ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ ክራቨትዝ ጉዳይ ኤርትራ ክከታተላ ኣናዊሑለን

2019-07-13 07:29:30 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2084 times

ብ11 ሓምለ 2019፡ ዝተጋበአ መበል 41 ርክብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ወይዘሮ ዳኒየላ ክራቨትዝ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ንክከታተላ  ኣናዊሑለን።

ዊ ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት፡ እተን ፈቓደን ዝተሓደሰለን ውይዘሮ ናብ ኤርትራ ኣትየን ዘድሊ ሓበሬታ ንክረኽባ ተማሕጺኑ። ኣብ ርእሲዚ፡ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት እዘን ወይዘሮ ንኤርትራ ዝምልከት ኣድላይ ሓበሬታ  ዝረኽባሉ ኩነታት ክሰርዓለን እሞ፡ ኣብ ናይ 2020  ኣኼባ ናይቲ ባይቶን፡ መበል 75 ሓፈሻዊ ኣኼባ ሕቡራት ሃገራትን ናይ ቃልን ጽሑፍን ጸብጻበን  ከቕርባ ዝኽእላሉ ኩነታት ክፍጠረለን ጸዊዑ።

ኣብ ዝሓለፈ ሽዱሽተ ዓመታት እቲ ፈቓድ ናይተን ጉዳይ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራውያን ክከታተላ ዝምደባ፡ኣብቲ ስራሕ ናይ ምቕጻል ፈቓደን ብናይ ተሳተፍቲ ምሉእ ደገፍ እዩ ክሕደስ ጸኒሑ። ኣብዚ ዓመት’ዚ ግና ኤርትራ ብዝተወሰኑ፡ ናይ ኣፍሪቃ፡ ዓረብን ካለኦት ጨቆንቲ ሃገራትን፡ ምውካላ ስለ ዘተባብዐ፡ ዝተፈለየ ኩነታት ነይሩ። ኣብቲ ኣኼባ ባይቶ እዘን ሓላፊት ኣብ ምክትታል ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ንክቕጽላ፡ 21 ሃገራት ደጊፈንአን። 13 ተወከልቲ ከኣ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ወጊኖም ኣድሚጾም። 13 ተወከልቲ ድማ ካብ ምድጋፍ ኮነ ምቅዋም ተዓቂቦም።.

Last modified on Saturday, 13 July 2019 09:32