ሓባራዊ ኣኼባ ፈጸምቲ ኣካላት (ሃድኤ-ሕድርን ሰዲህኤን)

2019-04-08 07:49:44 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2544 times

ፈጸምቲ ኣካላት ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድርን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን ብ6 ማዝያ 2019 ናይ ሓባር ኣኼባ ኣካይዶም። ኣብዚ ናይ ክልቲኡ ውድባት ኣባላት ፈጸምቲ ኣካላት ዝተረኽብሉ፡ ኣብዚ ሃገርናን ህዝብናን ብሰንኪ ወጻዒ ጉጅለ ህግዲፍ ዝሓልፍዎ ዘለዉ ኩነታት ኣገዳስነት ሓድነት መተካእታ ዘይብሉ ምዃኑ መዚኖም።  ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ እቲ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ውድባት ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ሓድነት፡ ኣበጋግሳኡን በጺሕዎ ዘሎ ደረጃን ብዝምልከት ብሰፊሑ ተመያይጦም። 

መስርሕ  ምድላው 3ይን ሓባራውን ጉባአ ብዝምልከት  ክሳብ ሕጂ ተበጺሑ ዘሎ ምዕባለን ኣብ ቀጻሊ ክዕመም ብዛዕባ ዝግበኦን ስረሓትን ብደቂቕ ገምጊሞም። ኣብዚ ገምጋሞም ናይ ሓባር ናይ ዘተ ሽማግለ፡ ኣሰናዳኢት ሽማግለን ሓጻይት ኣካልን ክሳብ ሕጂ ዝዓመምዎ ስረሓት ብዓሚቕ ተመዚኑ። ክሳብ ጉባአ ኣብ ዘሎ ግዜ ኣብ ኩሉ መዳያት ክዕመሙ ዝግበኦም ስረሓት ኣለልዩ ብኸመይ ከም ዝዕመሙ ንምንጻር ከኣ  ሜላታት ሓንጺጹ።

እዚ ናይ ፈጸምቲ ኣካላት ኣኼባ፡ እዚ ተጀሚሩ ዘሎ መስርሕ ሓድነት ሃድኤ-ሕድርን ሰዲህኤን ንድሕሪት ከምዘይምለስ ድሕሪ ምርግጋጽ፡ ክሳብ ግዜ ጉባአ ኣብ ዘሎ ግዜ ናይ ክልቲኡ ውድባት ተመሳሳሊ ዕማም ዘለወን  ኣብያተ-ጽሕፈት ብሓባር ዝሰርሓሉ መንገድታት ዳህሲሱ ነንዝምልከቶም ግብራዊ መምርሒ ሂቡ። ምስዚ ብምትሕሓዝ ከኣ መስርሕ ሓድነት ብናይዚ ክልተ ኣካላት ዝውዳእ ስለ ዘይኮነ፡ ድሕሪ ሓድነት እውን ንዝያዳ ሓድነት ምስ ካለኦት ኣካላት ክጽዕት ምዃኑ ኣመልኪቱ።

እዚ ኣኼባ መሰረታት ክልቲኡ ውድባት ነቲ ዘካይድዎ ዘለዉ፡ ናብ ጉባአ ዝቐርብ ሰነዳት ተመያይጥካ ሃናጺ ሓሳባት ብምሃብን ጉባአ ንምዕዋት ነገራውን ገንዘባውን ወፈያ ኣመስጊኑን ንኢዱን፡ ኣብ መጻኢ’ውን ብዝሓየለ ናህሪ ከም ዝቕጽልዎ ዘለዎ እምነት ገሊጹ። ብዘይካዚ እዚ ኣኼባ ብዛዕባ መሰረታት ክልቲኡ ውድባት  ብሓባር ዝራኸብሉን ብዛዕባ ምድላው ፈስቲቫል ኤርትራ 2019 ኣብ ከተማ  ፍራንክፈርትን  ተመያይጡ።

Last modified on Monday, 08 April 2019 09:55