ህግደፍ ትሕዝቶ ዘይኮነ፡ መልክዕ እናቐያየረ’ዩ ዝጣላዕ

2024-04-10 08:28:28 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 250 times

ህግደፍ ዝብል ስም ተጠሚቑ ዝተቀልቀለ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባርን ህዝቢ ኤርትራን ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሮም ብኣተሓስሳባ ኣይራኸቡን እዮም። ዘይቃደውሉ ምኽንያት ኤርትራውያን ስለ ዘይኮኑ ኣይኮነን። ብዛዕባ ኤርትራ፡ ዕድላን ብደሆኣን እውን እንንተኾነ ሓደ ዓይነት ወይ ከኣ ዝመሳሰል ጭረሖ ስለ ዘየቃልሑ እውን ኣይኮኑን። ፍልልዮም ካብቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክትሓብኦ እንተደለኻ’ውን ዘይሕባእ ናይ ዓማጽን ተዓማጽን ኣሰላልፋ ዝነቅል እዩ።

ተጸራርነት ህዝቢ ኤርትራን ህግደፍን ዝተፈላለዩ ኣምራት ብምጥቃስ ዝግለጽ እዩ። በቲ ሓደ ወገን ናጽነትን ልኡላውነትን ኣውሒሱ ሓርነት ዝብህግን ምእንታኡ ዝቃለስን፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ናጽነትን ልኡላውነትን ይኣኽለካ ኢሉ ሓርነት ዝነፍግን ብቐጻሊ ዝዕምጽን፡ በቲ ሓደ ወገን ብኣፍልጦይን ተሳትፎይን ብዝጸደቐ ቅዋም እየ ዝምራሕ ዝብል፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ብህርፋን ውልቀ ዲክታተር ብዝተቓነየ ኣዋጃትን መግለጽታትን እየ ዝመርሓካ ኢሉ ዝኣስርን ዝሞቅሕን፡ በቲ ሓደ ወገን ዲሞክራሲያዊ መሰለይ ተጠቒመ ቆጽሊ ብዘውደቕኩሎም ኣመሓደርቲ እየ ዝምራሕ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ንሕና ብግደታ ብእንምድበልካ ሓላዊ ስልጣና ኢኻ ትምራሕ ዝብል………ወዘተ ኢልካ ፊትንፎት ክሰፍሩ ዝኽእሉ እዮም። ኮታ ኣብ መንጎ “ኣብ ገዛእ ሃገረይ ኩሉ መሰላተይ ይከበረለይ ዝብልን ምእንታኡ ዝቃለስን” ደላይ ሰላም ልምዓትን ዲሞክራሲን፡ “ንሕና ዓቂና ንዝሃብናካ መሰል ጥራይ ኣሜን ኢልካ ተቐበል” ዝብል ትዕቢተኛ ጉጅለን እዮም ኢልካ ምስፋሩ እውን ይከኣል።

ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ መጻኢ ዕድል ሃገሩ ሓደ ዓይነት ባህጊ ነይርዎን ኣለዎን። ነዚ ባህጉን ትጽቢቱን ብኸመይ የውሕሶ ኣብ ዝብል ግና፡ እቲ ሎሚ ዝጸብብ ዘሎ ፍልልይ ጸኒሕዎ እዩ። ኣብ ኤርትራውያን ነቲ ናይ ህግደፍ ጥልመትን ክሕደትን “መዓስን ብኸመይን ንግጠሞ” ኣብ ዝብል፡ “ህግደፍ ዕድል እተረኺቡ ከዕረ ይኽእል’ዩ፡ ኣብ ክንዲ ንህወኽ ግዜ ንሃቦ፡ ኣብ ባዶ ካዝና እዩ ስልጣን ተረኪቡ፡ ብዘይካ ኤርትራ ተኹሲ ዘይስመዓላ ሃገር የለን፡ ክቡር ዋጋ ከፊልና ከነብቅዕ ሎሚ ኣብ ዋጢጥ እንተኣቲና መፍቶ ጓኖት ክንከውን ኢና፡” ዝበሉ ኣለዉ። “ኣይፋል እዚ ኩሉ ምኽንያታት ኣይሰርሕን እዩ፡ ህግደፍ ግዜን ዕድልን ስኢኑ ዘይኮነ፡ ኮነ ኢሉ እዩ ዝኽሕደና ዘሎ” ዝበሉ እውን ኣለዉ። እዚ ዘርእየና ንኣተሓሕዛ ኣካይዳ ህግደፍ ብዝምልከት ዝቐርቡ  ገለን ጉርሒ ገለን ድማ ግርህነት ዝመንቀሊኦም ኣተሓሳሳታት ይንጸባረቑ ነይሮም። ኣብዚ እዋንዚ ድማ ወዮ መፍቶ ጓና ከይንኸውን ብዝብል ምስምስ ክሕባእ ዝድለ ዝነበረ ጨካንን ጠላምን ተግባራት ህግደፍ፡ ከምቲ “ተሓቢአን ይጠንሰኦ እሞ ሰብ ኣኪበን ይሓርሰኦ” ዝበሃል፡ ካባና ሓሊፉ ናይ ዓለም መድረኻት ኣጀንዳ ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ።

