ሰለስተ እሱራት ካብ 5ይ መደበር ፖሊስ ተሰዊሮም

2020-06-24 07:38:45 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3675 times

ኣብ ውሽጢ ከተማ ኣስመራ ኣብዝርከብ 5ይ መደበር ፖሊስ ተኣሲሮም ዝነበሩ ሰለስተ መንእሰያት፡ ናብ 22 ሰነ 2020 ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ተወሲዶም ሃለዋቶም ከም ዝጠፈአ ምንጭታት ሰዲህኤ ሓቢሮም። እዞም ሃብቶም የማነ ተስፎም ካብ ጸዓዘጋ፡ ሰረቐ ኣስመላሽ ክብረኣብ ካብ ባረንቱን ሰመረ ሓይለኣብ  ኣብርሃ ካብ ሻንብቆን መጺኦም ኣብ ኮለጅ ማይነፍሒ እንዳተመሃሩ ከለዉ ዝተኣስሩ መንእሰያት እዮም። ናይዞም ብጸጥታ ህግዲፍ ተሰዊሮም ዘለዉ ሰለስተ መንእሰያት ክሲ ከኣ፡ “ኣብ ምንቅስቓስ ትንሳኤ ህዝባዊ ግንባር”  ዝበሃል ሕቡእ ውዳበ ተሳቲፍኩም” ዝብል ምዃኑ  ምንጭታትና ኣትሓሒዞም ገሊጾም።

ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ሰንዓፈ ብወዲ ሓሊማ ዝእዘዙ ናይ ስለያ ኣባላት ብጉልባብ “ሲቪላዊ ምክትታል” ሰላማዊ ህዝቢ ኣብምግፋዕ ዝተዋፈሩ ምህላዎም ምንጭታትና ኣተሓሒዞም ገሊጾም። ካብዞም ብወዲ ሓሊማ ዝእዘዙ ኣባላት ጸጥታ፡ ምስግና ሃብተ “ዓንጃ” ዝሳጉኡን ዑስማን መሓመድ ሓምድን ዝተባህሉ ከም ዝርከብዎም እቲ ካብ ሰንዓፈ ዝበጸሓና  ጥሉል ሓበሬታ ኣረጋጊጹ።

ወዲ ሓሊማ ኣብቲ ብወገን ሰንዓፈ፡ ካብን ናብን ኤርትራን ትግራይን ጽዑቕ ምንቅስቓስ ዝነበረሉ ግዜ፡ ናይ ገያሾ ንብረት ክወርስን ብላዕ/ጉቦ ክቕበልን ዝውዕል ዝነበረ፡ ናይቲ ከባቢ ናይ ህግዲፍ ናይ ጸጥታ ሓላፊ እዩ። እቶም ንሱ ዘዋፍሮም እምበኣር፡ ኣብ ክንዲ ንግዝያዊ ጠቕሚ ምስ ህዝቦም ዝበኣሱ ናብ ልቦም ክምለሱ ነተሓሳስቦም።

Last modified on Wednesday, 24 June 2020 09:42