መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ኣባል መሪሕነት ሰዲህኤ ካብ ከሰላ ምስተጨውየ ድሃይ ኣልቦ 7 ዓመቱ ኮይኑ!!

2019-02-13 22:55:21 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3374 times

መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ኣብ መድረኽ 6ይ ጉባኤ ተሓኤ - ሰውራዊ ባይቶ 2008

ሎሚ ዕለት 14 ለካቲት 2019፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚ ሽማግለን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ዝነበረ ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም፡ ቀትሪ ምድሪ ብመጋበርያታት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ተጨውዩ ድሃይ ካብ ዘጥፍእ 7 ዓመቱ ኢዩ። እዛ ዕለት እዚኣ ከኣ፡ ሓንቲ ካብተን ናይ ሕሰምን መከራን ኮይና፡ ካብተን ከምኡ ዝኣመሰሉ ብጾት ዝጠፍኡለን እንዝክረላ ዕለታት እያ። ከምዛ ናቱ ሓደጋ መጭወይቲ ዘጋጠሞም ናይ ቃልሲ ብጾትና፡ ተጋደላይ ወልደማርያም ባህልብን ተኽለብርሃን ገ/ጻድቕን ካብ ምስራቓዊት ከተማ ሱዳን ካብ ዝጠፍኡ ከኣ ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕስ 27 ዓመቶም ክኸውን ኢዩ። ኣብ ማእሰርቲ ብህይወት ክህልዉ ትጽቢትናን ተስፋናን ኮይኑ፡ ንዓመታት ማእሰርቲ ናይ ነልሶን ማንደላ በጺሖምዎ ኣሎዉ።  

ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ሓደ ካብቶም መቐረት ንእስነትን፡ ዕላልን ወግዕን፣ ወለድን መታዓብይትን ከየስተማቐሩ፣ በጃ ህዝቦምን ሃገሮምን ንኽሓልፉ ንቃልሲ ካብ ዝወፈሩ ሓርበኛታት ሓደ ኢዩ።   ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ምሉእ ንእስነቱ ኣብ ቃልሲ ዘሕለፈ፣ ራህዋን፡ ሰላምን፡ ቅሳነትን ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝብህጉን ምእንትዚ ድማ፡ ኩሉ ዝካኣሎም ዘበለ ካብ ዘበርከቱን ደቂ ሃገር ኢዩ። ዕድሚኡ ከባቢ 17 ዓመት ኣቢሉ ምስ በጽሐ’ዩ፣ በቲ ሓደ ወገን፣ ሰራዊት መግዛእታዊ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጽምዎ ዝነበሩ ኣስካሕካሒ ግፍዕታት ከይተወገደ ሰላምን ቅሳነት ክርከብ ከምዘይካኣል ስለዝተገንዘበን፣ ምጉህሃር ሰውራ ኤርትራ ድማ በቲ ካልእ ወገን ስለዝደረኾን፣ ኣብ ዕሸል ዕድሚኡ ኣብ ወርሒ መጋቢት 1968 ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተሰሊፈ። ወታሃደራዊ ትምህርቲ ድሕሪ ምውሳድ፣ ሰውራ ኤርትራ ኣብ ስሳታት ዝነበሮ ከበድቲ ጸገማትን ሕልኽልኻትን ሰጊሩ ኣብ ቃልሲ መባእታዊ ሕክምናዊ ትምህርቲ ወሲዱ፣ ኣብ 1970 ናይ ሓይሊ 501 ሓኪም ጋንታ ኮይኑ ኣገልጊሉ።

ኣብ 1971 ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ፡ ብዛዕባቲ ብስም ሰልፊ ናጽነት ካብ ተሓኤ ዝተፈንጨለ ኢሳያስ ዝመርሖ ጉጅለ፡ « ናይ ኢሳያስን ብጾቱን ፖለቲካውን ማሕበራውን ወተሃደራውን ትሕዞን ርእይቶን ንሃገራዊ ስምረት ህዝቢ ኤርትራ ዝትንክፍ ምዃኑ ብምዕዛብ ከምኡ ድማ እዚ ጸገም እዚ መፍትሒ እንተዘይረኸበ ንሃገራዊ ስምረት ከይብትን ስለዘፍርሕ፡- 

