ሰዲህኤ፡ ዒራቕን ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ንኣፍልጦ ኤርትራውያን ኣብ ባግዳድ ከቕልብሉ ሓቲቱ

2018-11-17 11:32:56 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2457 times

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ናብ ኮሚሽነር ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ዒራቕን ኣብ ዝለኣኾ መዘክር ፡ ኣብ ከተማ ባግዳድ ናይ ዘለዉ ውሑዳት ኤርትራውያን ስደተኛታት ናይ ሰነድ ጸገም ንምፍታሕ ኣብ ሓጺር ግዜ ስጉምቲ ንክወስዱ ሓቲቱ።

እቲ ናይ 15 ሕዳር 2018 መዘክር ሰዲህኤ፡ ናብ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ዒራቕ፡ ሞሓመድ ኣልሓኪምን ላዕለዋይ ኮሚሽነር ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ፊሊፖ ግራንዲን እዩ ተላኢኹ። ብዘይካዚ ቅዳሕ ናይቲ መልእኽቲ ኣብ ኮሚሽ ጉዳይ ስደተኛታት ናብ ዝምልከቶም ሓገዝቲ ኣካላት እውን ተላኢኹ። ሰዲህኤ ኣብዚ መልእኽቱ ካብ ከተማ ባግዳድ ብዝረኸቦ ሓበሬታ፡ ኣብዚ እዋንዚ ንነዊሕ ግዜ ኣብ ዒራቕ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ሰነዳቶም ምሕዳስ ስለ ዝደንጐዮም፡ እሞ እቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ሰብ መዚ ዒራቕ ናይ ስደተኛ መሰሎም ንክሕሎ ሰነዳቶም ግድን ክሕደስ ኣለዎ ይብልዎም ስለ ዘለዉ ኣብ ጸገም ከም ዝወደቑ ኣስፊሩ።

እዞም ኤርትራውያን ስደተኛታት ነባራት ተቓለስቲ ናጽነት ኮይኖም፡ ድሕሪ ናጽነት እውን ናብ ኤርትራ ክምለሱ ዘይከኣሉ እዮም። ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታት ንዘይምሕዳስ ሰነዳቶም ዝህቦ ምኽንያት ኣብ ኤርትራ ኩነታት ስለ ዝተቐየረ ኣብ ሓጺር ግዜ ናብ ሃገርኩም ክትምለሱ ትኽእሉ ኢኹም ዝብል እዩ።

መዘክር ሰዲህኤ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ለውጢ ከምዘየብሉ ኣትሪሩ ገሊጹ፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ጉዳይ ስደተኛታትን መንግስቲ ዒራቕን ነቲ ነዊሕ ግዜ ዝጸንሐ ጉዳይ ሰነድ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብግቡእ ክሕዝዎ ተማሕጺኑ።

Last modified on Saturday, 17 November 2018 12:38