“ግደ ውዕሎ ተጎሩባ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ”

2024-03-14 19:45:15 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 502 times

ሓርበኛታት ተጎሩባ ብኸፊል

ኣብቲ ናይ 30 ዓመታት መሪር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብግቡእ እንተዝስነድ ነፍሲ ወከፍ ዕለት ናይ ገዛእ ርእሳ ሕላገት ኣንቢራ እያ ሓሊፋ። 1961  ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ፡  1991 ምርግጋጽ ናጽነትን 1993 ምእዋጅ ወግዓዊ ልኡላወት ኤርትራን ከኣ ናይቲ ኣዝዩ ብዙሕ ዝርዝር ዝሓቖፈ ግን ከኣ ክንድቲ ዝድለ ዘይተነግረሉ ነዊሕ መስርሕ ፖለቲካዊ ቃልስና፡ ዕድለኛታት ፍጻመታት እየን። ናይ 15 መጋቢት 1964ን  ተጐርባን ከኣ ኣብቲ መስርሕ ብረታዊ ቃልሲ ናይ ገዛእ ርእሰን ተዘክሮ ኣንቢረ ዝሓለፋ ዕለትን ቦታታትን እየን። እነሆ ከኣ ንዝሓለፈ 60 ዓመታት ንዝክረን ኣለና።

ሓይልታት መግዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ሰውራ ኤርትራ ንምብርዓን ብምስትነዓቕን ብደዐን ብሓይሊ ፖሊስ ዓባይ ጥራይ ክከላኸልዎ ዝገበርዎ ፈተነታት ውጽኢት ምስ ሰኣንሉ፡ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዕለትን ቦታን ፍሉይ ሓይሊ ስሩዕ ሰራዊት ካብ ሃይኮታ ኣውፊሮም ምስቲ ልዕልና ዕላማ፣ትብዓትን ጽንዓትን እንተዘይኮይኑ፡ ኣዝዩ ውሑድ ቁጽርን ድሑር ኣጽዋርን ዝነበሮ ምዑታት ኣሃዱታት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ  ገጢሞም። ዕላመኦም ከምቲ ክሳብ ስዕረቶም ብተደጋጋሚ ተፈቲኑ ዝፈሸለ ካለኦት ስርሒታት፡  ነቲ ናይ ሰውራ ቁልዒ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምቕሃሙ ነይሩ። እንተኾነ  ኩነታታት ካብ ትጽቢት ጸላኢ ወጻኢ ኮይኑ፡ ኣብዚ ናይ መጀመርያ ኣትኪልካ ፊትንፊት ግጥም 84 መኮነናት ዝርከብዎም ኣባላት ጦርሰራዊት ተቐቲሎም፡ ኣስታት 22 ከኣ ተወጊኦም። ሓይልታት መግዛእቲ ኣብ ልዕሊ እቲ መጀመርያ ዘሰለፍዎ ኣስታት 200 ሓይሊ ሰብ፡ ተወሳኺ ረዳኢ ዓቕሚ’ኳ እንተለኣኹ ካብ ስዕረትን ክሳራን ክድሕኑ  ኣይከኣሉን። እቲ ብሓርበኛ መሓመድ ዓሊ ኢድሪስ (ኣቡ ርጃላ) ዝምራሕ ዝነበረ ሰራዊት ሓርነት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ጸላኢ እዚ ዝተጠቕሰ ዘይተጸበዮ ጉድኣት ኣውሪዱን ኣሕፊሩን ነቲ ግጥም ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ከሰጋግሮ እንከሎ፡ ብጥራዩ ዘይኮነስ ክቡር ዋጋ ከፊሉ እዩ። በዚ መሰረት ኣብ ውግእ ተጎሩባ 18 ምዑታት ተጋደልቲ ብጀግንነት ክስዉኡ እንከለዉ 3 ከኣ ተወጊኦም። ካብቶም ስዉኣት፡ እድሪስ ኣደም ፋጃጅ፡ ዑስማን ዓፋ እድሪስ፡ እድሪስ መሓመድ ዓሊ ሑመድ፡ ዑስማን መሓመድ ዓሊ ኣፋዳድ፡ ዓሊ እድሪስ ጀምዕን ሳልሕ ኑር ሓምደን ዝበሃሉ ከም ዝርከብዎም፡ “ዛንታና” ብዝብል ዝተዳለወ ሰነድ ይሕብር።

