ኤርትራውያን ኣብ ኬንያ ተታሒዞም
2025-11-04 09:04:25 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 24 timesናብ ኬንያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ኣትዮም ዝተባህሉ 44 ኤርትራውያን ኣብ ምዕራባዊ ክፍሊ ናይታ ሃገር ተኣሲሪሮም ከም ዘለዉ ፖሊሲ ሓቢሩ። እቶም ኤርትራውያን ቡንጎማ ኣብ ዝተባህለ ግዝኣት ኬንያ፡ ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ 2025 ዝተታሕዙ፡ ሚቲ ኣብ እትበሃል ንእሽቶ ገጠር ዓዲ ኣብ መንበሪ ወልቀሰብ ምዃኑ ሓበሬታ ፖሊስ ኬንያ ብተወሳኺ ኣረዲኡ። ግዝኣት ቡንጉማ ኤርትራውያ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ኡጋንዳ ዝሰጋገሩላ ክፍለ ግዝኣት ምዃና’ውን ተፈሊጡ።
እቶም ኤርትራውያን ብሪጋደር ኣብ ዝበሃል መደበር ፖሊስ ከም ዝተኣስሩን መርመረኦም ምስተወደ ናብ ቤት ፍርዲ ከም ዝቐርቡን ድማ ቢቢሲ ናይቲ ከባቢ ምንጭታታ ጠቒሳ ሓቢራ። መብዛሕትኦም ጭቆና ዝመረሮም ኤርትራውያን ብሱዳን ኣቢሎም’ኳ ናብ ኡጋንዳ ይሰግሩ እንተነበሩ፡ ድሕሪ ውግእ ሱዳን ግና መንገዶም ብኢትዮጵያን ኬንያን ኣቢልካ ከም ዝኾነ እውን ዜና ቢቢሲ ይጠቅስ።
እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ ኬንያ ጉዳይ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን በቢውልቆም ከከም ክብደት ናይቲ ዘቕርብዎ ምኽንያት እትርእዩ ኩነታት ትፈጥር ከም ዘላ ኣዲስ ስታንዳርድ ኣፍሊጣ። ናይ ምስጓግ መደቡ ብቤት ፍርዲ ዝተነጽገ ኮሚሽን ኢሚግረሽን ኬንያ ብወገኑ፡ ሕቶ ስደተኛታት ብፍላይ ከኣ ንኣዴታትን ህጻናትን ከምኡ እውን ንኣካለ ስንኩላንን ብጭንቀት ዝተጠቕዑ ሰባትን ፍሉይ ግምት ብምሃብ ብኣውንታዊ መንፈስ ክምዝግብ ምዃኑ ኣፍሊጡሎ።
ሓላፊት ኮሚሽን ስደተኛታት ናይታ ሃገር መርሲ ምዋሳሩ ብወገና እቲ ጉዳይ ብመሰረት ንሰባት ሓደጋ ከስዕበሎም ናብ ዝኽእል ሃገር ኣገዲዳካ ዘይምምላስ ዝብል፡ ዓለም ለኻዊ መትከል እዩ ክተሓዝ ምባላ ኣዲስ ስታንዳር ኣፍሊጣ። እታ ኮሚሽነር ኣተሓሒዛ እዚ ሓድሽ ኣገባብ ካብ ዝጅመር ድሮ ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ 100 ኣመልከቲ ጥርዓን ጸዲቑሎ ኢላ።