ሰደህኤ ኢጣልያ ጉጅለ መንእሰይ ክንፊ ህግደፍ ኣብ ሮም ፈስቲቫል ከካይድ ብምፍቃዳ ቅር ክምዝብሎ ገሊጹ

2016-03-30 13:22:37 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP News Read 2596 times

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኢጣልያ፡ ፓውሎ ጀንቲሎኒ መዘክር ልኢኹ። ኣብቲ ዝለኣኾ መዘክር፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢጣልያ ዘለዎ ቅሬታ ገሊጹ። እዚ ብ27 መጋቢት 2016 ዝወጸ መዘክር፡ ንወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተርን መንግስትን ኢጣልያ፡ ጉጅለ መንእሰይ ህግደፍ፡ ናይ መንግስቲ ኣስመራ ናይ ፕሮፓጋንዳን ስለያን ኣካል ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ካልእ ዕማም ከም ዘየብሉ ሓቢሩ። በዚ መሰረት ዓመታዊ ፈስቲቫላቱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ ዝዕደምሉ ምዃኑ ገሊጹ። እቲ መዘክር ኣተሓሒዙ ናይቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ ኣብዚ ፈስቲቫላት ናይ ምስታፍ ዕላማ፡ ኤርትራ ንዝመበቆሎም ንጹሃት ኤውሮጳውያን ቆልዑ፡ ብናይ ህግደፍ ናይ ጽልኢ ፕሮፓጋንዳ ንምምራዝን ንምክፍፋልን ምዃኑ እቲ ጠቒሱ።

 

እቲ ናይ ሰደህኤ መዘክር፡ እቲ ጉጅለ መንእሰያት ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዘመን ናይ ግዜ ሂትለር ዝበሃል ዝነበረ “መንእሰያት ኢሳይያስ” እንዳተባህለ ከም ዝጽዋዕ ኣቃሊዑ።

.

እቲ መዘክር ብምቕጻል መንግስቲ ኣስመራ ንመንእሰያት፡ ከም መፈራርሒ ነቶም ኣንጻሩ ብጋህዲ ዘቃልዑ ወገናት ከም ዝጥቀመሎም ብምጥቃስ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ሓደ ካብ ላዕለዎት መራሕቲ እዚ ጉጅለ መንእሰያት ህግደፍ፡ ኣብ ልዕሊ ሆላንዳዊት ፕሮፈሶር ሚርያም ቫን ረይዘን፡ ነቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዝፍጽሞ በደል ንምቅላዕ ዘካይደኦ ጻዕርን ጠጠው ንምባሉ ብኣካልት ህግደፍ ዝተገብረ ፈተነን ከም ኣብነት ኣስፊሩ።

.

ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ናይ ከተማ ሮም ተረኽቦ፡ ነቶም ንለውጥን ደሞክራስን ዝቃለሱ ኤርትራውያንን ኢጣልያውያንን ዘሰንብድ እዩ ኢሉ።

 

እዚ ብናይ ሰደህኤ ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዝምድናታት ዝውጸ መዘክ፡ እቲ ኣብ ኢጣልያ ንዓመታዊ ፌስታ ዝእከብ ጉጅለ መንእሰያት ህግደፍ፡ ብህግደፍ ጅሆ ዝተታሕዙ ስድራቤታት’ውን ከም ዝርከብዎም ጠቒሱ፡ እዚኣቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዎም ረብሓ ንምውሓስ ኣብ ኤውሮጳ ምስ ዘለዉ ኢምባሲታት ህግደፍ ርክብ ከም ዘለዎም ሓቢሩ።

 

እቲ መዘክር ኣብ መወዳእታ፡ መንግስቲ ኢጣልያ ምስቲ ናይ ምዝመዛን ምፍርራሕን ምትእኽኻባት ዝገብሮ ምትሕብባር ንከቋርጽ ተማሕጺኑ።

Last modified on Wednesday, 30 March 2016 15:27