መተካእታ ዘይኮነ፡ መመላእታ እዩ

2024-01-10 09:52:38 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 753 times

ነቲ ንህዝቢ ኤርትራ ብዘይንሕስያ ዝድህኽ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ዝቃወሙ ኣዝዮም ብዙሓት እዮም። እቲ ቀዳማይ ቀዋሚ ተቓዋሚኡን ወርትግ ንምውጋዱ ዝቃለሶ ዘሎን ከኣ  ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ካለኦት በብግዜኡ ዝለዋወጡን ረብሓኦም ዘቐድሙን ናይ ቀረባን ርሑቕን ተቓወምቲ እውን ኣለዉዎ። ካብ  እዞም ተቓወምቱ ብዝኾነ ይኹን መንገዲ “ደሓን ይእቶ” ዝብሎ ከምዘይብሉ ከኣ ብተግባር ክንዕዘቦ ዝጸናሕናን ዘለናን እዩ።

ንህግደፍ ዝቃውምዎ ወገናት ነናቶም ምኽንያታትን ፖለቲካዊ ሕሳባትን ኣለዎም። ህዝቢ ኤርትራ ንህግደፍ ዝቃወመሉን ንምውጋዱ ዝቃለሰሉን ምኽንያታት  ኣብዚ እዋንዚ ኣይኮነንዶ ንህዝቢ ኤርትራ ንሕብረተ-ሰብ ዓለም እውን ብሩህ ስለ ዝኾነ፡ ምዝርዛሩ ኣድላይ ኣይኮነን። ብሓፈሻኡ ንምግላጹ ግና “ኣብዛ ህዝብና ብገዛእ  ደሙን ድምጹን ዘረጋገጻ ልኡላዊት ሃገር፡ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራውን ሰብኣውን መሰላቱ ስለ ዝገፈፎ እዩ ዝቃለሶ ዘሎ” ኢልካ ናብ ካልእ ምሕላፍ ይከኣል።

ዝተፈላለያ ጐረባብትን ናይ ርሑቕን ቀረባን ሃገራትን ነናተን ናይ ሓጺር ይኹን ናይ ነዊሕ ግዜ ንህግደፍ ዝኹንናሉን ኣንጻሩ ክስለፋ ዝግደዳሉን ምኽንያታት ኣለወን። ህዝቢ ትግራይ ንህግደፍ ኣትሪሩ ዝቃወመሉ ምኽንያት ጌና ናህሩ ዘይወደአን ኣብ መስርሕ ዘሎን ናይ ቀረባ ግዜ ተዘክሮ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ዝርዝሩ ከይኣተና፡ ብዘይካ ጽልእን ቅርሕንትን ካልእ ምኽንያት ብዘይብሉ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳዩ ኣትዩ፡ “ከምዝን ክንድዝን” ኢልካ ምጽብጻቡ ዘጸግም ጉድኣት ስለ ዘውረደሉ እዩ። ህዝቢ ሱዳን እውን ኣብ ውሻጣዊ ጉዳዩ ኣትዩ ከፋፋልን ዘራግን ታራ ይጻወት ስለ ዘሎ ንህግደፍ ምቅዋሙ ምኽንያታዊ እዩ። ህዝቢ ጅቡቲ እውን ህግደፍ ሓደ እዋን ዶቡ ጥሒሱ በደል ምስ ፈጸመ ዝሓደሮ ስግኣት  ኣይተመልሰን።

ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካን ካለኦት ምዕራባውያን ሃገራትን ከኣ ንህግደፍ ንክጸልአኦን ክቃወማኦን መንቀሊ ኢለን ዝዝርዝረኦ ምኽንያታት፡ ህዝባውን ሰብኣውን ትሕዝቶ ከም ዘለዎ ኣምሲለን’ኳ ዝገልጸኦ እንተኾና፡ እቲ ቀንዲ ዘይዕግበተንሲ፡ ብመንጽር ከባብያዊ ረሓታተን ምዕዋትን ዘይምዕዋትን ዝውሰድ እዩ።  መንግስቲ ኢትዮጵያ’ውን፡ ትማሊ ብተደጋጋሚ “ኢሱ፡ ወዲ ኣፎም” እናበለ፡ ቃል ኪዳን ክኣኣስረሉ ከምዘይጸሐ፡ እነሆ “ንልኡላውነት ኤርትራ” ብዝፈታተንን “ናይ ህግደፍ ጉዳይ እዩ” ኢልና ክትሓልፎ ብዘጸግመናን ኣንጻር ኤርትራ ዝጠማመት ዘሎ ንህዝቢ ኤርትራ ደንጊጹ ኣይኮነን።  ወዮ ደኣ ኣይሰምረሉን እምበር፣ ካብ ሕዱር ዓመጸኛ ኢትዮጵያዊ ሒሳብ ነቒሉ ምዃኑ ኢትዮጵያውያን ከይተረፉ ዝምስክርዎ ዘለዉ እዩ።

እቲ ዝኸበደ ኣርዑት ጭቆና ህግደፍ፡ እቶም ካለኦት ካብ ዝመዝንዎ  ንላዕሊ፡ ኣብ እንግደዓ ህዝቢ ኤርትራ ዝተጻዕነ ጾር ምዃኑ ኩሎም ወገናት ዝዝንግዕዎ ኣይኮነን። ነዚ ኣርዑት ጭቆና ንምስባር ይግበር ኣብ ዘሎ ቃልሲ ከኣ ዝተወደበ እጃም ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ሓይልታቱን ዝዓበየ፡ ወሳንን መሰረታውን እዩ። እቲ ካልኦት ከካብ ናቶም ረብሐ ነቒሎም ኣብ ልዕሊቲ ጉጅለ ዘሕድርዎ ተጽዕኖ ከኣ “መተካእታ ዘይኮነ መመላእታ”፡ ናይቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣርዑት ወጽዓ ህግደፍ ሰይሩ፡  በዂርዎ ዘሎ ኩለ-መዳያዊ ረብሓታቱን መሰላቱን ሕገመንግስታዊ ውሕስነት ብዘለዎ ኣብ ኢዱ ንምእታው ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ  እዩ።

ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ብዘለዋ ሓያልነትን ኣብ ፖለቲካ ኤርትራን ኢትዮጵያን  ብዝጸንሓ ታሪኻዊ ጽልዋን፡ ኣብዚ ኣንጻር ህግደፍ እነካይዶ ዘለና ቃልሲ ስማ ብቐጻሊ ክለዓል ልሙድ እዩ። ኣብቲ  ዝግበር ቃልሲ፡ ማዕረ ወይ ልዕሊ ግደ ህዝቢ ኤርትራ ብጽሒት ከም ዘለዋ ጌርካ ምውሳዳ ግጉይ ክነሱ፡ ብግብሪ   ዝረአ ዘሎ እዩ።  እቲ ሓቁ ግና ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ህግደፍ ክቃለስ እንከሎ፡ ካብቲ ኣብ ርእሲኡ ዝወርድ ዘሎ ክብደት ወጽዓ እዩ ዝነቅል። ብዘይካ ኣንጻር ህግደፍ ምዕዋት ከኣ ካልእ መተካእታ የብሉን።  ኣሜሪካን ካለኦት ንህግደፍ ዝነቕፉ ሓይልታትን ግና ነናይ ሃገሮም ልዕልና ዓቂቦም፡ ኤርትራ ናይ ዘለዋ ስትራተጂያዊ ኣቀማምጣ ተጠቒሞም ልዕልናኦም ንምርግጋጽን ዘይምርግጋጽን እዮም ንህግደፍ ዝቃወሙ። ናይ ዓወቶም መረጋገጺ ድማ ኣርዑት ወጽዓ ህዝቢ ኤርትራ ምስባሩን ዘይምስባሩን ዘይኮነ፡ ኣብ ኤርትራ ዘገልግሎም “ብስም ኤርትራ ዝዋገ” ምስሌነ መራሒ ብምርካብን ዘይምርካብን ዝውሰን እዩ። ንኢሳያስ ንሓንሳብ ዝቃወምዎ ንሓንሳብ ከኣ ዝድግፍዎ ድማ በዚ መዕቀኒ እዮም።