ሀ. ንኢሳያስን ብጾቱን ነዚ ናብ ሃገራዊ ስምረት ዝመርሕ ፕሮግራምን ውሳኔታትን ቀዳማይ ሃገራዊ ጉባኤ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ተቐቢሎም ናብ ተሓኤ  ክንጽንበሩ ይጽውዕ።

ለ. መሪሕነት ተሓኤ ጥቕሚ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራን ገድልን ምእንቲ ክሕሎ ከምኡ ድማ እዚ ጸገም እዚ ንኽፍታሕን ንኸይጋነን ዘድሊ ስጉምትታት ትወስድ » ክብል ዘሕለፎ ሓደ ካብቶም ፍሉያት ፖለቲካዊ ውሳኔታት መሰረት ብምግባር፡ ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ሓደ ካብቶም ሸውዓተ ዝኣባላታ ኣብ ለካቲት 1972 ምስ ጉጅለ ኢሳያስ ንምርኻብ  ብመሪሕነት ተሓኤ ዝቆመት ሽማግለ እዩ ነይሩ። ሰውራ ኤርትራ ግን ብሰንኪቲ ንሕናን ዕላማናን ዝመበገሲኡ  ኢሳያስን ዕቡጥ መደባቱን ካብ ቀደሙ እውን ካብ ምብትታን ኣይዳሓነን፣ እቲ ዝገደደ ምብትታን ብርሰትን ድማ ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ ኣብ ትሕቲ ጭቆና ኢሳያስ በጺሕዎ ዘሎ እዩ። መሪሕነት ተሐኤ ግን፡ ምስቲ ኩሉ ክነብሮ ዝኽእል ጉድለታት፡ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራን ሰውርኡን ንምርግጋጽን ኣብዚ ሕጂ ሃገርና በጺሓቶ ዘላ ኲነታት ንኸይትወድቕ፣ ንኢሳያስን ብጾቱን ክሓቁፍ እውን ከቢድ ጻዕርታት ገይሩ እዩ። ኢሰያስ ታሪኻዊ ምስክርነት ቃልሲ ህዝቢ ንምቕባርን ስልጣኑ ንምክልኻልን ድማ ከምእኒ ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ዝኣመሰሉ ንጹሃት፡ ብዘይካ ፍትሕን ሓርነታት ህዝብን ካልእ ዘይባሃጉ ተጋደልቲ ክጨውን ከጥፍን ምልካዊ መርህኡ እዩ።     

ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም፣ ክሳብ 1976 ኣቐዲሙ መራሒ ሓይሊ፡ ጸኒሑ ድማ ኮምሽነር ሓይሊ ኮይኑ ኣገልጊሉ። ድሕርዚ ኣብቲ ብሓልዮት ፈለስጢናዊ ውድብ ፈትሕ/Fatih-PLO: ዝካየድ ዝነበረ ኮርስ ናይ ምስታፍ ዕድል ስለዝረኸበ፡ ናይ ሓደ ዓመት ወተሃደራዊ ኮርስ ኣብ ሃገረ ስርያ-ደማስቖ ወሲዱ  ብናይ ሙላዝም/ተነንተ መዓርግ ተመሪቑ ንሜዳ ኤርትራ ተመሊሱ ቃልሱ ቀጸለ። ብዙሕ ከይጸንሐ : ነታ ንሓይልታት ደባይ ተዋጋእቲ/ፍዳእይን ኣብ ከበሳ ደገፍን ደጀንን ኰይና ዝነበረት በጠሎኒ 107 ክሳዕ 1978 መሪሑ። ቀጺሉውን ክሳዕ 1980 : ኣብ ትሕቲ ስዉእ ወልደዳዊት ተመስገን ነታ ቀዳመይቲ በጠሎኒ ናይ ብርጌድ 61 መሪሑ። ብ1981 ከኣ መራሒ ቀዳመይቲ በጠሎኒ  ናይ ብሪጌድ 72 ኰይኑ ተቓሊሱ።

