ኤርትራ 60 ዓመታት ኣብ ቃልስን ዓወትን

2021-08-31 08:30:41 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 1526 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብ መፋርቕ ናይ 1880 ኤውሮጳውያን ገዛእቲ ከከም ዝጥዕሞም ንኣፍሪቃ ከም ስጋ ጉዚ ምስተመቓቐልዋ፡ ኤርትራ ብጽሒት ግዝኣት ጣልያን ኮይና። መግዛእቲ ኢጣልያ ግዝኣቱ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንምስፍሕፋሕ ንኣስመራ ከም ቀንዲ መንበሪ ከተምኡን መወንጨፊቱን ገይሩ መስረታ። ነዚ ዝገበሮ ብዋጋ ናይቶም ደቀባት ጉልበት ኢዩ ነይሩ። ናይ ሕርሻ መሬቶም መንዚዑ ጉልበቶም ምዝሚዙ ሰብኣዊ መሰላቶም ገፊፉ ግዙኣቱ ብምግባር ነይሩ። ህዝቢ ኤርትራ ምስቲ ኣብቲ እዋንቲ ዝነበሮ  ውሱን ዓቕሚ ንፋሽስታዊ መግዛእታዊ ምምሕዳር ኢጣልያ ብቐሊሉ ኣይረዓሞን። ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት መጠኑን መልክዓቱን ዝፈላለ ይኹንምበር ተቓውሞ ኣርእዩ እዩ።

ድሕሪ መወዳእታ 2ይ ውግእ ዓለም ስዕረት ናይቲ ኢጣልያ ዝነበረቶ ወገን ምግጣሙ፡ ኤርትራ ሓያላት ሃገራት ስለ ዝዘረይዋ፡  ከምተን ካለኦት ኣብ ትሕቲ ኣርዑት መግዛእቲ ኤውሮጳውያን ዝጸንሓ ብቐጥታ ኣኽሊል ናጽነት ክትደፍእ ኣይከኣለትን። ብኣንጻሩ እቶም ናይ ምውሳን ስልጣን ዝነበሮም ሓያላት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሃገርና ኣብ ሕድሕዶም’ውን ምርድዳእ ምስ ሰኣኑ፡ ኤርትራ ካብ ድሌት ህዝባ ወጻኢ ን10 ዓመታት ኣብ ትሕቲ መጉዚትነት ዓባይ ብሪጣንያ ክትጸንሕ ተወሰነ።

ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝወደቐትሉ ግዜ፡ “መጻኢ ዕድል ኤርትራ” ንምውሳን ኣዝዩ ጽዑቕ ፖለቲካዊ ላዕልን ታሕትን ተኻየደ። ምምሕዳር እንግሊዝ ምስ ኩሉቲ ጨቋንን ፈላሊኻ ግዛእ ኣመሓዳድራኣን  ንህዝቢ ኤርትራ ዘየርብሕ ቁጠባዊ ፖሊሲኣን፡ መሰል ምውዳብን ሓሳብካ ምግላጽን ስለ ዘፍቀደት ኤርትራውያን ከከም ዝንባለኦም ተወዲቦም  መጻኢ ዕድል ሃገሮም ክውስኑ ተንቀሳቒሶም። እንተኾነ እተን ኣብቲ ግዜቲ ዝተፈጠራ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ማሕበራት ብሓፈሻ፡ ካብ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ተጽዕኖ ብፍላይ ከኣ ካብ ኢድ ኣእታውነት መንግስቲ ኢትዮጵያ ናጻ ሰለ ዘይነበራ መሰረታዊ ባህጊ ህዝቢ ኤርትራ ኣይተረጋገጸን። ኣብ መውዳእታ ከኣ እቲ ካብ ትጽቢት ህዝቢ ኤርትራ ወጻኢ ዝተደኰነ ፈደረሽን ኤርትራን ኢትዮጵያን እውን ሰንከልከል ክብል ምስ ጸንሐ፡ ብ14 ሕዳር 1962 ብኢደወነናዊ ውሳነ ንጉሰ ሃይለስላሴ ብወገዒ  ፈረሰ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ኩሉቲ ብሕቡእን ብግሁድን ናጽነቱ ንምውሓስ ዘካየዶ ፈተነታት ምስ መኸነን እቲ ካብ ድልየቱ ወጻኢ ዝተደኰነ ፈደረሽን እውን በቲ ዝወሰኖ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከይተረፈ ተጠሊሙ ምስ ፈረሰን፡ ኣብ ቅድሚኡ“ንመግዛእቲ ክርዕም ወይ ድማ ካልእ ኣገባብ ቃልሲ ክኽተል”  ምርጫታት ቀረበሉ። ህዝቢ ኤርትራ  ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ምንባር ስለ ዘይመረጸ፡ ከም መቐጸልታ ናይቲ ከካይዶ ዝጸንሐ ሕጋውን ፖለቲካውን መኸተ ንናጽነት፡ ካልእ ኣገባብ ተኸቲሉ ቃልሱ ክቕጽል ናይ ግድን ኮነ። በዚ መሰረት ከኣ ብ1961 ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ተበሰረ። ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ወድዓዊ ኩነታትን ድሌት ህዝቢ ኤርትራ  ንናጽነትን ኣንቢቡ ኢዩ ተበጊሱ። ንኤርትራ ልክዕ ከምተን ኣብቲ እዋንቲ ናጽነተን ዘውሓሳ ሃገራት ኣፍሪቃ ንምግባራ ዝዓለመ ነይሩ። ኣብቲ ፖለቲካዊ ቃልሲ ዝተመኮሩ ኤርትራውያን ሓርበኛታት ኣብ ውሽጥን ወጻእን ሓሲቦምን ምስቲ ዝነበረ ዓለማዊ ኩነታት ኣገናዚቦምን ምስ ዝተወሰነ በዓል ቤታዊ ሕጽረታት   ዝኣተዉዎ ምርጫ’ዩ  ነይሩ።

