ጉዳይና ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም

2018-10-29 08:45:34 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2420 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ጉዳይና ጉዳይ ኤርትራ ብሓፈሻ ካብ ግዜ ቃልስና ምእንቲ ናጽነት፣ ብፍላይ ከኣ ድሕሪ ናጽነት፣ ብኽመቲ ክኾኖ ዝግበኦ ደረጅ’ኳ እንተዘይኮነ፣ ካብ ቆላሕታ ሕብረተሰብ ዓለም ወጻኢ ኣይጸንሐን። እቲ ቀንዲ ትብዓት፣ ጽንዓትን ዘይተጸዓድነት ህዝብና’ኳ እንተኾነ፡ ኤርትራና ልኡላዊ ክብራ ንክትሕዝ ግደ ሓብረተሰብ ዓለም ኣይነበሮን ማለት ድማ ኣይኮነን። ብፍላይ ከኣ ከም መስርሕ ረፈረንደምን ውእግ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝኣመሰሉ ተርእዮታት ሕብረተሰብ ዓለም ናብ ጉዳይና ከድህብ ካብ ዘደረኽዎ ተረኽቦታት ነይሮም። ደሓር ከኣ ዘይልሙድ ግፍዓዊ ኣካይዳ ህግደፍን ወጽኢት ናይዚ ግፍዒ ዝኾኑ ስደትን ኣብ መስርሕ ስደት ከጋጥሙ ዝጸንሑ ከም ኣስካሕካሒ ተረኽቦ ላምፓዱዛ ዝኣመሰሉ ክስተታትን ሕብረተሰብ ዓለም ናባና ከቕልብ ደረኽቲ ተረኽቦታት ኮይኖም ጸኒሖም።

እዞም ተረኽቦታት ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዝሰሓብዎ ቆላሕታ ሕብረተሰብ ዓለም ቀሊል’ኳ እንተዘይኮነ፣ ክንድቲ ክብደቱ ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ ተጽዕኖ ኣሕይልካ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ግና ካብቲ ዝተጸበናዮ ንታሕቲ ኮይኑ እዩ ጸኒሑ። ከምኡ ንክኸውን ድኽመት ናይቶም ብቐዳምነት ዝምልከተና ሰብ ጉዳይ ኤርትራውያን ብጽሒት ከም ዝነበሮ ከኣ ዝሕባእ ኣይኮነን። ጉጅለ ህግደፍ ብሕብረተሰብ ዓለም ኣሰካፊ ኩነታት ኤርትራ ክንገሮ እንከሎ ንሓንሳብ ካብ ኤርትራ ዝኸፈአ ኩነታት ምስ ዘለወን ሃገራት እንዳወዳደረ፣ ጸገም ከም ዘየለ ክገልጽ እንከሎ፣ ንሓንሳብ ከኣ ጸገም ከምዘሎ ይእመን እሞ ከምኡ ንክኸውን ዘገደደ ዝብሎ ምስምሳት ብምቕራብ ክሃድም ጸኒሑ እዩ። ካብቲ ቀንዲ ክሃድመሉ ዝጸንሐ ብዙሕ ምስምሳት ከኣ “ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ውግእ እንዲና ዘለና” ዝብል ንነዊሕ ግዜ ዝተበለጸሉ ምስምስ ነይሩ።

ገለ ነቲ ጉጅለ ብዓሚቑ ዘይተረድእዎ ወገናት፣ ነዚ መመሳመሲ ምኽንያታት ናይ ምቕባል ምልክት ከርእዩ እንከለዉ፣ ዝበዝሑ ወገናት ግና ካብ ቅድም እቲ ምኽንያት “ዕባራ ምኽንያት” ምንባሩ ኣይሰሓትዎን። እንተ ንሕና እቲ ምኽንያት ጉጅለ ህግደፍ መጻንሒ ክጥቀመሉ ዝመሃዞ እምበር ናይ ብሓቁ ከምዘይነበረ ብግቡእ ንርዳእ ነይርና ኢና። ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጌና ከምዚ ሎሚ ሒዝዎ ዘሎ ደረጃ ከይሓዘ፣ ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም “ደጊም ይኣክል ዝሕመረቱ” ዝካየድ ዝነበረ ቀጻሊ ተቓውሞታት ከኣ መርኣያ ካብ ቅድም ምርዳእና እዩ። እንተኾነ ነዚ ሓቀኛ ተረድኦና፡ ተረድኦ ሕብረተሰብ ዓለም ክንገብሮ ኣይበቓዕናን።

