ፈጻሚ ሽማግለ ሰዲህኤ ምዱብ ኣኼባኡ ኣካይዱ

2018-11-27 09:34:13 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2573 times

ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ25 ሕዳር 2018 ምዱብ ኣኼባኡ ኣካይዱ፡ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ሰሚዑ፡ በቲ ጸብጻባት መሰረት ውሳነታት ክውስን እንከሎ፡ ናይ መጻኢ መደብ ዕዮኡ ተሊሙ። ፈጻሚ ሽማግለ ኣብዚ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና መመሊሱ ኣሻቓልን ኣዛራብን ኮይንሉ ዘሎ ግዜ፡ ብዛዕባ ኤርትራውን ከባብያውን ምዕባለታት ዓሚቕ ናይ ሓበሬታ እንካን ሃባን ኣካይዱ።

ኣኼባ ኣብቲ ንሓበሬታታት ዝምልከት ዲክታቶር ኢሳይያስ ኣፈወርቅን ጉጅለኡን ኣብ መስርሕ ርክብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካልእ መዳያትን የካይድዎ ንዘለዉ ኢደ-ወነናዊ ዕንደራ ከውግዝ እንከሎ፡ ኣብዚ እዋንዚ ዝተፈላለዩ ጉዳይ ሃገሮምን ህዝቦምን ዘሻቕሎም፡ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ሲቪላዊ ማሕበራትን ካለኦት ናይ ለውጢ ወገናትን፡ ኤርትራን ህዝባን ዘድሕን መዋጸኦ ንምርካብ የከይድዎ ንዘለዉ ተበግሶታት ብጽሞና ተመልኪቱ። እዚ ኩሉ ተበግሶታት ኣድማዒ ምእንቲ ክኸውን ሰዲህኤ ዓቕሙ ዝፈቕዶ ከበርክት ከም ወትሩ ድልዊ ምህላዉ’ውን ኣረጋጊጹ። ምስዚ ብዝተታሓሓዘ ከኣ ሰዲህኤ ምስ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ውድባት በብደረጃኡ ናብ ፍጹም ሓድነት ዘብጽሑ፤ ከምኡ’ውን፡ ልዑላውነት ኤርትራ ምዕቃብ፡ ንዲክታቶአርያዊ ስርዓት ምእላይ፡ ሰብኣዊ መሰላት ምኽባርን ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምህናጽን ኣብ ዝብሉ ነጥብታት ዝተሰረተ ጽላል ንምቛም ዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ ዝያዳ ክሕይሎ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

ኣኼባ፡ ነዊሕ ግዜ ሂቡ ናይ ነፍሲ ወከብ ቤት ጽሕፈት ፈጻሚ ሽማግለ ናይ ዝሓለፉ 4ተ ኣዋርሕ ጸብጻብ ሰሚዑ ኣድላይ ምይይጥ ብምክያድ፡ ንዝቐረበ ጸብጻባት ምስ ምምሕያሻቱ ድሕሪ ምጽዳቕ፡ ኣብቲ ጸብጻባት ተመርኲሱ ውሳነታት ብምውሳድ ስራሑ ኣሰላሲሉ። ብዛዕባ ምስ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ ዝኸዶ ዘሎ ሓድነታዊ መስርሕ ድማ፡ ፍሉይ ኣቓልቦ ሂቡ ድሕሪ ምምይያጥ፡ ናብ ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ቀሪቦም ክውሰኑ ዝገበኦም ጉዳያት ኣለልዩ።

ብዘይካዚ ፈጻሚ ሽማግለ ንመስርሕ ምስንዳእ 3ይ ሓባራዊ ጉባአ ብዝምልከት ካብ ኣሰናዳኢት ሽማግለን ሓጻዪት ኣካልን ናይቲ ጉባአ ንዝቐረቡ ወኸሳታትን ሕቶታትን መብርሂታት ሂቡ።

ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዕማማት ሰልፊ ብሓፈሻ፡ 3ይ ሓባራዊ ጉባአ ድማ ብፍላይ ንምዕዋት ዝገብርዎ ዘለዉ ምርብራብ ኣመጒሱ፡ ኣብ መጻኢ እውን እዚ ዘይሕለል ጻዕሮም ኣሕይሎም ክቕጽልዎ መጸዋዕታ ብምቕራብ ናይ መጻኢ 4ተ ኣዋርሕ መደብ ስረሓት ፈጻሚ ሽማግለ ብምንጻርን ኣኼባኡ ዛዚሙ።

Last modified on Tuesday, 27 November 2018 10:37