ቅድሚቲ ስዉእ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ ዝመራሒኦም ብባሕቲ መስከረም 1961 ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብረታዊ ቃልሲ ምብሳሮም፡ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ሃገር ግብጺ፡ ብ7 ሓምለ 1960፡ እድሪስ መሓመድ ኣደም፡ ጠሃ መሓመድ ኑር፡ ሰይድ መሓመድ ሑሴን፡ እድሪስ ዑስማን ገላዴዎስ፡ ሰይድ ኣሕመድ መሓመድ፡ መሓመድ ሳልሕ ሑመድ፡ ሱሌማን መሓመድ ኣሕመድ፡ ኣደም መሓመድ ዓልን ሑመድ ሰይድ ኣንታታን ዝርከብዎም ኣብ ዝተፈላለዩ ደረጃ ትምህርትን ስራሕን ዝነበሩ ንኣጀማምራ’ቲ ብረታዊ ቃልሲ ኣብ ዝምልከት ተኣኪቦም  ምዝታዮምን ኣብቲ ዓመት ብ10 ሓምለ 11 ዝኣባላታ መሪሕነት ምምራጾምን ድማ፡   እቲ ብረታዊ ቃልሲ ብሃንደበት ከም ዘይተጀመረ ዘረድእ እዩ።

ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ ገለ ወገናት ዝብልዎ ዕላማኡ እንታይ ምዃኑ ከይተረደአ ዝነቐለ ዘይኮነ፡ ኣብ 5 ጉዳያት ዘተኩር 14 ዓንቀጻት ዝሓዘ መበገሲ ሰነድ ከም ዝነበሮ ብዛዕባኡ ዓሚቕ መጽናዕቲ ዘካየዱ ተመራመርቲ ዘረጋገጽዎ እዩ። ኣብቲ መበገሲ ሰነድ፡ ሰውራ ንምሕያል ከከም ኩነታቱ ብግሁድን ብስዉርን ሰፊሕ ህዝባዊ ውደባ ምክያድ፡ ሓድነት እቲ ዝምስረት ሰውራን ህዝቢ ኤርትራን ምዕቃብን ጉዳይ ኤርትራ ኣብ ሕቡራት ሃገራትን ካለኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ግንዛበ ክረክብ ጻዕሪ ምቕጻልን ዝብሉ፡ ኣይኮነንዶ ኣብቲ  እዋንቲ ሎሚ እውን ኣገዳስነቶም ህያው ዝኾኑ ሓሳባት ነይረምዎ። ከም ኣካል ናይዚ ሰነድዚ ተሳትፎ ኣብቲ ቃልሲ ንዝኾነ 18 ዓመትን  ካብኡ ንላዕልን ዝዕድሜኡ ኤርትራዊ ክፉት ምንባሩ ከኣ ክሳብ ክንደይ ኣህጉርዊ ሕጊ ውትህድርና ኣብ ግምት ዘእተወ  ከም ዝነበረ ዘመልክት እዩ።

