ልኡኽ ሰዲህኤ ኣብ ጽንብል 6ይ ጉባአ ኤዲሰሃ ተሳቲፉ

2019-11-17 21:00:22 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2855 times

ብብጻይ ኣሰፋው በርሀ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ዝምራሕን ብጻይ ጐይተኦም መብራህቱ ሓላፊ ዜና ዞባ ኤውሮጳ ብኣባልነት ዝነበሮን ልኡኽ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ሃገር (ኤዲሰሃ) ብ16 ሕዳር 2019 ኣብ ከተማ ለንደን ኣብ ዝጸውዖ ጽንብል 6ይ ጉባአኡ ተሳቲፉ። ኣብዚ ኣጋጣሚ ቃል ሰዲህኤ ዘስመዐ ብጻይ ኣሰፋው፡ ብስም ኣቦመንበርን መሰረታትን ሰልፉ ሰላምታ ምስ ኣቕረበ፡ ስለቲ ንሰዲህኤ ዝተገብረ ናይ ምስታፍ ዕድመ ምስጋና ኣቕሪቡ።

ብጻይ ኣሰፋው ኣብዚ ዘቕረቦ ናይ ምሕዝነት ቃል፡ ኤዲሰሃ፡ ኣብዚ ወሳኒ ግዜ፡ ኣብ 6ይ ጉባአኡ ሓድሽ ፖሊሲ ሒዙ ከም ዝወጸ ብምሕባር፡ ንቐንዲቀንዲ ካብቲ ጉባአኦም ዝወሰኖ ውሳነታት ብምጣስ “ዩሃና” ኢልዎም። ኣተሓሒዙ ከኣ ሰልፍናን ሰልፎም ናይ ነዊሕ ግዜ ርክብ ከም ዝጸንሖም ኣመልኪቱ ንመጻኢ እውን ብሓደ ከስረሓና ዝኽእል ተመሳሳልነት ከም ዘለና ጠቕቒሱ ናይ ሰዲህኤ ብሓባር ናይ ምስራሕ ቅሩብነት ኣቃሊሑ።

ነዚ ዝያዳ ንምብራህ ከኣ ሰዲህኤ ኣብቲ ቅድሚ 4ተ ኣዋርሕ ዘሰላሰሎ 3ይን ሓድነታውን ጉባአኡ ምስ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ ብሓባር የስረሓኒ ኢሉ ንዘሕደሶ እማመ ብዝርዝር ኣስፊሩ። (ክቡራት ኣንበብቲ ናይቲ ኣብቲ ጽንብል ዝቐረብ ቃል ምሉእ ትሕዝቶ እዚ ዝስዕብ እዩ)

ቃል ሰዲህኤ ኣብ ጽንብል 6ይ ጉባአ ኤዲሰሃ

ዝኸብርኩም ኣባላት መሪሕነትን መሰረታትን ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ሃገር

ዝኸበርኩም ናይዚ ጽምብል በዓል ተሳተፍቲ

ብቐዳምነት ካብ ኣቦ መንበር ሰልፊ ተጋዳላይ ተስፋይ ወልደሚካኤል ደጊጋን መላእ ኣባላት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ምዉቕ ናይ ቃልሲ ሰላምታ ተቐበሉ።

ብምቕጻል ኣብዚ ነጥበ-መቐይሮ ንጉዕዞ ቃልስኹም ክኸውን ዝኽእል ውሳኒታት ሒዙ ዝወጸ ጽንብል ዕዉት 6ይ ጉባአኹም ክንሳተፍ ስለ ዝዓደምኩምና ከም ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)  ልባዊ ምስጋና ነቕርበልኩም።

ጉባኤኹም ኣብዚ ብደረጃ ሃገር ኮነ ከባቢና ክምዘን እንከሎ፡ ኣዝዩ ጽንኩር ኩነታት ተጋቢኡ ንህልዊ ኩነታት ሃገርና ኣብ ግምት ዘእተወ ሓድሽ ፖሊሲ ብምትእትታው ብዓወት ስለ ዝተጸንበለ ዝተሰመዓና ሓጐስ ልዑል ምዃኑ እንዳገልጽና፡ ዩሃና ንብለኩም። ውሳኔታት ጉባኤኹም ካብ ሕሉፍ ተመክሮ ዝተማህረ፡ ንመድረኻዊ ብድሆታት ዝገጥም ኮይኑ ረኺብናዮ። ካብቶም ኣገደስቲ ኮይኖም ዝመሰጡና ድማ፡

1 ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ምሕላው

2 ንኹሎም ኤርትራውያን ክፉት ናብ ዝኾነ ሰልፊ ምስግጋር

3 ዕላማታቱ ንምርግጋጽ ሰላማዊ ኣገባብ ቃልሲ ምጥቃም

4 ከም ሰልፊ ሒዝክሞ ዝነበርኩም ስም፡ ናብ ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ሰልፊ ሃገር ዝብል ምቕያር። ዝብሉ ውሳኔታትኩም ኢዮም።