ኣሜሪካ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ንህግደፍ ብዝተፈላለዩ ዘየድምዑ እገዳታት ክትቀጽዖ ፈቲና እያ። ናይዚ ምኽንያታ ከኣ ምእንቲ ኣብ ዞባና እትኽተሎ ናይ ምምራሕን ምቁጽጻርን ፖሊሲኣን ክብራን እምበር፡ ብሰንክቲ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከውርዶ ዝጸንሐን ዘሎን ዘይዛሪ በደላት ኣይነበረን። በብግዜኡ ብጉዳይ እቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ህግደፍን ላዕለዎት ሓለፍቱን ክትውስኖ ዝጸንሐት እገዳታት  ክለዓል እንከሎ፡ “ነቲ ሓቀኛ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ምኽንያታት ኣብ ግምት የእቱ የለን”  ክንብሎ ዝጸናሕና እውን ብመንጽር እዚ እዩ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙናት ወያ “ብዛዕባ ኩነታት ኤርትራ  ድሕሪ ውድቀት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ክንሓስብ ኣለና፡ ኤርትራ ሰራዊታ ካብ ትግራይ መሊኣ ከተውጽእ ይግበኣ፡ እሱራት ብናጻ ይፈትሑ ወይ ናብ ፍርዲ ይቕረቡ፡  ኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ዘጽንዑ ኣካላት ናብታ ሃገር ክኣትዉ ይፈቐደሎም…….ወዘተ” ክትብል ዝጸንሐት ኣሜርካ ቃንኣ ቀይራ ምስ ኢስያስ ክትመሓዞ ድልየት ከም ዘለዋ ዘምስል ምልክታት ኣርእያ።  እዚ ምግልባጥ ናይ ኣሜሪካ፡ ምእንቲ እስትራተጅያዊ ረብሓአ፡ ምስቲ “ተጨኒቑ ስለ ዘሎ ጠቢርካ ክለኣኽ ይኽእል እዩ” እትብሎ ኢሳያስ ክትቀራረብ ምድላያ ዘመልክት’ዩ። እዚ ንህዝቢ ኤርትራ ሓድሽ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ዝያዳ ከስተብህለሉ ግና ይግበኦ። እቶም እቲ ምቅርራብ ብብቕዓትን መኸተን ኢሳያስ ዝመጸ ለውጢ ዝመስሎም ከኣ ከምኡ ዘይኮነስ፡ ብሰንኪ ኢሳያስ ፈቓድ ጐይተቱ መሊኡ ክኽድም ቅሩብነት ምርኣዩ ዝተኸስተ ምዕባለ ምዃኑ ክስሕትዎ ኣይግበኦምን።

እዚ ዝረአ ዘሎ ናይ ኣሜሪካ ናይ መርገጽ ለውጢ ምልክት፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና  ዝወርድ ክቱር ወጽዓ ከምቲ ዘለዎ፡ እኳ ደኣ ብዝገደደ ኣብ ዝቐጸለሉ ህሞት እዩ።  ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ብካልኦት ኣንጻር ህግደፍ  ዝግበር ተጻብኦ “መተካእታ ዘይኮነ መመላእታ”  ምዃኑ ተገንዚቡ፡ ዝተመንዘዐ ሓርነቱን መሰሉን ንምምላስ ኣብ ነብሱ ተኣማሚኑ ትብዓቱን ሓድነቱን ከብ ምድልዳል ካልእ መተካእታ የብሉን።

Last modified on Wednesday, 10 January 2024 11:07