ምንቅስቓስ “ይኣክል” ተጀሚሩ እምበር ኣይተዛዘመን

2019-06-27 20:10:47 Written by  መንግስተኣብ ኣስመሮም Published in EPDP News Read 2505 times

ዶር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ምስ መጸ፡ ነቲ ናይ ኣልጀርስ ስምምዕን ብይን ኮሚሽን ዶባት ሕቡራት ሃገራትን ብዘይ ቅድመ-ኵነት ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ኢየ ምስ በለ፤ ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ፡ ንዅሉ’ቲ ማሕላኡን ጣሕላኡን ገዲፉ፡ ሕጂ መራሒ ረኺብና፡ ንሕና ድማ ክንክተሎ ኢና፣ ኣይከሰርናን፣ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ`ዩ ኢሉ ዝዛረብ  ድሕሪ ሕጂ ነቲ ሓቂ ዘይፈልጥ ጥራይ ኢዩ፣ ካብ ጕዳይ ዶብ ዝዓቢ ዞባዊ ጕዳያት ኣሎና፣  ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ እግሪ ክሳብ ዝተክል ዕድል ክንህቦ ኣሎና፣ ዝብሉ ናይ ክድዓትን ጥልመትን መደራጉሕ ፈነወልና። እዚ ጥራሕ ከይኣክል፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣርእይዎ ዘይፈልጥ ናይ ፍቕሪ ፍሽኽታ፡ ምድንፋቕን ዓይኑ ንብዓት ቍጽርጽር እናበሎ ኣፍልቡ እናሃረመ ኣብ ኵለን እተን ዝበጽሐን ከተማታት ንህዝቢ ኢትዮጵያ ልባዊ ፍቕሩ ክገልጽን ሕግብግብ ክብልን ተራእየ። ኢትዮጵያ ንኤርትራ ወኪላ ምስ ወጻኢ ሃገራት ክትውዓዓል ድማ ማዕጾ ኣርሓወላ።

እዚ፡ ምስ’ቲ ብለካቲት 1991 ዓ.ም ንኤርትራን ኢትዮጵያን ሓዋዊሱ ናይ ምምራሕ ዝነበሮ ባህግን መደብን፤ ከምኡ’ውን፡ ገማግም ኤርትራ ናይ ስዑዲ ዓረብ ትመርሖ ልፍንቲ ሃገራት ኣዕራብ መንሃርያ መደበር ምግባሩ ተደማሚሩ፡ ንህዝቢ ኤርትራ፡ ከቢድ ሻቕሎትን ጥርጣረን ፈጠረሉ። እቶም ንስርዓት ኢሳያስ ዝቃወምዎ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ብዙሓት ካብ’ቶም ኣብኡ እምነት ዝነበሮም እውን ክጸርዎን ክከላኸልሉን ኣብ ዘይክእልሉ ኵነታት ወደቑ።

ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ዝተበገሰ ናይ “ይኣክል” ጻውዒት፡ ናይ ኵሎም ፖለቲካውን ማሕበራውን ክፍልታትን ሃይማኖታትን ተቐባልነትን ደገፍን ረኸበ። ኣብ ደገ ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ዘዝነብረሉ ቦታታት ኰይኑ፡

1.   ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብህጹጽ ይጠረር፤

2.   ንልዑላውነት ኤርትራ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ ውዕላት ኣይንቕበልን፤

3.   እምቢ ንምልኪ፤ እወ ንፍትሒ

4.   ይኣክል ንምልኪ፡ ይኣክል ንምብትታን፡ ይኣክል ንስደት፡ ይኣክል ንደረት ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት….

…ዝብል ድምጽታት ኣጋውሐን ሰላማዊ ሰልፍታትን ሰሚናራትን ኣጋብአን። ነዚ ምንቅስቓሳት’ዚ ብቃለ-መሓትትን ዜናን ኣሰንዩ፡ ብረድዮን ብተለቪዝንን ናብ ውሽጢ ኤርትራ ብምዝርጋሕ ንስርዓት ኢሳያስ ዘጃጀወ ዓቢን ኣድማዒን ምንቅስቓስ ፈጸመ። ኣብ ውሽጢ ዝርከብ ህዝብና ከይተረፈ ብዝተፈላለየ ስልትታት ዝተሰነየ “ይኣክል” ዝብል ጽሑፋት ኣብ ምዝርጋሕ ተዋፊሩ ይርከብ። እዚ ማዕበል’ዚ ንስርዓት ኢሳያስ ቅድሚ ሕጂ ኣርእይዎ ዘይፈልጥ ራዕድን ምሽቝራርን ኣሕዲርሉ ኢዩ። ነዛ ቆርበቱ ንምድሓን ምስ ናይ ከባቢና መለኽቲ ስርዓታት ብምምሕዛው ነቲ ኣብ ሱዳን ዝኸይድ ዘሎ ህዝባዊ ተቓውሞታት ሕፍር ከይበለ ክጻረርን ክቆጽን ይህቅን ምህላዉ ድማ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኰይኑ ኣሎ።

