ዝኽሪ ህልቂት 30 ሕዳርን 1 ታሕሳስን 1970

2025-12-01 17:13:31 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 435 times

ካብ መዛግብ ሰዲህኤ ዝተወስደ ምስሊ

ናጽነት ኤርትራ ዋጋ ክቡር መስዋእቲ ህዝባን ተጋደልታን ኢዩ። ከምቲ ገለ ህርፋን ውግእ ዝሓደሮምን ደቆምን ነብሶምን ኣብ ውግእ ዘየሰልፉ ህልቂት ህዝብታት ዝሓልሙ ኢትዮያውያን ዘጉባዕብዕዎ ዘለዉ፡  ነጻነት ኤርትራ ብግጉይ ኣተሓሕዛ ምምሕዳር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ብዝለዓለ ደረጃ ዝመርሖ ዝነበረ፡ መንግስቲ ኢህወደግ ብዘርኣዮ ግጉይ ኣተሓሕዛ ዝተጋህደ ዘይኮነ፡ ብኣንጻሩ ኣብ ርእሲቲ  ዝነበሮ ሕጋዊ፡ ታሪኻውን ፖለቲካውን ባይታ፡ ብናይ 30 ዓመታት መሪር ውግእን ቃልስን ከምኡ ድማ ብዝለዓለ ድምጺ ህዝቢ ኤርትራን ዝተረጋገጸ እዩ።

ኣብ 1970 ወተሃደራዊ ሓይሊ ኢትዮጵያ፡ ሰለስተ ክፍለ ሰራዊታት ነይረነኦ። እተን ክፍለ ሰራዊታት ቀዳመይቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ 2ይ ብስም የሰሜን እዝ ኣብ ኤርትራ 3ይቲ ድማ ኣብ ሃረር ዝዓስከራ እየን ነይረን።  ቅድሚ 55 ዓመታት ናይታ ኣብ ኤርትራ ሰፊራ ዝነበረት ክፍለ ሰራዊት ኣዛዚ፡ ጀነራል ተሾመ እርገቱ ይበሃል ነበረ። እዚ ጀነራል ኣሃዱታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ብ22 ሕዳር 1970 ኣብ መንገዲ ኣስመራ-ከረን ጥቓ ዒላብርዕድ፡ ብፍሉይ ኣብ መንጎ ሃብረንቃቓን ባልዋን ብዘካየደኦ ተባዕ ስርሒት ተቐቲሉ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ በቲ ዕዉት ስርሒት ሰራዊት ሓርነት ብዝሓደሮ ራዕዲ፡ ከምቲ “ዓንጾ ዓንጾ ንማዕጾ”  ዝበሃል፡  ነቲ ኣቐዲሙ ዝተለሞ ‘ዓሳ ንምጥፋእ ማይ ምንጻፍ’ ዝብል ዕላማኡ ንምትግባርን ናይቲ ጀነራል ሕነ ንምፍዳይን ኣብታ ሓንቲ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ “ጸላም መዓልቲ” እናተባህለት እትጥቀስ፡  30 ሕዳር 1970 በስከዲራ ኣብ እትበሃል ዓዲ፡ ዝኸፈአ  ህልቂት ብምፍጻም ሓደ ሺሕ ሰቪል ኤርትራውያን ኣብ ውሽጢ ቤት ክርስትያን ኣጒዱ ብናይ ጠያይት ዝናብ ታሪኽ ዘይርሰዕ  ህልቂት ፈጺሙ። ንጽበሓይቱ 1 ታሕሳስ ድማ ነቲ ጨፍጫፍ ኣብ ዖና ብዘይንሕስያ ደጊምዎ።

ብምስዚ ጨፍጫፍን ህልቂትን ዝተተሓሓዘ ብዙሓት ስድራቤታት ተበቲነን፡ ትካላት ህዝቢ ክፈርሳ እንከለዋ፡ መንበሪ ኣብይቲ ድማ ኮነ ኢልካ ብሓዊ ተቓጺሉ ዓድታት ነዲዱን ባዲሙን። እዚ ኩለ-መዳያዊ ህልቂት፡ ካብ ተዘክሮ ኤርትራዊ ዘይሃስስ ኮይኑ ዝተመዝገበ እዩ። እዚ ከም ናይ ርሑቕ ግዜ ፍጻመ ዝዝንቶ ዘይኮነ ናይ ቀረባ ግዜ ተዘክሮ እውን እዩ እሞ፡ ንኤርትራውያን ዘተክዝ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናብ ኢትዮጳውያን እውን መልኽቲ ዘመሓላልፍ ዘስካሕክሕ ፍጻመ እዩ። ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ሰውራዊ ባይቶ ካብዝነበሮ ሰፊሕ መረዳእታ ናይ መስዋእቲ ዋላዃ ምስ ሓያሎይ ኤርትራውያን ውድባት ኣብ ስምምዕ ክብጻሕ እንተዘይተኻእለ፡ ንባሕቲ ታሕሳስ ከም መዓልቲ ሰማእታት ክትዝከር ብ1987 ኣውጁ  ዘብዕላን ዘኽብራን ዝነበረ ከኣ፡ ብመንጽርዚ ምዃኑ ይዝከር።

Last modified on Monday, 01 December 2025 18:18