ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ምስ ብዙሕ መብጸዓታት ኣብ ጀነቫ ኣኼባኡ ጀሚሩ

2020-02-25 08:59:01 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2518 times

መበል 43 ኣኼባ፡ ናይቲ 47 ዝኣባላቱ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ብ24 ለካቲት 2020 ኣብ ጀነቫ ተጀሚሩ። እዚ ኣብ ቅድሚኡ ብዙሓት ዓለምና ናይ ምድሓን መብጸዓታት ዝጽበዮ ዘሎ ኣኼባ፡ ብናይ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፡ እዋናዊ ፕረሲደንት ጠቕላላ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት፡ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ጉዳይ ስደተኛታትን ካልኦት 100 ዝኾኑ ላዕለዎት ሰብ መዚ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራትን መደረ እዩ ተኸፊቱ።

ዋና ጸሓፊ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣንተኒዮ ጉተርዝ ኣብዚ ኣኼባ ናብ ኩለን ሃገራትን ዝምልከቶም ተዋሳእት ኣካላትን ንሰብኣዊ መሰል ከም ቀንዲ ሸቶኦም ወሲዶም ስጉምቲ ንክወስዱ ናይ ተግባር መጸዋዕታ ኣቕሪቦም። እቶም ዋና ጸሓዊ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኩሉ ከባቢ ኣብ ሓደጋ ከም ዘሎ ጠቒሶም፡ ሃገራት ሰብኣዊ መሰል ንምግሃስ ንሃገራዊ ልኡላውነት ከም መኸወሊ ምኽንያት ክጥቀማ ከምዘየብለን መኺሮም።

UN Human Rights Council Session Opens with Big Promises 2

እቶም ዋና ጸሓፊ ንባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ከም ቀንዲ መድረኽ ንምምይጥን ምትሕብባርን ንምዕቃብ ኩሉ ሰብኣዊ መሰል ጠቒሶም፡ እዚ ትካል ኣብ ምትግባር እቲ ግሎባላዊ መጸዋዕታ “ንተግባር ሓለዋ ሰብኣዊ መሰል” ክሕግዝ ዘለዎ ተስፋ ገሊጾም። ኣተሓሒዞም ከኣ ኣብቲ ኣብ መስርሕ ተዓንቂጹ ዘሎ ናይ ናይ ክሊማዊ ለውጢ ስግኣት ስጉምቲ ክወስድ ጸዊዖም።

ናይቶም ዋና ጸሓፊ 10 ናይ ተግባር ነጥብታት፡ ንጉዳይ ምኽባር ሰብኣዊ መሰል ወሲኽካ፡ ቀጻሊ ልምዓት፡ ምክልኻል ጐንጺ፡ ጾታዊ ማዕርነት፡ ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽን ሲቪላዊ ማሕበረሰብን ካለኦት ኣገደስቲ ዛዕባታትን ይርከብዎም። ኣብቲ ኣኼባ ኩሎም መደርቲ ሓደ ድሕሪቲ ሓደ ኣብ ዝሓለፈ 75 ዓመታት ብኣካላት ሕቡራት ሃገራት ክካየዱ ዝጸንሑ ርክባትን ኣብቲ ርክባት ዝሓልፉ ዝነበሩ ውሳኔታት ንክትግበሩ ጸዊዕም።

እዚ መበል 43 ርክብ ባይቶ ሰብኣኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ክሳብ 20 መጋቢት 2020 ክቕጽል እዩ። ወይዘሮ ዳኒየለ ክራተዝ፡ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊት ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ፡ ኣብ 26 ለካቲት 2020 ናይ ቃል ጸብጻብ ከቕርባ መደብ ተታሒዙ ኣሎ። ንድሕሪ ናተን ጸብጻብ ክፉት ምይይጥ ክካየድ እዩ።

Last modified on Tuesday, 25 February 2020 10:12