ሰለስተ ካንቶናት ጥራይ ምዃኖም ብምጥቃስ፡ ኣብ መጻኢ ኣብ ኩለን ካንቶናት ትርከቡ ኩሎም ኣባላት ኣብ ኣኼባታት ክሳተፉ ዝከኣሎም ጻዕሪ ክገብሩ ተላብዮም።

Last modified on Thursday, 23 December 2021 09:51