ህግደፍ ከምቲ እቶም ውሑዳት ግና ድማ ትኩራትን ውዱባትን ኣቐዲሞም ዝመዘንዎ፡ እቲ ክሳብ ሎሚ ዝኸዶ ዘሎ ግጉይ መንገዲ ኮነ ኢሉ ሓሲብሉ ስለ ዝመረጾ ኣብቲ ግጉይ ምርጭኡ መልክዕን ሕብርን እናቐያየረ ምኹዳድ እንተዘይኮይኑ፡ ሕቶ ህዝቢ ንምምላስ ዝህቦ ቀልቢ የብሉን። እቲ ንመናዊሒ ዕድመ ስልጣኑ ዝመረጾ ድማ ህዝቢ ኤርትራ መሰረታዊ ዘቤታዊ ሕቶኡ ጓስዩ፡ ተሻቒሉ ናብ  ካልእ ዘድህበሉ ኩነት ምምሃዝ እዩ። ካብ ቅድም በብታራ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ኣብ ምትኹታኽ ናይ ምእታዉ ምኽንያት ከኣ፡ ሓርበኛን ሓያልን መሲልካ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ቦታ ንምርካብ ነይሩ። ደሓር ባዕሉ ብዘርኣዮ ጸፋዕፋዕ ደኣ ተቓሊዑ እምበር ሓሳቡ ኣብ ዝተወሰነ ግዜ ብዝተወሰኑ ሰባት ገዛኢ ረኺቡ ነይሩ እዩ።   ነቲ ምህዞኡ ንምጽብባቕን ሓሳቡ ዝገዝእ ንምብዛሕን ከኣ ነቲ ተግባሩ ምስ ልኡላውነት ኤርትራን ህላወ ህዝባን ከዛምዶ ክጽዕት ጸኒሑ። ስለዚ መልከዓቶም እዮም ዝቀያየሩ እምበር፡ ብትሕዝቶ ደረጃ  እቶም ክሳብ ሎሚ ዝጥቀመሎም ዘሎ መጻወቲ ካርታታት ተሓይኾም ዝተደርበዮ እዮም። ህግደፍ ሎሚ እውን ካብዚ ዕንክሊል  ስለ ዘይወጸ ኢና ከኣ ቅድም ይለዓሉ ናብ ዝነበሩ ጉዳያት ክንምለስ እንግደድ።

ኣብ ዝተፈላለዩ ሰክተራት ዘይትግበር መብጸዓታት ምእታው ከኣ፡ ካልእ ናይ ህግደፍ መመላኽዕን መዕደጊ ግዜን እዩ። ነቲ ናይ ህዝቢ ሻቕሎት ከም ዝቕበሎ መሲሉ ብምቕራብ ድማ ኤርትራ ኣትያቶ ንዘላ ድሕረትን ድኽነትን “ባጽዕ ሉል ቀይሕ ባሕሪ ትበሃል ነይራ ሎሚ ኣበይ ኣላ? ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ፋብሪካታት ሎሚ ኣሰሩ’ውን የለን” እናበለ ንብዓት ሓርገጽ ይነብዕ። ነቲ ህዝቢ ናብ ዘይጭበጥ ዓለም ንምውሳዱ ድማ ሓንሳብ ጉዳይ ብቑጠባ ነብስኻ ምኽኣል የምጽእ። ጥሙር ሕርሻዶ ናጻ ፋይናንሳዊ ማእከል ዝበሃሉ ኣምራት የቐልቅል እሞ “ባዕላ መምጽኢት ደርፊ ባዕላ መጥፍኢት ደርፊ” ከም ዝበሃል ከኣ የህጥሞም። እዚ ነቲ “ንኤርትራ ከም ሲንጋፖር ክንገራ ኢና” ዝብሎ ዝነበረ ወሲኽካ እዩ። ኤርትራ ብኸምዚ ዝረአ ዘሎ መንእሰያ ተበቲኑ ብህግደፍ ንድሕሪት እንተዘይትምለስ፡ ከምቲ  ህግደፍ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ዝተመባጽዖም ናይ ምዃን ዓቕሚ ሕጂውን ኣለዋ። እቶም ኤርትራ ኣብዚ በጺሓቶ ዘላ ድኽነትን ድሕረትን ዝወደቐት፡ ነብሳ ክኢላ ከም ሃገር እትዓብየሉ ሰብኣውን ተፈጥሮኣውን ጸጋታታት ስለ ዘየብላ ገይሮም ዝርድእዎ ድማ፡ ኣዝዮም ግጉያት እዮም።

ኣብዚ እዋንዚ ንሰምዖ ዘለና፡ ኢሳያስ ምስ መራሕቲ ሃብታማት ሃገራት ተመሓዝዩ፡ ምስ ናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ስምመዓት ከቲሙ፡ ዓበይቲ ጀነረተራት ዝጸዓና መካይን ኣብ ጐደናታት ኣስመራ ተራእየን ዝብሉ ወረታት፡ ኩሎም ሕብሮምን መልከዖምን ዝቐየሩ ናይ ቀደም መደንዘዝቲ እምበር ሓደስቲ ኣይኮኑን።  እንተ ህግደፍ ኣብዚ እዋንዚ እውን  ቀልቡን ሃሙን ኣብ ምምላስ ህዝባዊ ዘቤታዊ ሕቶታት ዘይኮነ፡ ኣብ ምስዋርን ምጉህሃር እዚ ብደረጃ ኣህጉር ኮነ ዞባ ኣብ ከባቢና ዝላባዕ ዘሎ ጐንጽታት እዩ ዘውደኽድኽ ዘሎ።

ስለዚ ከምቲ ወኻርያሲ “ንወዲ ሰብ ምእማን ቀቢርካ እዩ” በለት እናተባህለ ዝዝንቶ፡ ንህግደፍ ከኣ ስዒርካዮ እምበር ኣሚንካ ተጸቢኻዮ ለውጢ ከምዘየምጽእ ኣሚና፡ ኣብ ቃልሲ  ከነትክል ይግበኣና።

Last modified on Wednesday, 10 April 2024 10:33