ቃል ደገፍ ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣብ ካልኣይ ጕባኤ ሰዲህኤ
2015-07-19 19:35:40 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2606 timesክቡር ሓው መንግስትኣብ ኣስመሮም፡ ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
ክብርቲ ኣደመንበር ኣሰናዳኢት ሽማግለ 2ይ ጉባኤ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
ብዕለት 15/7/2015 ኣብ ከተማ ጎንደር ዝጋባእ 2ይ ጉባኤ ሰልፊኹም ክንሳተፍ ዝተከልና ምሕዝነታዊ ዕድመ፡ ፈጻሚ ኣካል ውድብና ተቐቢሉ ብኣካል ክንሳተፍ ከም ዝረኣየ ኪሕብረኩም እፈቱ። የግዳስ ብዝተፈላለዩ ርዱኣት ምኽንያታት፡ ኣብ መጋባእያ ድሙቕ ጉባኤኹም ብኣካል ክንሳተፍ ብዘይምኽኣልና ዝስማዓንና ቅሬታ ክገልጸልኩም እፈቱ።
ዲክታቶርያዊ ስርዓት ሓደ ሰብኣይ ናብ ውድቀት ኣብ ዝመሰረሓሉ ዘሎ ተሃዋሲ ኩነታትን፡ ተቓውሞ ሓይልታት በብጊዜኡ ኣብ ዓሚቕ ሕድሕድ ዘይምትእምምን ብምሽማምን፡ ኣብ ቅድሚ ህዝብናን ኣህጉራዊ ማሕበረ ሰብን፡ ናይ ዲሞክራስያዊ ለውጢ ፖለቲካዊ ስርሒት ዝመርሕ ጭቡጥ ትጽቢት ለውጢ ዝንበረሉ ዝተቐረበ ሰፊሕ ህዝባዊ ባይታ ዝሓዘ ስሙርን ዱልዱልን ሓይሊ ኣብ ዝበዀረሉ ኩነታት’ዩ፡ 2ይ ጉባኤኹም ዝካየድ ዘሎ።
ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ኣብ 2ይ ጉባኤኹም ዘቐምጦ ርዝነት ሓላፍነት’ምበኣር፡ ብርግጽ በዚ መንጽር’ዚ’ዩ ዝርእዮ። ጉባኤኹም ሃገራዊ ርዝነትን ሓላፍነትን ኣሎዎ ማለትና’ዩ።
ክቡር ኣቦመንበር
እዚ 2ይ ጉባኤኹም’ዚ፡ ኣብ ርእሲ ውድባዊ መዳያቱ፡ ብሃገር ደረጃ፡ ሕቶ ሓድነት ህዝቢ ኤርትራን፡
ሕቶ ምሕዝነት ተቃውሞ ሓይልታትን፡ ሕቶ ደረኽቲ ሓይልታት ተቓውሞን ኣብ ዕዮኡ ከም ዝሰርዕ ንኣምን። ስለ ዝኾነ ከኣ ተደላይነት ገድላዊ ምሕዝነታዊ ባይታ ዘስፊሕ ውሳኔታት ከም ዝውስን ጽኑዕ ዕግበትና ንገልጸልኩም። ዓወትን ኣሳልጦን ድማ ንምነየልኩም።
ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ፡ ንህዝብን ሃገርን ከቢብዎ ዘሎ ሓደጋታት ብስሙር ተቓዋሚ ሰፊሕ ሓይሊ ናይ ምግጣሙ ወድዓዊ ተደላይነትን ታሪኻዊ ሓላፍነትን ብንቕሓት ብምርዳእ ብሓደ ሸነኽ፡ ምእንቲ’ዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ጉባኤኹም ዘንበሮ ሓቀኛ ዕግበት ድማ በቲ ካልእ ሸነኽ፡ ክልቴኣዊ ምሕዝነታዊ ገድላዊ ዝምድና ንምብራኽ ዘሎዎ ሓቀኛ እምነትን ቅሩብነትን ይገልጸልኩም።
ደጊምና ዓወት ንምነየልኩም።
ዓብደላ ማሕሙድ
ክንዲ/ ፈጻሚ ኣካል ግንባር ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ
12/7/2015