ኣቦመንበር ሰደህኤ “ደድሕሪ ውልቃዊ ስምዒታት ኣይንኸይድን ኢና” ኢሉ
2016-04-04 12:52:53 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP News Read 5542 timesኣቦመንበር ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣብቲ ብ2 ማዝያ 2016 ኣብ ፓልቶክ መስመር፡ ስመር-ኦፊሺያል ዘካየዶ ክፉት ኣኼባ፡ ነቲ ንሰውራ ኤርትራ ብሽፍለት ክገልጽን ንስዉኣትና ከነኣእስን ዝደናደን ዘሎ ስምዒታት ብዝምልከት ኣብ ዝቕረበሉ ሕቶ ክምለስ እንከሎ፡ ሰደህኤ ደድሕሪ ናይ ውልቀሰባት ስምዒት እንዳኸደ ኣዋጃት ከም ዘየውጽእ ጠቒሱ፡ መርገጹ ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ንጹር ምዃኑ ግብራዊ ጉዕዞኡን ሰነዳቱን ከም ዝምስክር ገሊጹ። ኣስዒቡ ስዉኣትና ኣበየናይ ውድብ ነይሮም ብዘየገድስ ሰማእታትና ምዃኖምን፡ ውድባት ኤርትራ ንናጽነት ኤርትራ ዝተቓለሳ፡ ነናተን ድኹምን ሓያልን ጐኒ ዝነበረን ምዃነን ኣብሪሁ።
ሓው መንግስተኣብ ኣብዚ ክፉት ሓፈሻዊ ኣኼባኡ ሰነዳት እንዳጠቐሰ ናይ ሰልፉ፡ መጻኢ ራኢ፡ ግደኡ ኣብ ምርግጋጽ ሓድነት ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራን ንጥፈታት ናይ ነፍሲ ወከፍ ኣብያተ-ጽሕፈት ናይ ሰደህኤ ኣብሪሁ። ኣብዚ መግለጺኡ ሰደህኤ ክትህነጽ ዝጽበያ ናይ ጽባሕ ኤርትራ፡ ፖለቲካዊ ስልጣንን ሃገራዊ ሃብትን ንኹሎም ዜጋታት ብማዕረ ዝመቓራሓላ፡ ዘጋጥም ፍልልያት ኣብ ሰላማውን ደሞክራስያውን መድረኽ ዝፍተሓላ ሃገር ምዃና ኣብሪሁ። ኣብዚ መግለጺኡ እቲ ክሳብ ሕጂ ሓይልታት ተቓውሞ ኣብ ሓደ ንምምጻእ ዝተገብረ ጻዕርታት ከም ዘይተዓወተ ብዝርዝር ገሊጹ። ካብዚ ወጥሪዚ ንምውጻእ፡ ሕጂ እውን ነዚ ዛዕባዚ ቀዳምነት ሂብና ክንሰርሓሉ ህልዊ ኩነታትና ይጠልበና ከምዘሎ ኣነጺሩ። ኣተሓሒዙ ድማ ጸገምና ሕጽረታትና እንታይ ምዃኑ ናይ ምልላይ ኣይኮነን፡ ምኽንያቱ ቅድሚ ሕጂ ክሳብ 21 ዝበጽሑ ጸገማት ከም ዘለዉና መራሕቲ ውድባት ብሓባር መዚና ኢና ምስ በለ፡ እቲ ጸገም ነቲ ከም ሕጽረት ዝመዘንካዮ ነጥቢ ክትፈትሕ ውፉይ ዘይምዃን እዩ ኢሉ። ኣተሓሒዙ ድማ ነቲ ሰደህኤ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት፡ ኣብ ምቅላዕ ጉጅለ ህግደፍን ሕብረተሰብ ዓለም ብዛዕባ ኤርትራ ግቡእ ንባብ ንክህልዎ ዝቐርብ መዘክራትን ከም መርኣያ ንጥፈታት ሰልፊ ዘዚሩ።
ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ንኣገባብ ቃልሲ ብዝምልከት ኣብ ዝቐረበሉ ሕቶ፡ ንስነፍጠታዊ ቦታ ዘይጐነጻዊ ኣገባብንን ኣውንታዊ ግደኡ ኣብ ተመኩሮ ናይ ብዙሓት ሃገራትን ብዝምልከት ኣብሪሁ። እንተኾነ ዝተፈላለዩ ወገናት ከካብ ናቶም ዕግበትን ሚዛንን ነቒሎም ንዝመርጽዎ ጐነጻዊ ኣገባብ፡ ሰደህኤ ናይ ምኽልካሉ ዓብላሊ ድምጺ ((veto power) ከምዘይብሉ ኣረዲኡ። ኣተሓሒዙ ከኣ ሓደ ክሰሓት ዘይግበኦ፡ ሓደ ፖለቲካዊ ጸገም ዜሩዜሩ ቀጻልን ዘተኣማምንን መፍትሒ ዝረክብ ኣብ ክቢ ጠረጴዛ ብዝግበር ዘተ ምዃኑ ናይ ቀረባ ተመኩሮታት ሊብያን ካልኦት ሃገራትን ብምጥቃስ ኣነጺሩ። እዚ ንክኸውን ግና ኣቐዲምካ ድልዱል ውዳበ ክትውንን ምኽኣልን ዘይምኽኣልን ዓብይ ግደ ከም ዘለዎ ኣይሓብአን።
እዚ ኣብዚ ናይ 2 ማዝያ ኣኼባ ካለኦት ሕቶታትውን ዝመለሰ፡ ኣቦመበር ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም ብ19 መጋቢት 2016 እውን ኣብ ፓልቶክ መስመር ስመር-ቁጽሪ ሓደ፡ ኣብ