ድሕሪ ውግእ ሕድሕድ፣ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ኣብ ዶባት ሱዳን ብምእታዉ ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ከይሰንበደን ተስፋ ከይቆረጸን ንተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ንምሕዳስን ንምቕጻልን ኣብዝተካየደ ቃልሲ፣ ብሚያዝያ 1982 ኣባል ናይታ ሰራዊት ንምምራሕ ዝቆመት ግዚያዊት ሽማግለ ተመሪጹ: ኣብ መወዳእታ 1982 ተሓኤ-ሰውራዊ ባይቶ ምስ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ሸነኽ ዑስማን ሳልሕ ሳበ ብዝተገብረ ሓድነታዊ ስምምዕ መሰረት፡ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ኣባል ናይታ ብኣርባዕተ ተጋደልቲ ዝቆመት ወተሃደራዊ ሽማግለ/ኣርካን ኰይኑ ንዝሰመረ ሰራዊት መሪሑ። ይኹን እምበር መሪሕነት ህሓሓኤ ነቲ ስምምዕ ብትሕዝትኡን ብመንፈሱን ክፍሑቊን ከፍርስን ስለዝጀመረ፣ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ብመስከረም 1983 ብጸጥታ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ኣብትሕቲ ቀይዱ ኣተወ። ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ኣብ መፋርቕ 1984 ሓደ ውድብ ኮይኑ ክቕጽል ስለዘይካኣለ ድማ፣ ክንፊ ዑስማን ሳልሕ ሳበን ኣሕመድ ጃስርን ተባሂሉ ኣብዝተፈናጨለሉ እዋን፣ ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ዘለዎም ልዕሊ 73 ዝኣኽሉ ኣባላት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ - ሰውራዊ ባይቶ ብፖለቲካዊ ርእይትኦም ጥራሕ፣ በብእዋኑ ኣብ ትሕቲ ቤት ማእሰርቲ ወታሃደራዊ ክንፊ  ጃስር ካብ ማዓልታትን ኣዋርሕን ክሳብ ሓሙሽተ ዓመታት ዝኣክል ብማእሰርቲ ተሳቐዩ።

ተጋዳላይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ብሓሙሽተ ዓመታት ማእሰርቲ ኣይሓለፈሉን፣ ሓይሊ ጃስር ኣብ ኣጋ መወዳእታ 1988 ብሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ምስተጠቕዐ፡ መደበራትን ቤት ማእሰርትን ጃስር ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ህግሓኤ ስለዝኣተወን፡ ካብ ማእሰርቲ ናይ ምምላጥ ዕድል ስለዘይተረኽበን እንደገና ምሩኽ ናይ ቤት ማእሰርቲ ኮይኑ፡ ካብ ጸልማትስ ናብ ዝኸፍኤ ጸልማት ኣብ ትሕቲ እስራት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ክሳዕ ናጽነት ኤርትራ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ጸኒሑ።

እዚ ኩሉ ኣብ ልዕሊ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ዝወረደን ገና ዝወርድ ዘሎ ሕሰምን ኣደራዕን እዝሲ ኣብምንቲ ምንታይ ኮን ይኸውን ንዝብል ሓታቲ፡ እቲ መልሲ፣ ኣብ መንጎ ፈራሓት መለኽትን ኣብ መንጎ ተባዓት ህዝባዊ ዕላማታት ንምርግጋጽ ዝብጀዉ ተቓለስትን ዘሎ ፍልልይ ጥራሕ እተዘይኮይኑ ካልእ ንውልቁ ዝሓተቶ ጠቕሚ የለን። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ግን፡ ምርጫኡ ንኽወስድ ንዝተዋቦ ዕድል ተጠቂሙ ምስ ክልተ ናይ ቃልሲ ብጾት ንሱዳን ተመሊሱ ኣብታ ዋሕስ ህዝብና ክትከውን ዝጽበያ ውድብ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ኣንጻር ምልኪ ቃልሱ ቀጺሉ። ገለ ካብቶም ተመሳሳሊ ጸገማት ናይ እስራትን ሱዳን ናይ ምእታው ምርጫ ዝረኸቡን፣ ከኣ ብጻይ ኣሰፋው በርሀን፡ ብርሃነ ተስፋጋብርን ክኾኑ እንከለዉ፡ ብጻይ ተስፋይ ርእሶም እውን ድሕሪ ነጽነት ስዒቡ ሱዳን ናይ ምእታውን ዕድል ካብዝረኸቡ ናይ ቃልሲ ብጾት እዩ።  