ምስ ውድብኩም ተቐራሪብካ ኣብ ምስራሕ፡ ናይ ነዊሕ ግዜ ተመኩሮ ከም ዘለና ንኹላትና ፍሉጥ እዩ። ተመኩሮና ኣብ ምሕዝነት ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራን ኣብ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን ነዚ ዘመልክት እዩ። ኣብቲ መስርሕ ክልቴና ካብ መስረቲ ናይቲ ከምቲ ዝተጸበናዮ ዘይተዓወተ ግንባራት ከም ዝነበርናን ግደታትና ውን ዕዙዝ ምንባሩ  ዝሰሓት ኣይኮነን። ኣብቲ  ብሓባር ንዋሳኣሉ ዝነበርና መስርሕ ግን፡ ብፍላይ ኣብ ኣተሓሕዛ ዝምድና ሃይማኖትን መንግስትን ፍልልይ እንዳሃለወና እዩ ነይሩ። እንተኾነ ብክልቴና ወገናት እዚ ፍልልያት ኣብ መጻኢ ምዕባለ ክረአ ዝግበኦ ከምዝኾነ ብምርዳእ ኣብቲ  ዘሰማመዕና ናይ እዋኑ ስራሓት ካብ ምስራሕ ኣይክልክለናን ኢዩ ዝብል እምነት ኔሩና። ግን ክንድቲ ክንከዶ ዝነበረና ርሕቀት ክንከይድ ኣይከኣልናን።

ሎሚ ግና እነሆ 6ይ ጉባኹም ብዘተኣታተዎ ሓድሽ ፖሊሲ እሞ ድማ በቲ ክሳብ ሕጂ ዝተመኮርናዮ ብሓባር ከይንሰርሕ ዝነበረ ዕንቅፋት ተጸሪጉ እዩ ኢልና ንኣምን።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ከም ኣካል ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ፡ ብዘይካ ሓቢርካ ምስራሕ ካልእ እንዕወተሉ መንግዲ ከምዘየለ ኣሚኑን ብፖሊሲ ኣሰንዩን ካብ ዝሰርሕ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ተግባራዊ መግለጺ ናይዚ እዩ ከኣ  ብ2017 4ተ ነጥብታት ዝሓዘ ብሓባር ናይ ምስራሕ እማመ ሒዙ ዝቐረበ። ዋላኳ ብትብዓት እንተዘይቀጸልናዮ ካብቶም ንእማመና ከም ኣገዳሲ ጉዳይ ወሲዶም ዝመለሱልና ሰልፍኹም ሓደ ምንባሩ ኣብዚ ኣጋጣሚ ምጥቃሱ ኣገዳሲ እዩ።

እቶም ኣብ መዳያት ዜና፡ ህዝባዊ ስራሓት፡ ከምኡ ውን ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ብሓባር የስሩሑና ኢልና ኣብ እማመና ዘስፈርናዮም ኣብ 3ይን ሓድነታውን ጉባአና ድማ፡ዲስና ንሰርሓሎም ዘለና እዞም ዝስዕቡ እዮም።

  1. ምዕቃብ ልኡላዊ ግዝኣት ኤርትራ፤
  2. ምውዳቕ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍን ምልጋስ መሓውራት ጭቆናኡን፤
  3. ድሕሪ ውድስርዓት ህግደፍ ኣብዝሓ ሰልፋዊ ስርዓት ዝሰረቱ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምቛም፤
  4. ግዝኣተ ሕግን ዲሞክራስያዊ መሰላትን መላእ ሓርነታትን ህዝቢ ምቕባል፤

እዞም ነጥብታት ናይ ሰልፍና ርኢቶ እነንጸባርቐሎም ኮይኖም፡ ካብዚኣቶም ዝያዳ ብሓባር ከቃልሱ ዝኽእሉ ብኻልእ ወገን ዝቐርብ ርኢቶታት ክንሰምዕ እውን ቅሩባት ምዃና ኣብዚ ኣጋጣሚ ከነነጽር ንፈቱ።

ብመሰረትዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ እማመ ኣብ ዝገብርናዮ ምንቅስቓስ ክንድቲ ትጽቢትናን ህርፋናን’ኳ እንተዘይኮነ ዓወት ሓፊስናሉ ኢና። ንመጻኢ ክዕወቱ ዓብይ እምነት ዘንበርናሎም ብሓባ  ንምስራሕ ኣብ ሓይሎ ናይ ዘተ ጽምዶታት እውን ኣብ መስርሕ ኣለና።

ዕዉት 6ይ ጉባአኹም፡ ምስቲ ቅድሚ 4ተ ኣዋርሕ፡ ኣብ 3ይን ሓድነታውን ጉባአ  ምስ መላእ ደምበ ተቓዉሞ ኤርትራ ብሓባር ዘስርሕ ዝሓንጸጽናዮ ፖሊሲ ንምትግባሩ ኩነታት ንምፍጣር ኣብ እነመቻቻኣሉን ብሓድሽ መንፈስን ስምዒትን ኣብ ዝተበገስናሉ ምምጻኡ ከኣ ጽቡቕ ኣጋጣሚ እዩ።

ሰልፍኹም ሓንጺጽዎ ዘሎ ፖሊሲ፡ከም ዝተረዳእናዮብኹላትና፡ ቅሩብነት ጽቡቕ ድሌትን ሃገራዊ ሓልዮትን እንተተወሲኽዎ ኣይኮነንዶ ኣብ ናይ ሓባር ጽላል ኮይንና ምስራሕ ሓደ ውድብ ንምዃን እውን ዘኽእለና ኢዩ።

ኣብ መደምደምታ ክንብሎ እንኽእል፡ በዚ ኹን በቲ፡ ከም ኣካል ናይቲ “ ምስ ኩሉ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ኣብቲ ዘረዳድኣና ነጥብታት ብሓባር ምስራሕ” ዝብል ፖሊሲና ምሳኹም እውን ክንሰርሕ ቅሩባት ምዃና በዚ ኣጋጣሚ ንገልጸልኩም።

እንደና እንኳዕ ኣወተኩም

የቐንየልና

ልኡኽ ሰዲህኤ ሎንዶን

 16 ሕዳር 2019

Last modified on Sunday, 17 November 2019 22:05