ሩቢዮ ኢትዮጵያ ሰራዊት ክትልእኽ ሓቲቱ

2025-12-20 22:06:59 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 450 times

ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ማክሮ ሩቢዮ፡

ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳይ ኣሜሪካ ማክሮ ሩቢዮ፡ ኢትዮጵያ ኣካልቲ ዓለምለኻዊ ዓቃብ ሰላም ክምስረት ትጽቢት ዝግበረሉ ዝኸውን ሰራዊት ናብ ጋዛ  ክትልእኽ፡ ናብ ኣብይ ኣሕመደ ደዊሉ ከም ዝሓተተ ተሓቢሩ። ብዛዕባቲ ጉዳይ ናይ ቀረባ ኣፍልጦ ዘለዎም ክልተ ኣሚሪካውያን ዲፕሎማት፡ “ዘታይም ኦፍ እስራኤል (The Times of Israel)” ንዘተባህለት  ጋዜጣ ከም ዝሓበርዋ ተገሊጹ።

ነዚ መበገሲ ዝኾነ፡ ፕረሲደንት ትራምፕ፡ ነቲ ን2 ዓመታት ኣብ ጋዛ ዝቐጸለ ውግእ ዘቋርጽ እዩ ብዝብል ዘውጸኦ 20 ነጥብታት ዝሓዘ እማመ ሰላም ንምትግባር ምዃኑ ኣብቲ ሓበሬታ ተጠቒሱ። እንተኾነ ብዙሓት ሃገራት እማመ ሰላም ትራምፕ፡ ዕጥቂ ምፍታሕ ሓይሊ ሓማስ ዘስዕብ ብምዃኑ፡ በቲ እማመ ሕጉሳት ስለ ዘይኮና፡ እማመ ፕረሲዳንት ትራምፕ  ተቐባልነት ንክረክብ ጋና ብዙሕ  ጻዕሪ ዝሓትት እዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ግብጺ ብወገና ኣቐዲማ ኣካል ናይቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝምራሕ ሓላው ሰላም ሰራዊት ናብ ጋዛ ክትሰድድ ቅርብቲ ምዃና ኣረጋጊጻ እያ። እዚ ከኣ ኢትዮጵያ ፈቓደኛ ኮይና ሰራዊት እንተ ኣሰሊፋ፡  ሰራዊት ክልቲአን ሕዱር ምስሕሓብ ዘለወን ሃገራት ፊትንፊት ዘፋጥጥ ከይከውን ዝሰግኡ ወገናት ድምጾም የስምዑ ኣለዉ።

ኢትዮጵያ ካብ ሃገራት ኣፍሪቃ ብብዝሒ ናብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዓቃብ ሰላም ካብ ዝልእካ ሓንቲ’ኳ እንተኾነት፡ ምስዚ ሎሚ ዘለዋ ዘቤታውን ዞባውን ብደሆታት፡ ነዚ ናይ ኣሜሪካ መጸዋዕታ ክትምልስ ትበቕዖ ድያ ኣይተበቕዖን ግና  ዘዛርብ ኮይኑ ኣሎ።

ብኻልእ ወገን ፓኪስታንን ኢንዶኑዚያን ናብ ጋዛ ሰራዊት ክሰዳ ቅሩብነት ኣርእየን ካብ ዘለዋ ሃገራት እየን። ምንጭታት ከም ዝጠቕስዎ ድማ፡ ጸሓፊ ወጻኢ ጉዳይ ማክሮ ሩቢዮ፡ ብዛዕባ መጻኢ ምምሕዳራውን ገንዘባውን ኩነታት ናይቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣፍልጦ ረኺቡ ኣብ ጋዛ ክዋፈር ዝሕሰብ  ዓቃብ ሰላም ሰራዊት መብርሂ ክህብ ትጽቢት ኣሎ።

Last modified on Saturday, 20 December 2025 23:13