ሕብረት ወትሩ  ሓይሊ እዩ

2024-02-04 12:36:03 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 598 times

ሕብረት ዝተበተነ ኩለ-መዳያዊ ዓቕሚ ዝእክብ ወሳኒ ናይ ዓወት መንገዲ እዩ። ኣድላይነት ሕብረት ኣብ ፖለቲካዊ ጉዕዞ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ኩሉ መዓልታዊ  ህይወት ሰባት ዝሰርሕ እዩ። ወለድና “ዝሓበራ ኣጻብዕቲ ኣርቃይ የጸንብዓ” ወይ “ኣሕዋት ምስ ዝሓብሩ ጸላኢ የባርሩ” ዝበልዎ ከኣ፡ ነዚ ዘንጸባርቕ እዩ። ክሳብ ክንድዚ ወሳኒ ግደ ዘለዎ ሓድነት ኮነ ሓቢርካ ምስራሕ ብቓልሲ ዝረጋገጽ እምበር፡ ብጥራዩ ወይ ብተፈጥሮ ዝወሃብ ኣይኮነን። ንምውሓሱ ኣብ ዝካየድ ቃልሲ ምጽውዋርን ምክእኣልን ቀንዲ ትግባራት እዮም።

ሓድነት ዓሚቕ ትርጉምን ትሕዝቶን ዝሓቖፈ ኮይኑ፡ እቲ ቀንዲ ሕመረቱ ፍልልይ ኣይሃሉ ማለት ዘይኮነ፡ ንፍልልያት ንኹልኻ  ብዘርብሕ መስርሕ “እንካን ሃባን” ተኣማሚንካ ምምሕዳሩ እዩ። ሓድነት ሓንሳብ ምስ ኣረጋጊጽካዮ  ኣኺልዎ ኢልካ እተራጥጠሉ ዘይኮነ፡ መምስ ዝገሃድ ሓድሽ ተርእዮታት ዝምዕብልን ቀጻሊ ሓለዋን ምሕዳስን ዘድልዮን እዩ። ዋጋ ዘኽፍል እው እዩ። እቲ ዝኽፈል ዋጋ ግና እምብዛ ከቢድን ዘይከኣልን ዘይኮነ፡ ንምክእኣልን ምጽውዋርን እኹል ዕድል  ሂብካ፡ ንጸቢብነትን ስሰዐን ኣወጊድካ ብቐሊሉ ዝረጋገጽ ወሳኒ መሳርሒ እዩ።

ሓድነትን ሕብረትን ኩኩ ዘዝደለኻዮ ክትረክብን ዝበልካዮ ምሉእ ብምሉእ ክስምዓልካን ብምብሃግ ዝረጋገጽ ኣይኮነን። ኣብቲ ናይ ብዙሓት ርኢቶን ድሌትን ዝወዳደረሉ ሜዳ፡ ከምቲ ናትካ ሰዓሪ ክኾነልካ እትብህጎ፡ ከለኦት ሰብ ዝተፈልየ  ድሌትን ባህግን ከም ዝወዳደሩኻ ኣብ ግምት ምእታው ግድን እዩ። ስለዚ ኣብቲ ሜዳ መወዳድርትኻ’ውን ብጽሒት ከም ዝህልዎ ተገንዚብካ ንናይ ርኢቶ ፍልልያት ዕድል ምሃብ  ግድን እዩ። ምእንቲ ሓድነት ምቅላስ ቀሊል ዘይከውን ከኣ ፍልልያት  ንምቅርራብ ዝግበር ቃልሲ ፍሉይ ውሕልነትን ተወፋይነትን ስለ ዝሓትት እዩ።

