ኣመሪካ ኣብ ቅልውላው ሱዳን ሓድሽ እማመ ሰላም ኣቕሪባ
2025-11-08 13:23:23 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 69 timesኣመሪካዊ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ጉዳይ ኣፍሪቃ፡ ማሳድ ቤሎስ
ኣመሪካ እንተደኣ ተቐቢልዎ፡ እገዳ ከም ዝለዓለሉን ኣብ ሱዳን ወፍሪ ምውጻእ ማዕድናት ብውሑስ ንክካየድን ቃል ብምእታው፡ ውግእ ንምቁራጽ ዘኽእል እማመ ሰላም ናብ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ከም ዘቕረበት ምዕራባውያን ማዕከናት ዜና ሓቢረን። ብዛዕባቲ ዝርርብ ኣብ መንጎ ጀነራል ኣልቡርሃንን ኣመሪካዊ ኣማኻሪ ኣብ ጉዳይ ኣፍሪቃ ኣንበሳደር ማሳድ ቤሎስን ናይ ቀረባ ኣፍልጦ ዘለዎ ኣካል ብወገኑ እቲ ኣሜሪካ ዘቕረበቶ ሓድሽ እማመ ውሳነ ይጽበ ከም ዘሎ ኣረጋጊጹ።
ምስዚ ግና ብሰንኪ ኣብ መንጎ ዝተወሰና ኣብ ቅልውላው ሱዳን ኢድ ዘለወን እሞ ኣብቶም ዝዋግኡ ዘለዉ ሱዳናዊ ወገናት ብሓሳብ ዝፈላላያ ሃገራት ዓረብ ነቲ እማመ ስለ ዘይተሰማምዓ፡ ኣብ ግብሪ ንከይውዕል ቀንዲ ዕንፋት ብምዃኑ ግዝያዊ ተኹሲ ጠጠው ምባል ከምዘይተኻእለ እቶም ምንጭታት ጠቒሶም።
ናብቲ ጉዳይ ቀረባ ዝኾነ ሓደ ዲፕሎማት ከም ዝገለጾ፡ ኣሜሪካ ኣስማተን ከይጠቐሰት ብዛዕባ ሓደሓደ ነጥብታት ናይቲ ንሱዳን ዝምልከት ናይ ሰላም እማመኣ ምስ ዝተወሰና ሃገራት ኣብ ምዝርራብ ኣላ። ዋላ’ኳ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ሱዳን ብክልቲኦም ተዋጋእቲ ወገናት ይካየድ ዘሎ ዝለዓለ ተጻራሪ ምልዕዓልን ጐስጓስን ኣጸጋሚ እንተኾነ፡ እቲ ዲፕሎማት ግና እማመ ኣሜሪካ ክዕወትየ ዝብል ተስፋ ከም ዘለዎ ገሊጹ።
እቲ ዲፕሎማት ኣብ ሱዳን ሰላም ንምምጻእ ናይ ኩሎም ሱዳናዊ ወገናት ሓቢርካ ምዝታይ ወሳኒ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ሓደ ስሙ ዘይጠቐሶ ዕጡቕ ሱዳናዊ ጉጅለ ኣብ ግዝያዊ ስምምዕ ምቁራጽ ተኹሲ ንክኽትም ድልዊ ኮይኑ ከም ዝነበረ’ውን ሓቢሩ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ጀነራል ኣልቡርሃን ብወገኑ ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳንን ሓላፊ ልኡላዊ ኮሚተ ናይታ ሃገርን ኮይኑ ሃገር ናይ ምርግጋጽን ነቲ ተወርዋሪ ዕጡቕ ሓይሊ ናይ ምውጋድ ሓላፍነት ከም ዘለዎን ኣፍሊጡ ነይሩ። ኣልቡርሃን ኡምዱርማን ኣብ ዝተባህለ ቦታ ንኣዘዝቲ ሰራዊ ኣብ ዘስመዖ ቃል ስመን ንዘይጠቐሰን ሃገራን ነቲ ብጀነራል ዳጋሎ ዝምራሕ ተወርዋሪ ሓይሊ ምሕጋዘን ኣትሪሩ ከሲሱወን።
ብኻልእ ወገን ከኣ፡ ግብጺ እተወሃህዶን ኤርትራን ሱዕዲያን ዝሳተፍ ጉጅለ ብወገኑ፡ ምስ ጀነራል ኣልቡልሃን ብዘለዎ ውግንና መፍትሒ ይደሊ ኣለኹ ክብል እንከሎ፡ ኤመረትን ኢትዮጵያን ከምኡ እውን ኬንያ ዝርከበኦ ወገን ከኣ ነቲ ተወርዋሪ ሓይሊ ዘለዎ ውግንና ቀጻሊሎ።