ርሑስ በዓላት ልደትን ሓድሽ ዓመትን

2020-12-24 23:13:25 Written by  ቤት ጽሕፈት ኣቦ-መንበር Published in EPDP News Read 2157 times

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፤

ርሑስ ልደት ይግበረልና እናበለ፣ እዚ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ንህዝቢ ዓለምን ዘሻቐለ፡  ንህይወት እማእታት ኣሽሓት  ዝቐዘፈ  ተላባዒ ሕማም ኮቪድ-19 ዝሰዓረሉ በዓላት ልደትን ሓድሽ ዓመትን ክኾነልና ይምነ።

እዚ ቀዛፊ  ሕማም’ዚ መለለይ ናይ ዓመት 2020 ኰይኑ፡ ንኹሉ ምንቅስቓሳት ህይወት ዝደረተ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ንወዲሰብ ኣብ ኣተሓሳስባን መነባብሮን መሰረታዊ ለውጢ ክገብር ገዲዱ፡  ናብ ሓድሽ ስልቲ መነባብሮ ክሰጋገር ዝገበረ እዩ። ብፍላይ ኣብዚ መወዳእታ ክልተ ኣዋርሕ ከኣ፡ በዚ ተላባዒ ሕማም ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብባዕላዊ ምርጫን ፖሊቲካዊ ምኽንያትን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ኣዕናዊ ኲናት፡ ንከባቢና ኣብ ወጥሪ ኣእትዩ፡ ሓድሽ ህልቂት፡ ስደትን ምክልባትን ኣስዒቡ እዩ። መዋጽኦ ክርከብ ድሌትን ጻዕርን ሰዲህኤ ምስ ኩሎም ደለይቲ ሰላም ይስራዕ።

ኣብዚ ዓበይቲ ተረኽቦታት ናይ 2020 ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ፡ ብዘይሓላፍነታዊ መንገዲ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ጣልቃ ብምእታዉ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ሓደጋታት ዘሳጥሕ፣ ንናጽነትን ልዑላውነትን ኤርትራ ከኣ ናብ ዋጋ-ዕዳጋ ዘእቱ ስጉምትታት ካብ ምውሳድ ኣይተቖጠበን።  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነዚ ጣልቃ ኣታውነት ይኹንንን፡ ህዝቢ ኤርትራ ተቓውሞኡ ከበርኽ ይጽውዕን።

ብካልእ መዳይ ኣብ 2020 ንዝተርጋገጸ ስምምዓት ዓቢ ሚዛን ብምሃብ፡ ነቲ ብሓይልታት ተቓውሞ ዝተበጽሐ ምውህሃዳዊ ስምምዕ ኣዕዚዙ ይጥምቶ። ናብ ዝበረኸ ብምስግጋሩን ኩሎም ደለይቲ ፍትሒ ዝሰርሑሉ ሓባራዊ መድረኽ ቃልሲ ብምስንዳእን፡ ነዚ ሓደገኛ ምልካዊ ስርዓት ሓንሳብን ንሓዋሩን ክንስዕሮ ከኣ፡ ቅሩብነቱ እናገለጸ እዋናዊ ጸዋዒቱ የቕርብ።

መላእ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ ምልኪ ብምዕዋት፡  ሰላም፡ ራህዋን ቅሳነትን ዝመልኦ  ሓድሽ ዓመት 2021 ይምጽኣና።

ክንዲ/ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ

ተስፋይ ወልደሚካኤል ደጊጋ

ኣቦ መንበር   

ታሕሳስ 25, 2020 

Last modified on Saturday, 26 December 2020 00:58