ሰዲህኤ ኣብ ስቶክሆልም ህዝባዊ ኣኼባ ኣካይዱ

2015-10-31 22:55:51 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2969 times

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ኣብ ዕለት 31 ጥቅምቲ 2015 ክፉት ናይ ህዝቢ ኣብ ስቶክሆልም፡ ርእሰ-ከተማ ሽወደን ኣኼባ ኣካይዱ። ሓው ረዘነ ተስፋጽዮን፡ ኣባል ፈጻሚ ሽማግለን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ጕዳያትን፣ ሓውቲ ገርጊስ ነጋሽ: ሓውቲ ኣልጋነሽ ኢሳቕን ሓው ነጋሲ ሓምደን ኣባላት ማእከላይ ባይቶን ኣብ'ቲ ኣኼባ ተኻፊሎም ነይሮም።

 

ሓው ዶክተር ሃብተሚካኤል ተኽለብርሃን፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶን ኣቦ መንበር ጨንፈር ሰዲህኤ ስቶክሆልምን ከባቢኡን ናይ ምስጋናን ናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። ብድሕር'ዚ፥ ኣጀንዳታት ኣኼባ ብዛዕባ ሃለዋት ሃገርናን ህዝብናን፡ ሃለዋት ደምበ ተቓውሞን ንጥፈታት ሰዲህኤን ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር መድረኽ ንኣቦ መንበር ሰዲህኤ ገዲፍሉ።

Pictures from Stockholm 1

ሓው መንግስተኣብ፡ ንውሽጣዊ ሃለዋት ሃገርና ኣመልኪቱ፡ ኤርትራ፡ ግዝኣት ሕጊ ይኹን ፍትሒ ዘይብላ፡ ዝሰርሑ መንግስታዊ ትካላት ዝበዀረላ፡ ሕረስ ሓረስታይ ንገድ ነጋዳይ ዝብል ናይ ብሕታዊ ጽላት ፖሊሲ ዘይትኽተል፡ ምስ ጐረባብታ ሰላምን ስኒትን ዘይብላን ካብ ዓለም ተነጺላ ትነብር ሃገር ምዃናን ኣብሪሁ።

 

ኣስዒቡ፡ ከም ሳዕቤን ናይ'ዚ ሃለዋት'ዚ ቍጣባ ኤርትራ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናንቆልቆለ ይኸይድ ምህላዉ ሓቢሩ። ሕጽረት መግቢ፡ ማይ፡ ጽዓትን ናይ ወጻኢ ሸርፊን መግለጺ ቍጠባዊ ኵነታት ኢዩ ክብል ኣስሚርሉ። ዝበዝሐ ህዝቢ ኤርትራ ተዋፊርሉ ዘሎ ስራሕ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ህዝባዊ ምልሻ፡ ዑቝር ሰራዊትን ብዝብል ዝተፈላለየ ኣስማት ዝጽዋዕ ውትህድርናዊ ስራሕ ኢዩ ኢሉ።

Pictures from Stockholm 2

ትምህርታውን ሕክምናውን ኣገልግሎት እውን ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናንቆልቈለ ይኸይድ ምህላዉ ጠቒሱ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ብስእነት ብቕዓት ዘለዎ ትምህርትን ብስእነት ሕክምናዊ ኣገልግሎትን ይሳቐ ኢዩ ዘሎ። እቲ ገንዘብ ወይ ከኣ ስልጣን ዘለዎ ኣብ ሱዳን ከይዱ ክሕከም ኢዩ ዝርአ ዘሎ።

 

ከም ወጽኢት ናይ'ዚ ሃለዋት'ዚ ኤርትራውያን ናይ መጻኢ ዕድሎም ጸልማት ኰይኑ ስለዝተሰምዖም ዝፈትውዋ ሃገሮምን ዝፈትዉዎ ህዝቦምን ገዲፎም ንስደት ከምርሑ ይግደዱ ኣለዉ ኢሉ።

Pictures from Stockholm 3

ስርዓት ኢሳያስ፡ ነዚ ጽሓይ ዝወቕዖ ሓቂ ንምኽዋል ጠንቂ ቍጣባዊ ቅልውላው ኤርትራ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሃገርና ዘንበሮ ማዕቀብ ምዃኑን ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ንመነባብራኦም ንምሕያሽ ኢሎም ይስደዱ ከምዘለዉን ኢዩ ከረድእ ዝፍትን ዘሎ። ባይቶ ጸጥታ ዘንበሮ ማዕቀብ ግን፡ ናይ ኣጽዋርን ናይ ምንቅስቓስ እገዳ እምበር፡ ኣብ ንግዳዊ መዳይ ዝገበሮ እገዳ ከምዘየለ ገሊጹ።

