ደምዳሚ መግለጺ ሳልሳይ ጉባኤ ዞባ ኤውሮጳ ሰ.ዲ.ህ.ኤ. 2016
2016-08-18 22:46:19 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2630 timesካብ መላእ ጨናፍራት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሃገራት ኤውሮጳ ዝተወከሉ ኣባላት ዝተሳትፍዎ ጉባኤ ዞባ ኤውሮጳ ብዕለት 11/08/2016 ንሁር ናይ ቃልሲ መንፈስ ኣብ ዝዓሰሎ ”ትካላዊ ኣስራርሓን ዲሞክራስያዊ ተመክሮን ንምሕያል ንቃለስ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭርሖ ተኻይዱ። እዚ ንፈስቲቫል 2016 ኣብ ዝተዳለወሉ ኣዳራሽ ዝተኻየደ ጉባኤዚ፡ ኣብ ግዚያት እቲ ብርክት ዝበሉ ምሁራት ኤርትራውያን መጽናዕትታቶም ዘቕረብሉ፡ ኣብ መንጎ ተቓለስቲ ውድባት ሓድ-ሕድ ምትእምማን ንምፍጣር ንክዓዝዝ ብሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተዳለወ ዋዕላ ብምንባሩ ብኣወንታዊ ጽልዋን ኣታባባዒ ፍናን ቃልስን ተስፋን ዝህብ ተሓጊዙ ኢዩ።
3ይ ጉባኤ ዞባ ኤውሮጳ፡ ብኣቦመንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ፡ ብናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ቃል ተኸፊቱ። ምልኣተ-ጉባኤ ከም ዝተረኽበ፡ ድሕሪ ምርግጋጽ ድማ፡ ኣቦ መንበር ዞባ ሽማግለ ኢውሮጳ፡ ብስም መሳርሕቱ ንጉባኤ ሓጺር መግለጺ ኣቕረበ። ኣብ መግለጺኡ ድማ፡ ንካባና ዝተፈልዩ ገዳይም ተቃለስቲ ሓብትና ጻዕዳ.... ስዉእ ኣልኣዛር ቀለተን ክብሪ ናይ ሓደ ደቒቅ ሕልናዊ ዝኽሪ ገይሩ ። ቀጺሉ ኣብ ጉዕዞ ሽማግለ ብዙሕ ኣሳልጦታት ከምዝተጨበጡ እናኣመልከተ ጉባኤ ብዕቱብ ከስተብህለሎምን ክቃለሰሎምን ዘለዎም ዕንቅፋታት ከም ዝነበሩ ውን ኣመልኪቱ።
ካብዚ ቀጺሉ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ውድባዊ ጉዳያት፡ ሓው ተስፋይ ወልደሚካኤ (ደጊጋ) መሳጥን መሃርን መግለጺ ንጉባኤኛ ኣቕሪቡ። ኣገዳስነት ዞባ ኤውሮጳ ኣብ ፖለቲካውን ቁጠባውን ሂወት ሰልፊ ወትሩ ዕዙዝ ከምዝኾነን፡ ነቲ ከነዐዉቶ ዘሎና ዕላማ ከነዐዉት ክቕጽልን ክሓንን ከምዝግባእ ኣዘኻኺሩ። ከምቲ መሪሕ ጭርሖ ጉባኤኹም ዝብሎ ዘሎ ጌና ዝስራሕ ከም ዘሎና ስለ ዝሕብር ኣብ ኩሉ ትካላዊ ጽፍሒታት ሰደህኤ.፡ ንጉባኤታት ከም መሳርሒ ዲሞክራስያዊ መስርሕና ከምዝኾነ ኣርእዩ። ኣብ ብቅዋም ዝተወሰነሎም ግዜ ክካየዱ ዝግባእ ምዃኑ ኣረዲኡ። ኩሉ ጉድለታትናን ምልኣታትና ብዘይ ንሓፍነት እንበሃለሎም ክኾኑን፡ ኩሉ ርስሓትና እንሓጽበሎምን ጸሪና ብሓደ ሓዲሽ መንፈስ እንወጸሎምን ክኾኑ ስለ ዘለዎም ጉባኤኹም ውን ነዚ መሲሉ ክወጽእ ዘሎኒ ተስፋ ወሰን የብሉን ብማለት ዘረባኡ ደምዲሙ።
