ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ትካላትን ሓለፍትን ኤርትራ ሓድሽ እገዳ ወሲና

2021-11-12 21:22:42 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1221 times

ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ብ12 ሕዳር 2021 ብመሰረት መፈጸሚ ትእዛዝ ቁጽሪ14046 ብመገዲ   ገንዘባዊ ትካል (ትረጀሪ) ናይታ ሃገር ኣቢሉ፡ ኣብ ልዕሊ ትካላትን ላዕለዎት ሓለፍትን ኤርትራ እገዳ ከም ዝወሰነ ነዚ ብዝምልከት ብዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ። እቶም እገዳ ዝተወሰኖም ትካላት ኤርትራ፡ ህዝባዊ ግንባር ንዲሞክራስን ፍትሐን (ህግደፍ) ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ (ሓምኤ)፡ ሕድሪ (ትራስት)ን ኮፖረሽን ቀይሕ ባሕር (ኮቀባ)ን እዮም። ካብ ሓለፍቲ ከኣ ኣብ ልዕሊ ኣብረሃ ካሳ ነማርያም ሓላፊ ሃገራዊ ጸጥታን ሓጐስ ገ/ህይወት ወልደኪዳን ሓላፊ ቁጠባ ህግደፍን እዮም። እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዘነጸሮ ጠንቂ ናይዚ እገዳ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ፡ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ወተሃደራዊ ጐንጽን ምዃኑ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ተሓቢሩ።.

እዚ ናይ እገዳ ስጉምቲ፡ ኣብ ልዕሊ ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ክረጋገጽ ዝድለ ዘሎ ህድኣትን ሓድነት ሃገርን ከይረጋገጽ ሸለልትነት ዘርኣዩ ዝተወስደ እዩ። እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ከም ዝጠቐሶ፡ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብዚ እዋንዚ ምስ ኩሎም መሓዙታ ዞባውን ዓለም ለኻውን ህድኣት ምእንቲ ክረጋገጽ ኣብ ኢትዮጵያ ናብ ውግእ ምቁራጽ ዝዓለመ ዘተ ክብጻሕ ትሰርሓ ኣላ።.

በቲ መግለጺ መሰረት ህላወ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ እዚ ዝቕጽል ዘሎ ውግእን ዘኸትሎ ዘሎ ሰብኣዊ ግህሰትን ቀጻሊ ንክኸውን ጠንቂ እዩ። መራሕቲ ሃገራት ካብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ንክወጽእ ክጽውዑ ከም ዝጸንሑ እውን ተሓቢሩ። ፕረሲደንት ጆ ባይደን ብ17 መስከረም 2021 ዝኸተምዎ መፈጸሚ ትእዛዝ፡ ናብ ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘቕነዐ ከምዘይኮነ ከኣ እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

ኣብቲ ኣሜሪካዊ ትካል ገንዘብ ሓላፊ ምቁጽጻር ናይ ወጻኢ ንብረት፡ ኣንደርያ ኤም ጋኪ ነቲ ኩነታት “ነቲ ቀጻሊ ተግባር ናይቶም ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ግህሰት ዝፈጸሙን፡ ንሓድነት ኢትዮጵያ ሸለል ዝበሉን ሰብኣዊ ግህሰት ዝፈጸሙን  ኤርትራውያን ተዋሳእቲ ንኹንኖም”  ክብሉ ገሊጸምዎ። ኣተሓሒዞም ከኣ እቲ ትካል ገንዘብ ኣሜሪካ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ነቲ ኣሻሓት ዘሳቒ ዘሎ ዞባዊ ቅልውላው ንክናዋሕ ዝሰርሑ ዘለዉ ኣካላት ስጉምቲ ንምውሳድ ኩሉ ዓቕሞምን ስጣኖም ከም ዝጥቀሙ ኣገንዚቦም።

እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣተሓሒዙ ናይቲ ጐንጺ ኣካላት ብዘይቅድመ ኩነት ናብ ዘተ ክቐርቡ ይግበኦም ኢሉ።  ካብዚ ሓሊፉ ኣሜሪካ ናብ ልዝብ ምእንቲ ክቐርቡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኮነ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ተወሳኺ ስጉምታት ክትወስድ ድልውቲ ምህላዋ ብምጥቃስ፡ ክሳብ ሕጂ ናብ ተኹሲ ምቁራጽ ዘብጽሕ ጭቡጥ ነገር ከምዘየለ ኣስፊሩ

Last modified on Friday, 12 November 2021 22:28