 

ንደምበ ተቓውሞ ኣመልኪቱ ብዓቐን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናዓበየ ይኸይድ ምህላዉ ኣብሪሁ። ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ይኹን ኣብ ግዳም ዝተኸየዱ ተቓውሞታት ውን ሓደ ብሓደ ዘኪሩ። ካብ ኤርትራ ናይ ምውጽእ ዕድል ዝረኸበ ስፖርተኛ፡ ተመሃራይ፡ በዓል ስልጣን በብዝኸዶ ምትራፍ ልሙድ ተርእዮ ኰይኑ ምህላዉ ኣሚቱ።

 

ምስ'ዚ ኵሉ ግን፡ ደምበ ተቓውሞ ጥርኑፍ ስለዘይኰነ ኣድማዒ ተራ ክጻወት ኣይከኣለን ኢሉ። ደምበ ተቓውሞ ቀዳምነታቱ ኣብ ምንጻር ጸገም ከምዝጸንሖ፡ ኣብ መንጐኡ ናይ ሕድሕድ ምትእምማን እናበረኸ ምኻዱ ገለ ካብ'ቶም ሕጽረታቱ ምዃኖም ኣሚቱ።

 

ነዚ ንምስጋር፡ ኣብ ተግባራዊ ናይ ሓባር ስርሓት ምእታዉን በቶም ዝቀራረብ መደብ ዕዮታት ዘለዎም ውድባት ምጅማሩ ኣድላዪነቱ እናዓዘዘ ይመጽእ ከምዘሎን ኣረዲኡ።

ኣባላት ተቓወምቲ ውድባት ድማ ኣብ ዘዘልዉዎ ከተማታት ብሓባር እናሰርሑ ነቲ ኣበየቦታኡ ዝበጋገስ ዘሎ ህዝባዊ ምጥርናፋት ከተባብዑ ጸዊዑ። ከምኡ ምስ ዝገበሩ፡ ተጸበይቲ ጥራሕ ዘይኰኑስ፡ ኣብ ልዕሊ ውድባቶም ጸቕጥታት ብምግባር ንሓባራዊ ስራሕ ክድርኹ ይኽእሉ ኢዮም ኢሉ።

 

ኣብ መወዳእታ፡ ንንጥፈታት ሰዲህኤ ብዝምልከት፡ ምስ ዝተፈላለዩ ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ካዕባዊ ርኽክባት ከካይድ ምጽናሑ ዝፍለጥ ኢዩ። ኣብ'ዚ ቀረባ እዋን ድማ ምስ ተሓኤ፡ መድረኽን ግንባር ሃገራዊ ድሕነትን ውን ርክባት ጀሚሩ ምህላዉ ሓቢሩ።

Pictures from Stockholm 4

ሰዲህኤ፡ ኣባል ገስጋሲ ምሕዝነትን ተዓዛቢ ኣባል ሶሽያሊስት ኢንተርናሽልን ምዃኑ ንደምበ ተቓውሞ መኽሰብ ምዃኑ ኣብሪሁ። ኣስዒቡ፡ ሰዲህኤ ኣብ ጕዳይ ስደተኛታት ዝገብሮ ንጥፈታት ብዝርዝር ጠቒሱ።

 

ብድሕር'ዚ ኣኼበኛታት፡ ብዛዕባ ኣድላይነትን ህጹጽነት ሓባራዊ ስራሕ ብፍላይ ኣብ መንጐ'ቶም ዝመሳሰል መደብ ዕዮታት ዘለዎም ውድባት፤ ከምኡ'ውን፡ ሕብረት ኣውሮጳ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ ዝህቦ ናይ ልምዓት ሓገዝ ደው ንምባል ተቓወምቲ ውድባት ሓቢሮም ክሰርሑ ጻውዒቶምን ምሕጽንታኦምን ኣቕሪቦም።

 

ኣብ መወዳእታ ናይ ሕቶ፡ ርእይቶ፡ ለበዋታትን መልስታት ምሃብን መድረኽ ተኸፊቱ ምውቕ ክትዓት ድሕሪ ምክያድ ኣኼባ ናይ ምርድዳእ ሃዋህው ብዝሰፈኖ ኣገባብን ብዝኽሪ ሰማእታትን ናብ መፈጻምታኡ በጺሑ።

Last modified on Tuesday, 03 November 2015 20:55