ኣብ ምምራሕ ዝነበረት ዞባ ሽማግለ ሙሉእ ጸብጻባ ድሕሪ ምቕራባ፡ ጉባኤኛ ንስራሓት ጉባኤ እተማሓድር ሰክረታርያ ካብ ውሽጡ መሪጹ። እዛ ብሓው ዓንደጼን ግርማይ እትምራሕ ሰክረታርያ ጉባኤ ዝምረሓሉ ቅጥዒታት ኣውጺኣ ንጉባኤ ብጽፉፍ ትካላዊ ኣገባብ መሪሓቶ።
ጉባኤኛ፡ ንዝቐረበሉ ጸብጻብ ሽማግለ ዞባ ገለ ምእራማት ብምግባር ከም ዘለዎ ተቐቢልዎ። ሽማግለ ዞባ ንኹሉ ኣብ ጉዕዞኣ ዝነበሩ ሓጎጽጎጻት ሰጊራ ንዞባ ናብ ጉባኤ ምብጻሓ ተሞጒሳ። ኣቀራርባ ጸብጻብ ሽማግለ ብሩህን ግዜ ዘየባኽንን ኮይኑ ምቕራቡ ውን፡ ጉባኤ ኣብ ልዕሊ ዝነበረት ሽማግለ ዞባ ዘለዎ ናእዳ ኣመዝጊቡ።
ጉባኤኛ፡ ”ትካላዊ ኣስራርሓን ዲሞክራስያዊ ተመክሮን ንምሕያል ንቃለስ” ንዝብል ጭርሖ ሳልሳይ ጉባኤ ዞባ ኤውሮጳ ንምትግባር እሙን ኮይኑ ክርከብ ከምዝግባእ ኣረጋጊጹ። ውድባዊ ዓቕሚ ሰልፊ ንምዕባይን፡ ራእይ ሰልፊ ንምስፋሕን ከይተሓለለ ክሰርሕ ምዃኑ ውን ደጊሙ ኣረጋጊጹ።እዚ ታሪኻዊ ሙዉቅ ልዙብ ጉባኤ ዞባ ኤውሮጳ ዓመተ 2016 -2017 ካብ መሰረታት ዝቀረቡ ኣገደስቲ ለበዋታት መሊኡን ኣትሪርሩ ክትግበሩ ዘሎዎም ስርዒታውን ምጣኔ ሃብታውን ዉሳኔታት ብሙሉእ ድምጺ ኣስሚርሉ። ብፍላይ ከኣ ሰዲህኤ. በቲ ንቑሕ መትከላዊ ቅዋሙን ራኢኡን ሰላማዊ ኣገባብ ብልዝብ ምስ ኩሉ ኤርትራዊ ደላይ ፍትሒ ንምዕኳኽ ዝጻወቶ ዘሎ ተባዕ መሪሕነቱን ኣሞጒሱ። ኣስዒቡ ከኣ ነቲ ብሰንኪ ዉልቀ መላኺ ስርዓት ኣስመራ ብሓፈሻኡ ኣብ ልዕሊ ዉጹዕ ህዝብና ፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ልዕሊ ተቐበልቲ ሕድሪ ዝኾኑ ዝተበደሉ መንእሰያትና ዝወርድ ዘሎ ሕሰም፥ ዓዛብ፥ ጭውያን ህልቂትን ብትሪ ኮኒኑ፡ ክሳብ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝብና ዝዕወት ዕጥቁ ክድርብ ወሲኑ።
ኣብ መወዳእታ፡ ንመሪሕነት ዞባ ዝወዳደሩ ብሓጻይት ሽማግለ ዝቐረበ ናይ 11 ዝርዝር ኣስማት ቀሪቡ። ካብ ዉሽጢ እቶም ዝቐረቡ ሕጹያት ድማ ጉባኤ ክልተ ደቀ-ኣንስትዮን መንእሰያትን ዝርከከብዎም ሸውዓተ ቀወምቲ ኣባላትን ክልተ ቀዳማይን ካልኣይን ተጠባበቕትን ንዓመተ 2016 -2017 ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ መሪጹ ብዝኽረ ስዉኣት ጉባኤኡ ዛዚመ።
”ትካላዊ ኣስራርሓን ዲሞክራስያዊ ተመክሮን ንምሕያል ንቃለስ”
ነባሪ ክብርን ዝኽርን ንጀጋኑ ስዉኣትና !!!
ውድቀት ንዉልቀ መላኺ ስርዓት ህግደፍ.
ፍራንክፎርት ዕለት 11-08-2016