ሓይልታት መግዛእቲ ኣደዳ ዘይተጸበይዎ ስዕረትን ክሳራን ኮይኖም ናብቲ ዝመጽዎ ሃይኮታ ምስተመልሱ ምስቲ ዝተሳዕርሉ ውግእ ኢድ ንዘይነበሮም 8 ሲቪል ኤርትራውያን ቀቲሎም። ህዝቢ ንምርዓድን ምስ ሰውራኡ ከይተሓባበር ንምፍርራሕን ከኣ ናይቶም ስዉኣት ተጋደልትን ኣብ ከተማ ዝተቐትሉን ሬሳታት ኣብ ከተማታት ሃይኮታ፡ ኣቑርደት፡ ባረንቱን ከረንን ንነዊሕ ሰዓታት ሰጢሐሞ። ውጽኢቱ ግና ከምቲ ዝተጸበይዎ ራዕዲ ዘይኮነ ሕራነ ኮይኑ። (እዚ ኣሃዛት ክቡር ወልደየሱስ ዓማር ንዝኽሪ ኣቡ ርጃላን ብጾቱን ብ15 ለካቲት 2010 ብእንግሊዘኛ  ካብ ዝጸሓፎ ዝተወስደ እዩ)

ውግእ ተጐርባ ከም ኣገዳሲ ታሪኻዊ ተዘክሮ፡ ፍሉይ ጅግንነት ዝተፈጸመሉን ካብቲ ካልእ ውግኣት ኣብ ልዕሊ ጸላኢ ዝለዓለ ክሳራታት ዘውረደን ጥራይ ኣይኮነን። ካብኡ ሓሊፉ ነቲ ወተሃደራዊ ግጥም ናብ ሓድሽ ናይ ፊትንፊት ቀዋሚ ግጥም ምዕራፍ ዘሰጋገረ ስለ ዝነበረ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ካብ ምብራቕ ናብ ምዕራብ፡ ካብ ሰሜን ናብ ደቡብ ዝተፈጸመ ጅግንነት ኣፍደገ ዝኸፈተ ስለ ዝኾነ እዩ ፍሉይ ከም መዓልቲ ሰራዊት ሓርነት ዝዝከር። እዚ ውግእ እቲ ወሳኒ ስንቅን ኣጽዋርን ኣብ ሕልና ሰባት ዝሰፈረ፡ ጽንዓት፡ ቅሩብነትን ተወፋይነት ምዃኑ ዘርኣየ እዩ። ቅድሚ 60 ዓመታት ነዚ መስተንክር ዝሰርሑ ኤርትራውያን ሓርበኛታት ምስ ምንዋሕ ግዜ፡ ሎሚ ዳርጋ ብህይወት የለዉን ኢልካ ምድምዳም ይከኣል። እቲ ዝተበግስሉን ዋጋ ዝኸፈልሉን ፍትሒ ናይ ምርግጋጽ ቃልሲ ግና እቲ ሓደ ካብቲ ሓደ እንዳተቐባበልና ኣብዚ ሎሚ ዘለዎ ደረጃ በጺሑ ኣሎ። እቲ በብግዜኡ ነዚ ረዚን ሓላፍነት ዝርከብ ትውልዲ ከኣ መምስቲ ዝርከበሉ መድረኹ ዝመጣጠን ካልእ ተጐርባ ናይ ምስራሕ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ንኻልኢት’ኳ ክዝንግዕ ኣይግብኦን። ነዚ ንምዝኽኻር ኢና ከኣ ንተጐርባን ካለኦት ታሪኻውያን ዕለታትን ዓመት መጸት እንዝክረን።