ጉጅለ ህግደፍ ከምዚ ሕጂ ንርደኦ ዘለና፣ ፈትዩ ዘይኮነ ሳዕቤኑ ብዘይምርዳእን እስትራተጅያዊ ኣቀማምጣ ሃገርና ዘብሃጎም ሃብታማት ብዝወሃቦ ግነዖት ኣፉ ማይ መሊእዎ/ሃሪፉዩ፣ ዘይብርሁን ህዝቢ ኤርትራ ዘይፈልጦን ዘይተሳተፈሉን ስምምዓት ፈሪሙ ዶብ ኤርትራን ትግራይን ምስተኸፍተ እነሆ ብብዙሕ መልክዑ ዕርቃኑ ወጺኡ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ይፋታሕ ኣሎ። ኣብዚ ዝሓለፈ 27 ዓመታት ንጸገማት ዝያዳ መጢጡ፣ ንኤርትራውያን ኣብ ኩሉ መዳያት ሃገሮም ናይ ምልማዕ ኣእዳዎም ኣሲሩ ንኤርትራ ጀሆ ሒዝዋ ብምጽንሑ ኣብ ኩሉ መዳያት ቁጠባን ትሕተ ቅርጻን ባዶ ምዃና ተራእዩ። ዋላ’ኳ በቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሖ ኩነታት ከመኻኒ እንተፈተነ ካልእስ ይትረፍ እቶም ንኤርትራን ኢትዮጵያን ርእዮም ሚዛኖም ዝህቡ ዘለዉ ክዕሸዉ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ተቐባልነት ኣይረኸበን። “እቲ ኣይውግእ ኣይሰላም ደኣ ንክልቴን ሃገራትዶ ኣይኮነን ዝምልከት?” ዝብሉ ዘለዉ ከኣ ብዙሓት እዩ።

ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝመርሕዎ ህግደፍ፣ ድሕሪ ኩነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዋንኡ ብዘይርደኣካ ኣገባብ ምቕያሩ፣ ምኽንያት ስኢኑ የዕለብጥ ከምዘሎ ንሕና ኮነ ሕብረተሰብ ዓለም ንዕዘቦ ኣለና። ንሕናስ ካብ ቀደምና ኰነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስተቐየረ፣ ጉጅለ ህግደፍ ሓንቢሱ ክወጾ ናብ ዘይክእል ቀላይ ከም ዝኣቱ ዝተጸበናዮ እዩ። ከም ትጽቢትና ከኣ ኮይኑ። ወያ ብፍርቂ ልባ’ውን እንተኾነ ክሳብ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን መልክዑ ዝቕይር ዕድል ሂባ ከተወድኦ ትጽበ ዝነበረት ሕብረተሰብ ዓለም ከኣ “እሞኸደኣ ሕጂኸ እንታይ እዩ ጉድካ?” ኢላ ክትውጥሮ ጀሚራ ኣላ። ድሕሪዚ ኩነታት፣ ናይ ኣሜሪካ ወጻኢ ጉዳያት፣ ትካላት ሰብኣዊ መሰልን ስደተኛታትን ዓልም ከምኡ እውን ዝተፈላለያ ሃገራትን ማሕበራትን ኤውሮጵ፣ ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ብኣውንታ ርእየን፣ ንኤርትራ ዝምልከት ግና “እዚ ተበጺሑ ዘሎ መንቀሊ ዝኸውን እምበር ብመንጽር’ቲ ኣዝዩ ሳዕሪሩ ዘሎ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ገስረጥ ኣመራርሕኡ ዝተርፈካ ኣሎ ዘይኮነ ስድሪ’ውን ኣይሰጐምካን” ዝመንፈሱ ስምዕታታት የቕርባሉ ኣለዋ።

ህግደፍ እቲ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዝለመዶ ምትዕሽሻው፣ ሎሚ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም ክሰርሓሉ ከምዘይከኣለ ምስ ተረድአ እነሆ ናይ ምጽቃጥ ሜላ መሪጹ። ግና ክሳብ መዓስ ተለጒሙ ክነብር። ብኣንጻሩ ካብቲ ኣዝዩ ዝኣረገ ሽጣርኡ ስለ ዘይወጸ፣ ነቲ “እንታይ ዳእሉ ጉዱ ስቕ ስቕ እምበር ኮይኑ” ዝብል ዘሎ ካብ ምዕዝምዛም ሓሊፉ ናብ ኣፍካ መሊእካ ምዝራብ ማዕቢሉ ዘሎ ስምዒት ህዝቢ ኤርትራ ኣቕጣጫ ንምቕያር ምስ ገለ “ዓገብ” ዝበላ ሃገራት ትርጉም ዘየብሉ ኣእማን ክድርቢ ጀሚሩ ኣሎ። ናይ 27 ጥቅምቲ 2018 ጋዜጣዊ መግለጺኡ ኣንጻር መንግስቲ ጀርመን ከኣ ናይዚ ኣብነት እዩ። እቲ ጋዜጣዊ መግለጺ፣ ብኹሉ መልክዑ ገላቢጥካ እንተረኣኻዮ ትርጉሙ ንጹር ናይ ዓቕሊ ጽበትን ኣብ ጉዳይካ እትብሉ ምስኣንን ምልክት እዩ። መልእኽቱ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ድላይና እንተገበርና እንታይ ገደሰኩም ዝመንፈሱ፣ ንህዝቢ ማዕጾ ዓጺኻ ናይ ምድሃኽ ሕልሙ ዘይተጸንቀቐ ምዃኑ ዘርኢ እዩ። ስለዚ ንሕና ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይሊ ነዚ ካብ ሕብረተሰብ ዓለም ዝቀላቐል ዘሎ ዓው ኢልካ ምዝራብ ከም ሓደ መንጠሪ ወሲድና ጉዳይና ባዕልና እሞ ድማ ብሓባር ክንሕዝ ዝያዳ ቅድም ግዜኡ እዩ።

Last modified on Monday, 29 October 2018 10:09