ብጻይ መሓመድ ዓሊ ኢብራሂም ብዝወረዶ ማእሰርትን ስቅያቱን ኣይሰንበድን ዝያዳ እዃ ዳኣ፣ ሓሪኑ ክምህ ከይበለ ካብ 1995 ራብዓይ ጉባኤ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ - ሰውራዊ ባይቶ ክሳብ 2010 ዝነበር እዋን ኣብዝተገብረ ጉባኤታት ኣባል ባይቶ ተመሪጽ፡ ብደረጃ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ሓላፊ ቤት ጽሕፈትን ኮይኑ ተቓሊሱ። ኣብ 2011 ዓ.ም ኣብዝተኻየደ ቀዳማይን መስመሪ ጉባኤን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ምምራጹ እውን ኣባል ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ኮይኑ ኣብ ቃልሲ እንከሎ እዩ ብዕለት 14 ለካቲት 2012 ብጸጥታዊ መሓውራት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ካብ ከተማ ከሰላ ተጨውዩ፡ ክሳብ ሎሚ ኣሰሩ ኣብዘይርከበሉ፡ ኣውያቱ ኣብዘይስማዓሉ ጎዳጉዲ ምልኪ ተሰዊሩ ዘሎ።

ብጻይ መሓመድ ዓሊ ባዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ኣወዳትን እዩ፣ በዂሪ ወዱ ናስር ኣብኡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ህሓሓኤ ምስኣተወ ስለዝተወልደ ንሸሞንተ ዓመታት ዝኣክል ኣብኡ ከይሓቆፎ ዓብዩ፡ ዋላኳ ንይምሰል እንተነበረ፡ ጉጅለ ጃስር ብምኽንያት ሓደ መስከረም ኣብዝገበሮ በዓል ናይ 1986 ሓሊማ በዓልቲ ቤት እሱር ናብቲ በዓል ናይ ምስታፍ ዕድል ስለዝረኸበት፡ ኣብ በረኻ ንሓጺር ግዜ ምስ ስድርኡ ክራከብን ዓይኒ ንዓይኒ ክራኣኣዩን ዕድል ከምዝተዋህቦ ካብዝዝከር እዩ። መጅዲ ወዲ 19 ዓመት ምስበጽሐ፡ ኣብታ ኣቦ ዝደልየላ ናይ ንእስነቱ እዋን፡ ኣቡኡ ወፊሩ ክምለስ እንዳተጸበየ እንከሎ፣ ስለዝይኰነሉ ዘኽቲሙ ይዓቢ ኣሎ። ክሳብ ሎሚ ግደፍዶ ከምታ ናይ ጉጅለ ጃስር ዋላውን ፍርቂ ሰዓት ትኹን ስድራ ንምርኣይ ዕድል ክትርከበላስ ይትረፍ፡ ናይ ፖለቲካን ናይ ሕልናን እስሱራት ኤርትራውያን ብሓፈሻ ኣብ ትሕቲ መልኪ ዳሃዮም ጨና-ጽሩይ ማይ ኮይኑ ተሪፉ ኣሎ።

በዚ ኣጋጣሚ፡ ኣብ ኤርትራ ብሰሪ ምልኪ ዘይዘኽተመትን ዘይተበታተነትን ስድራ ከምዘየላ ኩልና ንፈልጦ ካብ ኮነ፡ እታ ብደምን መስዋእትን ህዝቢ ኤርትራ፣ ነጻነታ ዘረጋገጸት ሃገርና ኣብ ሓደጋ ትኣትወሉ ግዜ ንርከብ ካብ ሃለና፡ ኩልና ኤርትራውያን ናይ ቃልሲ መሳርዕና ኣዋሃሂድና፡ ልኡላውነት ሃገርና ንምዕቃብ ዳግማይ ታሪኻዊ ግዴና ከነበርክት ንሕተት ምህላውና ተገንዚብና ክንላዓል ይግባእ።

ዓወት ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!!

ምልኪ ይፍረስ፣ ስርዓተ ሕጊ ይንገስ

 

Last modified on Thursday, 14 February 2019 00:05