ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ብዛዕባ ሱዳን ዝሓደሮ ስግኣት ገሊጹ

2026-02-22 13:51:28 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 156 times

ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO)፡ ብ21 ለካቲት 2026 ብዘውጸኦ መግለጺ፡ ኣብ ሱዳን ዘሎ መስርሕ ኣገልግሎት ሕክምና ጠቕሊሉ ከይዓኑ ዘለዎ ስግኣት ኣፍሊጡ። እቲ ምዕናው ትካላት ብሰንክቲ ህይወት ብዙሓት ዝበልዕ ዘሎ ደብዳብ ነፈርቲ ምዃኑ’ውን ሓቢሩ።

 እቲ መግለጺ ኣተሓሒዙ፡ ኣብዛ ሒዝናያ ዘለና ወርሒ ለካቲት ጥራይ፡ ኣርባዕተ ግዜ ኣብ ልዕሊ ትካላት ጥዕና መጥቃዕቲ ከም ዝተፈጸመ’ውን ኣስፊሩ። ካብቲ መጥቃዕትታት እቲ 3  በቲ ዕጡቕ ተወርዋሪ ሓይሊ (RSF) ኣብ ኮርድፋን ዝተፈጸመ ምዃኑን ብሰንኩ 30 ሰባት ከም ዝሞቱን ጠቒሱ፡ እቲ ራብዓይ ድማ ማዝሞም ኣብ ዝተባህለ ሆስፒታል ዝተፈጸመ እዩ ኢሉ።

ትካል ጥዕና ዓለም ኣብ ናይ X ገጹ ቃልብቓል ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ “ኣብ ልዕሊ ትካላት ጥዕና ሱዳን ዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕቲ ቀጻሊ እዩ፡ እዚ ድማ ትካላት ጥዕና ምሉእ ብምሉእ ናብ ዕንወት ዘብጽሕ ከይከውን ዘስግእ እዩ” ይብል። ኣተሓሒዙ ድማ እቲ መጥቃዕትታት ሞት ተዓቚቦም ዝነበሩ ሕሙማትን ኣለይቶምን ኣብ ርእሲ ምስዓቡ፡ ነቲ ትካላት እውን ከም ዝፍረሶ ሓቢሩ።

ብኻልእ ወገን ድማ ብመሰረት ኣብ ወርሒ ለካቲት 2026 ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ብዝምልከት ዝተዘርገሐ ጸብጻብ፡  ኣብ ሱዳን 4.37% ትካላት ጥዕና ምሉእ ብምሉእ ኣገልግሎት ከም ዘቋረጸ፡ እቲ ዝተረፈ 63% ድማ ኣዝዩ ድሩት ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ከም ዝርከብ ሓቢሩ። ብሰንክ’ቲ ኩነታት ብፍላይ ነፍሰ ጾራትን ህጻናትን ኣገልግሎት ከምዘይረኽቡ ኣፍሊጡ።

ትካል ጥዕና ዓለም ኣብዚ ሕዚናዮ ዘለና ዓመት፡ 4.9 ሚልዮን ተመዛቢሎም ዝጸንሑን 8.1 ድማ ህጽናትን ኣደታትን ዝርከብዎም 20.4 ሚልዮን ሰባት ኣገልግሎት ጥዕና ንምሃብ 97.7 ሚልዮን ዶላር ከም ዝደልዮ ኣብቲ መግለጺኡ ጸዊዑ።

Last modified on Sunday, 22 February 2026 14:54