ኣብ ተጐርባ ዓወት ዝተመዝገበሉ ግዜን ኩነታትን ብብዙሕ መልክዑ ካብዚ ዘለናዮ ዝተፈልየ እዩ።  ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋ፡ ናይቲ ቃልሲ እስትራተጅን ስልትን፡ ናይ መራኸቢ ምዕባለ፡ ናይ ጸላኢ ባህሪ፡ ጠቕላላ ዓለማዊ ኩነታት … ወዘተ  ዝተፈልዩ እዮም። ብዓብይኡ ከኣ ቅያ ተጎርባን ካለኦት ግጥማትን ኣብ ፍረ በጺሖምስ ኣብ ናጻ ሃገር ንሓርነት ኣብ እንቃለሰሉ ምዕራፍ ኢና ዘለና። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ናይ ተመኩሮ ምውርራርስን ምትእስሳርን የብሎምን ማለት ኣይኮነን።  ኣብ ግዜ ዓወት ተጐርባ ኮነ ሎሚ ሕቶ ህዝቢ ቅድሚት ምስራዕ ኣብ ቦታኡ እዩ። ሽዑ ኮነ ሎሚ ወሳኒ ግደ ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ቦታኡ እዩ። ንትማሊ፡ ሎምን ጽባሕን ናይ ምትእስሳር ብጽሒት መንእሰይ ከኣ ህያው እዩ። ከምዚ ናትና ዝኣመሰለ ነዊሕን ኣብ ምዕራፍት ዝተኸፋፈለን ቃልሲ ብሓደ ውሱን ትውልዲ ዝውዳእ ኣይኮነን። እንታይ ደኣ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ  ዝሰጋገር እዩ። ናይዚ ምስግጋር ቀንዲ ሞተርን ድንድልን ከኣ መንእሰይ እዩ። ስለዚ እዚ ንርከበሉ ዘለና እዋን ከም ወትሩ፡ ዝያዳ ኩሉ ክፍልታት ሕብረተሰብ ንመንእሰይ ትውልዳዊ ሓላፍነት ዘሰክሞ ምዃኑ በዚ ኣጋጣሚ ምዝኽኻሩ ኣገዳሲ እዩ።

ሓላፍነት መንእሰይ ኩሉ ግዜ ዕዙዝ ኮይኑ፡  ከከምቲ መድረኹ ከቢድን ቀሊልን ክኸውን ይኽእል። ናይ ሎሚ መንእሰይ ሓላፍነት፡ ካብ ናይ ግዜ  ተጐርባ መንእሰይ ሓላፍነት ዝተፈልየን ዝኸበደን ክኸውን ግድነት እዩ። ብመንጽር’ዚ፡ መንእሰይ ኤርትራ ስለ ዝመረጾ ዘይኮነ፡ ሓራን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ንምርግጋጽ እዚ ንርከበሉ ዘለና መድረኽ ዝጠልቦ  ግቡኡ እዩ ዝስከም። በዚ ኣጋጣሚ ከኣ  ነዚ ከቢቡና ዘሎ ኤርትራዊ ኮነ ከባብያዊ ምዕባለታት ኣብ ግምት ኣእትዩ፡ ምስ ትማልን ጽባሕን ኣገናዚቡ፡ ክሳብ ሕጂ ንዝተመዝገበ ታሪኻዊ ጀግንነትን ሐርበኝነትን ዓቂቡን ነዊሕ ዘማዕዱ ራኢ ወኒኑን ናይ ምቅላስን ምስግጋርን ንማንም ከሰክሞ ዘይክእል ከቢድ ሓላፍነት ከም ዘለዎ ኣብ ርእሲቲ ግንዛበኡ ነዘኻኽሮ። እዚ ከምዚሉ እንከሎ ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ እውን ኣብ ቅነ እዚ ታሪኻዊ ዕለት፡ ብዛዕባቲ ዝዓበየ ጉድለቶም ኮይኑ ንዘሎ ሓቢርካ ክትቃለስ ዘይምብቃዕ ከስተብህልሉ ዘለናዮ እዋን ዝጠልቦ’ዩ።

ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንሰማእታት ኤርትራ

Last modified on Thursday, 14 March 2024 20:52