ናትካ ኣቐሚጥካስ እንዳማትካ!

2024-05-07 10:19:22 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 294 times

ህግደፍ ኣብ ደገፍቱ ካብ ዘስርጾም ብዙሓት ዘይህዝባዊ ባህርያት፡ ናቶም  ሕመቕን ድኽመትን ኣቐሚጦም፡ “ጽቡቕ ኢና ዘለና” ብዝብል ምድዕዓስ፡ ምስ ካብኣቶም ኣብ ዝኸፈአ ህይወት ዝነብር ሕብርተሰብ ጥራይ ምውድዳርን ናትካ ባዶነትን ደውታን ሓቢእካ ብናይ ካለኦት ድኽመት ምውርዛይን ይርከብዎም። ብሓፈሻ ክፋእካ ሓቢእካ ብናይ ካለኦት ንምዝራብን ናብ ግዳም ምምዕዳውን ካብቶም ቀንዲ መለለይ ተግባሩ እዮም። እዚ ካባኻ ዝኸፋኦ’ውን ኣሎ እሞ ሰጥለበጥ ኢልካ ተገዛእ ዝብል መልእኽቲ ኣለዎ። ካብዚ ሓሊፉ ንህግደፍን ተግባሩን ምንቃፍ ከም ንሃገር፡ ህዝብን ስዉኣትን ምኽሓድ  ቆጺርካ  ምፍርራሕን ምሽምቓቕን እቲ ካልእ መሕብኢ ህግደፍ እዩ።

እቶም ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ደግፍቲ ህግደፍ፡ ከም ህዝቦም ግዳይ ኩሉ በደላት ናይቲ ዝድግፍዎ ጉጅለ ስለ ዝኾኑ መተንፈሲ እተዘይስኢኖም ከም ዝቃወምዎ ውሁብ እዩ። እንተኾነ ዓቐሊጸበታዊ ስቕታ ስለ ዝመርጹ፡ ህግደፍ እውን ውሽጦም እንታይ ከም ዝዛረብኳ እንተዘይሰሓቶ “ደገፍተይ እዮም” ኢሉ እዩ በቲ ስቕታኦም ዝደዓዓስ። እዚ ደገፍቲ ህግደፍ ጥራይ ዘይኮኑ፡ ናይ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ኣዝዩ መሪር ቃንዛ እናሃለወ ዓው ኢሉ “የሕመኒ’ሎ” ዘይምባሉ ኣዝዩ ኣዘራራቢ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ “ቃልሲ ኣዋዲቑ ንወጽዓን ኣደራዕን ናብራይ ኢሉ ዝረዓመ ህዝቢ” ዝብል፡ ምስቲ ንናጽነት ዝኸፈሎ ዋጋን ዘይምንብርካኽን ዘይመጣጠን  ቅጽል ዝህብዎ ኣዝዮም ግጉያት ከም ዘለዉ ’ውን ዝሕባእ ኣይኮነን።

ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ዓለም ተሰዲዶም ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ኣብተን ሃገራት ናይ ምንባር ተቐባልነት ንምርካብ ምሒሎም ጥሒሎም ዘቕርብዎ መረጋገጽታት፡ በቲ “ህግደፍ ኣብ ልዕሌና ፈጺምዎ” ዝብልዎ በደላትን ግፍዕን ዝተቓነየ እዩ። ኣብዚ “ግዱድ መጀመርታኡ እንተዘይኮኑ መወድእትኡ ዘይፍለጥ፡ ካብ ኣዋጅ ወጻኢ ዝትግበር፡ ዕድመን ጉልበትን መንእሰያት ዝባኽን፡ ናይ ብዙሓት መሰረታዊ መሰል ዝገሃሰሉን ምድጋሙ ዘሕፍር ዓመጻት ዝፍጸመሉን ውትህድርና” ካብቶም ብዙሓት መሕተቲ ዑቕባ ምኽንያታት ሓደ እዩ። ምስዚ ተደሪቡ ዝኸይድ “ተኣሲረ፡ ተገሪፈ፡ ተገፊፈ፡ ናይ እምነት ናጽነት ተነፊገ” ዝብሉ እውን ልሙዳት እዮም። ኮታ “ህግደፍ ኣብ ዝመርሓ ሃገር ክነብር ስለ ዘይከኣልኩ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ዝጠቓለል እዩ። ውጽኢቱ ክረኤ እንከሎ፡ እቶም ነዚ ምኽንያታት ዘቕርቡ ገሊኦም ብገርሂ  እቶም ዝተረፉ ድማ ብጉርሒ እዮም። እዚ ድማ ገሊኦም ተቐባልነት ምስ ረኸቡ ብዘርእይዎ ምዕጻፍ ቃል ዝገሃድ ዘሎ እዩ።

