ቃል ማሕበር ስምረት መንእሰያት ኤርትራውያን ንለውጢ ኣብ ፈስቲቫል 2016
2016-08-21 09:54:18 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3427 timesዝኸበርካ ኣቦ-መንበር ሰልፊ፡ ዝኸበኩም መራሕቲ ውድባትን ማሕበራትን፡ ዝኸበርኩም ኣጋይሽ፡ ዕዱማት ተሳተፍቲ ፈስቲቫል 2016።
ኣቐዲመ ብስመይን ብስም ወኪለዮ ዝመጻኹ ማሕበር ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ(EYSC) ዕዙዝ ሰላምታ ከቕርበልኩም ኣፍቅዱለይ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዓመት መጸ ከምዚ ዝኣመሰለ ባይታ ምኽፋቱ ከኣ ክምጐስ ይግብኦ።
ማሕበርና ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንለውጢ፡ ጐኒ ጐኒ ኣቲ ከም ኩለን ተቓለስቲ ሓይልታት ዝሓዞ ዕላማ: ከበግሶ ዝኸኣለን ክሰርሓሉ ዝጸንሐን ቀንዲ ምኽንያት: ብኩራት መንእሰያት ኣብ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ውልቀ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍን ዲሞክራስያዊ ለውጢን: ምብርባርን ቀጻልነቱ ንምውሓስን እዩ። እዚ ክብል ከለኹ ግን፡ ምስቲ ዝጸንሐ ቃልሲ ተኣሳሲሩን ምስቶም ካብ ነዊሕ ዓመታት ደኺምና ከይበሉን ከይተሓለሉን ተባዕን መስዋእቲ ዝሓትትን ቃልሲ ከካይዱ ዝጸንሑ ዓበይቲ ኣያታትናን ኣሓትናን ተኣሳሲሩን ኢድ ንኢድ ተታሓሕዙን ክካየድ ከምዘለዎ ዘየማትእ ሓቂ እዩ።
ኩልና ከማንፈልጦን ንከታተሎ ከምዘለናን፡ ኲነታት ህዝብናን ሃገርናን ብሰንኪ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝባኣሰ ይኸይድ ኣሎ። አረ ብገለ ሃለዋት ሃገርና ብቀረባ ዝከታተሉ ወገናትና: ሃገርና ኣብ ናይ ምንባርን ዘይምንባርን እዋን ከምትርከብ ይእመተልና ኣሎ። እቲ ትማሊ ከቢድ መስዋእቲ ብምኽፋል መሰል ርእሰ ውሳንኡ ዘረጋገጸ ህዝቢ ሎሚ ሹም ከም ዘይብሉ ንህቢ ፋሕብትን ኢሉ ግዳይ ሞት: ኣስር-ቤት: መሸጣ ናውቲ ኣካላት: ስሃራን ባሕርን ኮይኑ ይርከብ። ኣምበኣርከስ፡ እዚ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ህሞት ዝግበር ዘሎ ቃልሲ ኣንጻር ውልቀ ምልካዊ ስርዓት ህግደፍን ህንጸት ፍትሓዊትን ዲሞክራስያዊት ኤርትራን፣ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ገስጊሱ ዓወታት ክምዝገብ እኳ እንተኸኣለ፡ ዕላማኡ ክሃርምን ንስርዓት ህግደፍ ስንብራት ክገድፍ ዝኽእል ከይዲ ክመርሕን ግን ኣይከኣለን። እዚ ኸኣ እቲ እነካይዶ ዘለና ቃልሲ ሃጕፋት ስለ ዘለዎን መሰረታዊ ገምጋማውን ጽገናውን መስርሕ ክሓልፍ ስለዘይካኣለን እዩ።
እምበኣር፡ እቲ ጉዳይ በሲሉ ኣሎ:: ህዝብና ዘሳትፍ ቃልሲ ከካይድን ሓንሳብን ንሓዋሩን መቁሕ ህግደፍ ሰቢርና እታ ክሳብ ሕጂ ኣብ ሕልምና ጥራይ ቀሪጽናያ ዘለና ፍትሓዊት ኤርትራ ክውንነታዊት ክንገብራ መታን እዋን ዝሓትና ዘሎ ስሩዑን ስጥሙን ቃልሲ ከነካይድን ከምቲ ናይዚ ዓመት እዚ ጭርሖ ዝብሎ ዘሎ “ዓወት ውጹዕ ህዝብና፡ ብሓባራዊ ቃልስና!” ኢዩ እሞ፡ እታ ብዘይ ሓባራዊ ቃልስና ክትርከብ ዘይትኽእል ሃገርና እንዳኣቋመትና ነቲ ስጉሚ ክንፍልም ይላቦ።
ዓወት ንፈስቲቫል 2016 ሰዲሓኤ
ዘልኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንሰማእታትና
ዓወት ንፍትሓዊ ዲሞክራስያዊ ቃልስና