ኣብ ካርቱም፡ ንስደተኛታት ዝምልከት ኣኼባ ተኻይዱ

2019-11-01 08:57:43 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2320 times

ኣብ ዋና ከተማ ሱዳን ካርቱም ብ30 ጥቅምቲ 2019 ንጉዳይ ስደተኛታት ዝምልከት ዓወደ-መጽናዕቲ ከም ዝተኻየደ ምንጭታትና ካብቲ ቦታ ሓቢሮም። ኣብዚ ዓውደ-መጽናዕቲ፡ ወከልቲ፡  ቤት-ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ኣብ ካርቱም፡  ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ሱዳን፡ ላዕለዋይ ባይቶ ንሰብኣዊ ዕብየት፡ ምኒስተር ዕዮን ማሕበራዊ ዕቤትን ተሳቲፎም።  ብዘይካዚ ኣብ ሰዳን ካብ ዘለዉ ስደተኛታት፡ ኤርትራ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ኮንጎ፡ የመንን ሱርያን ኣብዚ ዓውደ- መጽናዕቲ ነፍሲወከፎም ብሓደ ሰብ ከም ዝተወከሉን ጠቕላላ ተሳተፍቲ ናይቲ ዓውደ መጽናዕቲ 50  ከም ዝነበሩን እቲ ዝበጸሓና ሓበሬታ ጠቒሱ።

ኣብ መኽፈቲ’ዚ ዓውደ መጽናዕቲ፡ ሰለስተ ኣገደስቲ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ከም ዝቐረቡን፡ ካብቶም ኣብቲ ወረቓቕቲ ዝተላዕሉ ዛዕባታት፡  መሰላትን ግቡኣትን ስደተኛታት ዘነጽር ብ2014 ዝጸደቐ ሕጊ ሱዳን ብሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ስደተኛታት (COR) ዝቐረበ፡ ስደተኛታት ድራር ዕለቶም ክረኽብሉ ዝኽእሉ ሞያን ጥበባትን ንኽውንኑ ሞያዊ ስልጠናታት ምሃብን ኣብ ህይወቶም ከጋጥምዎም ካብ ዝኽእሉ ጸገማት ዝከላኸልሉ መንግድን ብወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ዝቐርበ፡ ስደተኛታት ናይ ስራሕ ፍቓድ ወረቐት ከውጽእሉ ዝኽእሉ ሕጋዊ መንገድታት ዝምልከት ብወኪል ቤት-ጽሕፈት ዕዮ ዝቐረበ ይርከብዎም።

እዞም ኣብዚ ዓውደ-መጽናዕቲ ዝቐረቡ ሓሳባት ቅድሚ ሕጂ ብሓፈሻ ብኹሎም ኣብ ሱዳን ንዘለዉ ስደተኛታት ብፍላይ ከኣ ብኤርትራውያን ስደተኛታት ክለዓሉ ዝጸንሑ ምዃኖም እቶም ምንጭታት ሓቢሮም፡ እንተኾነ ንተግባራውነቶም ቃል ክእተወሎም’ኳ እንተጸንሐ ክሳብ ሕጂ ብግቡእ ከይተተግበሩ ከም ዝጸንሑን ብሰንክዚ ስደተኛታት ክጽገሙ ከም ዝጸንሑን ሓቢሮም። ኣብ መወዳእታ’ቲ ዓውደ መጽናዕቲ ተሳተፍቲ እቲ ቃል ዝተኣትወሉ መሰል ስደተኛ፡  ዘረባ ጥራይ ኮይኑ ከይተርፍ ለበዋታት ኣቕሪቦም።

Last modified on Friday, 01 November 2019 10:04