ሰውራ ኤርትራ ብባሕቲ መስከረም 1961 ብመሪሕነት እቲ ብ1915 ተወሊዱ ብ1962 ዝተሰወአ ሓምድ እድሪስ ዓወተ ምስ ተበሰረ፡ ብዙሓት ወተሃደራዊ ተመኩሮ ዝነበሮም ኤርትራውያን ክኽተልዎ ግዜ ኣይወሰደሎምን። ኣብ ከባቢ ኣቑርደት ተወሊዱ፡ ብ1934 ኣብ ሱዳን ወተሃደር ዝኾነ፡ ኣቡ ርጀላ ነዚ ብዝምልከት ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ከም ዝገለጾ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት 1962 ንሱ ዝርከቦም 20 ሃብታም ወተሃደራዊ ተመኩሮ ዝነበሮም ኤርትራውያን ናብቲ ዕሸል ሰውራ ከም ዝተጸንበሩ ይገልጽ። እቲ ዋሕዚ ተሳትፎ ድሕሪኡ’ውን  ቀጺሉ።

እቲ ብኸምዚ ዝሃብተመ ሰውራ፡ ኣብቲ መስርሕ የጋጥሞ ንዝነበረ  ውሽጣዊ ምፍንጫላትን መግዛእታዊ ተጻብኦታትን በዲሁ፡ ናይ ኣእላፍ ጀጋኑ ህይወት ገቢሩ ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ናይ ቃልስን ዓወትን ጉዕዞ  ብ1991 ናጽነት ኤርትራ፡ ድሕሪኡ ከኣ ብ1993 ብመንገዲ ረፈረንደም ልኡላዊት ኤርትራ ኣውሒሱ። እዚ ዓውትዚ ናይቲ ቃልሲ ናይ መጀመርያ ምዕራፍ መዛዘሚ እምበር፡ ናይ መውዳእታ ኣይነበረን። ምኽንያቱ “ልኡላዊት ኤርትራ ከመይ ትመሓደር?” ዝብል መሰረታዊ ሕቶ ዝመለሰ ስለ ዘይነበረ። ብመሰረቱ እውን ናይቲ ቃልሲ መበገሲ ናይ ባዕዳውያን ገዛእቲ ኣብ ኤርትራዊ ኣካላዊ ህልውና ጥራይ ዘይኮነ፡ ምረት ናይቲ ብኣታቶም ዝወርድ ዝነበረ ወጽዓ እዩ ነይሩ። ድሕሪ ናጽነት እውን ንኤርትራ መን ይምረሓያ ብዘየገድስ እቲ መግዛእታዊ ወጻዒ ኣተሓሳስባ ክሳብ ዘይተወገደ፡ ህዝቢ ኤርትራ ቃልሱ ክቕጽል ግድን ነይሩ። ስለዚ እዩ ከኣ ንምውጋድ ጉጅለ ህግደፍ ዝግበር ቃልሲ ክቕጽል  ባህርያዊ ዝኸውን።

ባሕቲ መስከረም እዚ ን60 ዓመታት መልክዓቱ እንዳቀያየረ ጌና ዘይዓረፈ ዘሎ ቃልሲ በቲ ዝበለሐ መልክዑ ዝተጀመረላ ስለ ዝኾነት ክንዝክራ ግቡእ እዩ። ኣብቲ ዝኽራ ኣብ ጸልማት ኮይኖም ብርሃን ከም ዝመጽእ ተኣማሚኖም ቃልሲ ንዝጀመሩ ሓርበኛታትና ገድሎም ከነዝንቱ ግድን እዩ። እቲ ቀንዲ ቁምነገርና ግና “ንሳቶምስ ግቡኦም ፈጺሞም ኣረኩበሙና ንሕናኸ ናበይ ገጽና ኢና?” ዝብል ንቕድሚት ዘማዕዱ ሕቶ ምምላስ እዩ ክኸውን ዝግበኦ። እቶም ሓርበኛታት ግቡኦም ፈጺሞም ኣረኪቦም ስለ ዝሓለፉ ዘይተኸፍለ ዕዳ ዘብሎም ቅሱናት’ዮም። ንሕና ግና እቲ ሓላፍነት ጌና ኣብ እንግደዓና ስለ ዘሎ ሰብ ዕዳ ኢና። ንተካኢና ወለዶ ከነረክብ ባህርያዊ ስለዝኾነ፡ ኣብቲ ምርኽኻብ ድማ “እዚ ዓሚምና ኣለና ንስኻትኩም ከኣ መልእዎ” እንብለሉ ስራሕ ዝዓመምና ክንከውን ይግበኣና።  ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ታሪኻዊ ዕለት፡ መንእሰይ ወለዶ ተኸኣኢሉ፡ ተጸዋዊሩን ተመላሊኡን፡ ትርጉም ፍልልያዊ ሓድነት ተረዲኡ ብሓባር ዝቃለሰሉ ባህሊ ከነውርሶ  ግበኣና። ከምዚ ክንገብር እንተዘይበቒዕና ግና እቲ ዝትከኣና ወለዶ ጥራይ ዘይኮነ፡ ታሪኽ እውን ክተሓሳሰበና እዩ።

Last modified on Tuesday, 31 August 2021 10:37