እዚ ናይ “ይኣክል” ህዝባዊ ምንቅስቓስ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ምክልኻል ሓይልታቱን ንምልዕዓልን ንምጽላውን ምስ ናይ ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ዝሳነ ኣገባብን ስልትን ብምኽታል ጻዕርታቱ ከዛይድን ክቕጽልን ይግባእ።

ስለ’ዚ፡ እቲ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ሕጂ ኢዩ ዝጅምር ዘሎ እምበር ዕማሙ ኣይወድአን። እዚ ዝተገብረ ቀዳማይ ማዕበል ኢዩ። ካልኣይ፡ ሳልሳይ እናበለ ዝሓየለ ማዕበላት ክስዕብ ክኽእል ኣለዎ። ኣብ ዘዘለናዮ ሃገር፡ ንጽልዋ ናይ ምልካዊ ስርዓት ንምድኻም ምቅላስ ንገዛእ ርእሱ ዓቢ ዕማም ኢዩ። ስለ’ዚ ተሓጋጊዝና ነቲ ስርዓት ንምንብርካኽን ናይ ህዝቢ ድሌት ንኽፍጸም ምግባርን ከድልየና ኢዩ።

መሰረታዊ ሕቶ ድማ፡ ዶብና ምሕንጻጽ፡ ልዑላውነት መሬትን ህዝብን ኤርትራ ምርግጋጽ፡ ምልኪ ኣልጊስካ ሰላምን ፍትሕን ዝነግሰላ ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ዝኽበረላ ስርዓት ምህናጽ ኢዩ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ንዝኣተዎ መብጽዓ፡ ማለት ውዕል ኣልጀርስን ብይን ኮሚሽን ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዘይ ቅድመ-ኵነት ኣብ ግብሪ ከውዕል ሕጋውን ሞራላውን ሓላፍነት ከምዘለዎ ከዘኻኽር እፈቱ።

ህዝባዊ ምንቅስቓሳት ከም ፖለቲካዊ ውድባት ብቅዋምን ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ዝምርሑን ዝግዝኡን ኣይኰኑን። ኣባልን ዘይኣባልን ዝብል መስፈሪ እውን የብሎምን። ህዝቢ ኣብ ውሱናት ጕዳያት ተሰማሚዑ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝዝንቢ ዘሎ ሓደጋ ንምእላይ በብዝኽእሎ ኣገባብን ዓቕምን ዝዋስእሉ መድረኻት ምፍጣር ኢዩ ዘድሊ። ስነ-ኪነታውያን ብጽሑፍኦም፡ ስእልታቶምን ሙዚቃኦምን፣ ምሁራት ብትምህርቶም፡ መጽናዕቶምን ኣመራርሓኦምን፣ ሃብታማት ብገንዘቦም፣ መንእሰያት ብጉልበቶምን መሃዝነቶምን፣ ደቂ ኣንስትዮ ድማ፡ ብልቦናአን ናይ ምምሕዳር ክእለተንን ወዘተ … ኮታ ኵሉ ዜጋ በብዓቕሙ ዝጐየላን ተዋሃሂዱ ዝሰርሓላን ዕማም ክትህልዎ ይግባእ።

ስለ’ዚ፡ ኣብ ዘዘለናዮም ከተማታት፡ ከም ኤርትራውያን ዜጋታት ተኣኪብና ነዚ ስርዓት’ዚ ክሳብ ዘልግስ ሓቢርና ነድምጽን ሓቢርና ንስራሕን።

ዓወት ድማ ናይ ህዝቢ ኢዩ!!

ምልኪ ይፍረስ፡ ፍትሒ ይንገስ!!

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

27 ሰነ 2019

Last modified on Thursday, 27 June 2019 22:14