ምስቲ ናትካ ዝጻረር ሓሳብ ክንጸባረቕ እንከሎ፡ ምስምዑን መተካእታ ዝበልካዮ ምቕራብን እምበር ተቐዳዲምካ ምኹናኑ ሃናጺ ኣይኮነን። እቲ ካብ ናትካ ዝተፈልየ ሓሳብ ዘንጸባርቕ ወገን ካበየናይ ኩርናዕ ከም ዝነቐለ ምርድኡ ኣገዳሲ እዩ። ካብዚ ዕጉስ ኣስተብህሎ ነቒልካ ተመሊስካ ነቲ ንስኻ ርኢቶ ንምምዕባል ዝነቐልካሉ ኩርናዕ’ውን ዳግማይ ዳህሳስ ምግባር የድሊ። እቲ ፍልልይ ዝፈጠረ ጠንቂ ኣባኻ ክህሉ ተኽእሎ ከምዘሎ ኣብ ግምት ምእታው ከኣ ልቦና እዩ። በዚ  መስርሕ  ምክእኣልን ምጽውዋርን ከኣ እንተኾነ ፍልልያት ዘወግድ፡ ብውሕዱ ከኣ ነቲ ርሕቀት ዘጻብብ መዋጸኦ ምርካብ የኽእል።

እዚ ከተዘንትዎ እንከለኻ ቀሊል ዝመስል፡ ብግብሪ ግና ክሳብ ሎሚ ዋጋ ዘኽፈለናን ግዜ ዝወስደልናን ዘሎ  ምውሓስ ሓቢርካ ምቅላስ፡ መንቀሊኡ ናይ ረብሓን ኣተሓሳስባን ተጻራርነት እዩ። እቲ ረብሓ ብነገራዊ ጸጋ ጥራይ ዝግለጽ ዘይኮነ፡ ናይ ኣተሓሳስባ፡ ናይ እምነት ……ወዘተ ዝኣመሰሉ ፍልልያት እውን  ነናቶም ናይ ምርሕሓቕ ብጽሒት ኣለዎም። ኣብዚ መዳያት “ኣነ ክጥቀምን ናተይ ሓሳብ እዩ ብሉጽ ምባልን” በይኑ ዕንቅፋት ሓድነት ኣይከውንን እዩ። እቲ ዕንቅፋት ዝኸውን ካብ ናትካ ንዝተፈልየ ናይ ካለኦት ድሌትን ኣተሓሳስባን ንዘለዎም ወገናት ኣብ ክንዲ ምኽባር፡ “እዛ እምባይ መን ይወርሳ” ብዝብል ዕዉር ትዕቢት፡ ኣብ ክንዲ ኩልኻ እትርበሓሉ፡ ናይ“ሰዓራይ-ሰዓራይ”፡ ናይ “ሰዓራይ- ተሰዓራይ” ወይ ናይ “ተሰዓራይ ተሰዓራይ” መንገዲ ምምራጽ እዩ። ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣተሓሳስባ  ንምውጻእ እምበኣር፡ ንምጽውዋርን ምክእኣልን ግቡእ ቦታ ምሃብን ሓቛፊ ሓሳብ ክትቅበል ድልዊ ምዃን ኣድላይ እዩ። ኣብ ርእሲዚ፡ ብፍላይ መልክዑን መልእኽቱን ብዘየገድስ ኣብ ውዱብ መስርዕ ቃልሲ ምስተጸመድካ፡ ኣቐዲምካ ብዝረዓምካዮም  ዲሞክራስያዊ ኣዕኑድን ትካላዊ ኣሰራርሓን ምእዙዝ ምዃን እውን  ድልዱል ዕርዲ መሕለዊ ሓድነት እዩ።

ኣብቲ ነዊሕ ጉዕዞ ቃልሲ ኤርትራውያ ካብ ዘየዕወትናዮም ሓደ፡ ዘተኣማምን ሓድነት ክንስርት ዘይምኽኣልና እዩ። ኣብዚ ዘይምዕዋትና  ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ከይነረጋገጽኳ እንተዘይዓገተና፡   ኣብ ካለኦት መዳያት  ንከይንዕወት ዘዕንቅፈና ዘሎ እዩ። “ሓድነት ሓይሊ እዩ”  እናጨራሕና፡  ከነዕውቶ ዘይምብቃዕና   ጉዕዞ ሓድነት ዘይድፋእ እምባ ኮይኑና ከምዘሎ ዘርኢ’ዩ። ብሰንኪ’ቲ ኣብ ኢድና እናሃለወ ዘየዕወትናዮ ሓድነት፡ ኣዝዩ ብዙሕ ዋጋ ክንከፍል ምጽናሕናን ጋና ካብቲ ዕዳ ዘምውጻእናን ከኣ ዝሓለፈ ታሪኽና ኮነ ህልዊ ኩነታትና መስካሪ እዩ። ነዚ ኩነታትና ከም መድሃኒትካ ኣብ ኢድካ እንከሎ፡ ብዘይምጥቃምካ ብሕማም ምስቓይ ገይሮም ዝምስልዎ ወገናት ከኣ ሓቂ ኣለዎም።

