መልእኽቲ ዮሃና ሰዲህኤ ብእጋጣሚ መበል 28 ዓመት ናጽነት ኤርትራ

2019-05-23 22:39:43 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2608 times

ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ንፍርቂ ዘመን ዝኸውን ዘካየዶ ሰላማውን ዕጥቃውን ቃልሲ፡ ድሕሪ ብዙሕ ዋጋ ዝተኸፍሎ መስዋእትን ሓሳረ-መከራን ብ1991 ዓ.ም ንመሬቱ ካብ ጐበጣ ኢትዮጵያዊ መግዛእቲ ሓራ ኣውጺኡ፡ ብግንቦት 1993 ኣብ ዝተኻየደ ሪፈረንደም ድማ፡ ኤርትራ ናጻን ልዑላዊት ሃገርን ብምዃን ኣህጕራዊ ተፈላጥነት ረኺባ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ነቲ ምእንቲ ናጽነቱን ልዑላውነትን ክቡር ዋጋ ዝኸፈለን ጌና እውን “ይኣክል” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ፡ ንናይ ምድማር ፖለቲካ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ዝቃወም ዘሎ ኣብ ውሽጥን ኣብ ግዳምን ዝርከብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብስም መሪሕነትን መሰረታትን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ዮሃናን መጐስን መልእኽተይ ከመሓላልፍ ከለኹ ክብርን ሓበንን ይስምዓኒ።

ነዚ ብኢሳያስን ውሑዳት መሳርሕቱን ዝተወስደ ንልዑላውነት ኤርትራን ህዝባን ንሓደጋ ዘሳጥሕ ናይ ጥልመት ውዕላትን መግለጺታትን ብምቅዋም ከም ቆፎኡ እተነኽአ ንህቢ፡ ንህዝቡን ሃገሩን ንምድሓን “ይኣክል” ዝብል ድምጺ ኣምሪሑ ሰላም፡ ግዝኣተ-ሕግን ፍትሕን ንምንጋስ ተበጊሱ ዘሎ ህዝባዊ ማዕበል ሽቶኡ ክሳብ ዝሃርም፡ ነፍስወከፍ ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ ዕጣቑ ሸጥ ኣቢሉ ንቕድሚት ክምርሽ ኣብ ዝጥለበሉ መድረኽ ምህላውና ከዘኻኽር ይፈቱ።

ካባ ናጽነትን ልዑላውነት ተሸፊንካ ንውልቃዊ ስልጣንካን ረብሓኻን ንምቕዳም ክግበር ዝጸንሐ ስዉር ሸርሕን ጥልመትን ተቓሊዑ፡ ድምጺ ናይ’ቶም ንናጽነትን ልዑላውነትን ኤርትራ ዝቃለሱ፡ ዝእሰሩ፡ ዝስደዱን ዝስወሩን ዝነበሩን ዝነበራን ንጹሃት ደቂ ኤርትራ ከም ብርሃን ጽሓይ ተዀሊዑን በሪኹን ምውጽኡ፡ ዝተቓለሰ ይዕወት ኢዩ እሞ እንቋዕ ሓጐሰና። ናብ’ዚ ደረጃ’ዚ ንምብጻሕ ነቲ ናይ ህዝብና ኣውያትን ጸሎትን ዝሰምዐ ሰማያዊ ኣምላኽ ድማ፡ ክብርን ምስጋናን ይብጽሓዮ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ኤርትራውያን ምሁራትን ሞያተኛታትን ኣብ ጐድኒ ጭቍን ህዝቦምን ናይ ለውጢ ባህግታቱን ደው ኢሎም፡ ንዕምሪ ናይ’ቶም፡ ንመጻኢ ዕድል ናይ መንእሰያት ዘጸልመቱ፡ ንምስሊ ኤርትራ ዝደወኑ፡ ንህዝብና ኣደዳ ሞት፡ ምፍንቓል፡ ስደት፡ ድሕረትን ድኽነትን ዝገበሩ ካብ ሕፍንቲ ኢደ ዘይበዝሑ ውሑዳት ከድዓትን ፈተውቲ ነብሶምን ከሕጽሩ መጸዋዕታይ አቕርብ።

ክብርን ዘልኣለማዊ ዝኽርን ንዅሎም’ቶም ምእንቲ ናጽነትን ክብረትን ህዝቦም ህይወቶም ዝበጀዉ ሰማእታትና!!!

ውድቀትን ስዕረትን ንምልካዊ ስርዓት

ክሳብ ምሉእ ዓወት ንቕድሚት

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

24 ግንቦት 2019

Last modified on Monday, 27 May 2019 22:08