ኩነታት ናይቶም ኣብ መንጎ ንህግደፍ ምቅዋምን ምድጋፍን ዘዕለብጡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣጀንዳ ናይ ብዙሓት ካብተን ዕቑባ ዝሃባ ሃገራት ኮይኑ ከም ዝጸንሐ ርኡይ  እዩ። እተን ሃገራት ነናይ ገዛእ ርእሰን ናይ ጸጥታን ኢሚግረሽንን ኣሰራርሓን ፖሊስን ከም ዝህልወን ካብቲ ዝህበኦ ውሳነታት ምርዳእ ይከኣል። እንተኾነ፡ ነቲ “ብሰንኩ እየ ተሰዲደ፡ ናብኡ እንተተመሊሰ ህይወተይ ኣብ ሓደጋ እዩ ዝወድቕ፡ ዝበልካዮ መንግስቲ፡ ድሕሪ ዑቕባ ምርካብካ ዝኾነይኹን ለውጢ ከየርኣየ እንከሎ፡ ተመሊስካ ምድጋፉ፡ ጓይላኡ ምድማቕ፡ ካዝንኡ ኣብ ዘህጥረሉ ኣጋጣምታት ምስታፍን መን ኣሎ ከምኡ ኢልካ ምስሉ ምጽብባቕን” ብኹለን ሃገራት ከም “ምሕሳው፡ ቃልካ ምዕጻፍን እምነት ምጉዳልን”  ከም ዝውሰድ ዘዛርብ ኣይኮነን። እቲ ብድሕሪኡ ኣብተን ሃገራት ክመጽ ዝኽእል ፍልልይ ነቲ “መታለሊ” ተርእዮ መምስ ኩነታትካ እናዛመድካ ኣብ ምምሕዳሩ እዩ ዝኸውን ።

እቶም ኣብ ብሪጌድ ንሓመዱን ካለኦት ኤርትራዊ ህዝባዊ ማዕበላትን ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፍታትን ዝዋስኡ ዘለዉ መንእሰያት፡ ምስ ኩሉ ሕጽረታቱ ካብቶም ነቲ ዘቐረብዎ ቃል ዘይዓጸፉን ንለውጢ ክቃለሱ ዝተብዑን እዮም። እቲ ዘሕዝን እቶም ናይ ህግደፍ ኢደ-በይዛን መሳርሕን ኮይኖም ኣንጻር ለውጢ ዝተሰለፉ ከኣ፡ ካብ ቅድም ነቲ ተልእኮ ዝተመልመሉ ወይ ድማ፡ ኣብ ጉዕዞ ብስብከት ህግደፍ ተዓሽዮም ቃሎም ዝዓጸፉ  እዮም። ኣንጻርቶም ቃሎም ዘይዓጸፉ ተቓወምቲ ተሰሊፎም፡ ነቲ “ውድቐት ንህግደፍ” ዝብል ቀዲሖም “ውድቀት ንብሪጌድ ንሓመዱ/DOWN, DOWN BRIGED NHAMEDU”፡ ክብሉ ምጅማሮም ኣብ ተመኩሮ ብዙሕ ዘይርአ፡ ደጋፊ መንግስቲ ኣንጻር ተቓወምቲ ዝስለፈሉ “ኮር ተገልበጥ” ኮይኑ ኣሎ። ደገፍቲ ህግደፍ ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ሃገር ነወይ ዘካየድዎ ሰልፊ ከኣ: ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ለንደን ዝተኻየደ ዝደገመ ኣብነት እዩ።

እዚ መንግስቲ ኣንጻር ተቓወምቲ ዘካየዶ ሰልፊ ብዓይነቱ ፍሉይን ኣዛራብን እዩ። መኽሰቡ ድማ ናብ ደንበ ተቓውሞ እዩ። ምኽንያቱ ንብሪጌድ ንሓመዱ ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ብህግደፍ ዝተዋህቦ ኣፍልጦ ናይ ምትካብ ህያብ ብምዃኑ። እዚ ማለት ግና እቲ ህዝባዊ ማዕበላት ኮነ ፖለቲካዊ ውዳበታት ብቃልሱ ዘረጋገጾ ኣፍልጦ ኣይጸንሖን ማለት ኣይኮነን። እዚ ኣፍልጦ ምሃብ ንናይ ህግደፍ ናይ ፕሮፖጋንዳ ሃንደስቲ ሕድሕድ ከም ዘናቑቶም ድማ ዘተሓትት ኣይኮነን።

እዞም ኣብ ነርወይ ተሰሊፎም “ሃበስ ቀደስ” ዘቃለሑ፡ “ከምዚ ዝኣመሰለ ተሰሊፍካ ሓሳብካ  ናይ ምግላጽ መሰልሲ ኣብታ በቲ እትድገፍዎ መላኺ እትምራሕ ዘላ ሃገርኩም ኤርትራኸ ኣሎዶ?” እንተዝበሃሉ እንታይ  ምመለሱ ፍሉጥ ኣይኮነን። “ተካይድዎ ዘለኹም ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፡ መሰረታዊ ትርጉሙ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መንግስቲ ይቐጽለልና” ማለት ካብ ኮነ፡ “ግዱድ ውትህድርና፡ ግህሰት ኩሉ ዓይነት መሰላት፡ ሓሳብካ ዘይምግላጽ፡ ብዘይቅዋም ምምሕዳር፡ ንውግእ ከም ብሕታዊ መፍትሒ ጸገም ምውሳድ፡ እኹል ቀረብ ጸዓት፡ ማይ፡ ኢንተርነትን ካልእን ዘይምህላው” ይቐጽል ናብ ዝብል መደምደምታ ከም ዝወስደኩምከ ትግንዘብዎዶ? እንተዝበሃሉ’ውን መልሲ ከምዘይህልዎም ፍሉጥ እዩ። እዚ ከምቲ “ኣብ ከብዲ ጽጉብ ጥሙይ የለን” ዝበሃል፡ ኣብ ልዕሊቲ ራህዋ ሃንቀው ዝብል ዘሎ ህዝቢ ዘለዎም ጭካነ’ውን የርኢ። ስለዚ እዩ ከኣ ናትካ ኣቐሚጥካ ብናይ ካለኦት ምውርዛይ ኣብ ትዕዝብቲ ዘውድቕ ዝኽውን።

Last modified on Tuesday, 07 May 2024 12:24