ኣብ መስርሕ ቃልሲ ወለዶታት ክመላልኡ እንከለዉ፡ ተረካቢ ሕድሪ ካብቲ ዝተረከቦ ነቲ ዝጐደለ ናይ ምምላእን ነቲ ኣውንታ ዝያዳ ናይ ምርጓዱን ሓላፍነት ኣለዎ። ብመንጽርዚ ሎሚ ኣብ ቃልሲ ተጸሚዱ ዘሎ ኤርትራዊ መንእሰይ፡ በቲ ሓድሽ ኣተሓሳባኡን ውዑይ ጉልበቱን ክቓንዮምን ግቡእ መስርዕ ከትሕዞምን  ካብ ዝግበኦ ምድልዳል ሓድነት ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ እዩ። ኣብዚ መዳይዚ እቲ መንእሰይ ብመንጽር ምድልዳል ሓድነት፡  ካብቲ ቀዳማይ ወለዶ ዘይፍለ ምናልባት’ውን ዝሓመቐ እንተኮይኑ፡ ንእስነቱ  ናይ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ፈጣርነት ዘይኮነ፡ ተፈጥሮኣዊ ናይ ዕድመ ፍልልይ ኮይኑ እዩ ዝተርፍ። መንእሰይ ካብዚ ተሓታትነት ንክድሕን ብሓድሽ ኣተሓሳስባ ዝተሰነየ ምጽውዋርን ትዕግስትን ክዕጠቕ ይግበኦ።  ትሕተ-ሃገራዊ ስምዒታትን መንነትን ካብ ሃገራዊ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ ፈልዩ ብምርዳእ ከተግብር ክተብዕ ይግበኦ።

ሓድነት ቅድም ኣብ ኣእምሮ ናይቶም ብሓባር ክቃለሱ ዝወፍሩ እዩ ዝህነጽ። ምስ ነብሱ ተላዚቡ፡ ብዛዕባ ኣድላይነት ሓድነት፡ ኣተገባብርኡን ሓለውኡን፡ ከምኡ እውን ንምጽውዋርን ምትእምማንን ዝምልከት ብሱልን ተባዕን ተረድኦ ዘየማዕበለ ኣካል፡ ኣብ ዝኾነ ውዳበ ይሰለፍ ኣድማዒ ኣይከውንን እዩ። ምናልባት እውን ክሃንጽ ትጽቢት እናተገብረሉ ዓንቃፊ ናይ ምዃኑ ዕድሉ ክፉት እዩ።

ስለዚ ኣብ ዝኾነ ጸረ ህግደፍ ናይ ለውጢ ውዳበ ዘለኻ መንእሰይ ኤርትራ፡ ደው ኢልካ ኣስተውዕልን ምስ ሕልናኻ ተላዘብን።  ብምጽውዋር ክፍታሕ ብዝኽእል ፍልልያት ተስፋ ብምቑራጽ ዘይኮነ፡ ብምስትውዓልን ኣስተብህሎን ተስፋ ሰኒቕካ፡ ካብ ዘጋጥም ብኩራት እሂምሂን መዋጸኦ መንገዲ ክትረክብ ብምሉእ ዓቕምኻ ክትስጉም መድረኽ ይጽወዓካ’ሎ። ሕብረት ኣብ ዘየብሉ ዓወት ከምዘየለ ከኣ ርሑቕ ከይከድካ፡ ካብቲ ክትደግሞ ዝይግበኣክ፡ ከፋፋሊ ተግባራት ህግደፍ ክትሙከር መድረኽ ይጠልበካ’ሎ።

Last modified on Sunday, 04 February 2024 13:39