ከይንግዳዕ፡ ከም ወትሩ ኣብ መትከልና ንጽናዕ

2023-11-01 18:02:13 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 986 times

እንርከበሉ ዘለና ግዜ፡ ቅልጡፍ ምዕባለታትን ዘየቋርጽ ምቅይያራት ኣጀንዳታትን ዝረኣየሉ መዋእል እዩ። ቅልጡፍ ምዕባለ ማሕበራዊ መድያ ድማ ነቲ ዋሕዚ ኣጀንዳታት ከም ዘተባብዖ ንዕዘቦ ዘለና እዩ። ምስዚ ምዕባለታት ማዕረ ምጉያይን ኣብቲ ዝምልከተካ  ዛዕባ ምላሽ ምሃብ ድማ ንፖለቲካዊ ትካላት ፈታኒ ኮይኑ ዘሎ እዩ።

እቶም ብዘይዕረፍቲ ዛዕባታት እናራብሑ ብቐጻሊ ዝዝርግሑ ኣካላት ዕላማ ኣለዎም። ኣብቲ ዕላማኦ ሃናጽን ኣፍራስን ተልእኮታት ኣለዉ። ካብቲ ኣፍራሲ ሸነኽ ዕላመኦም ሓደ፡  ነቲ ኩነታት ገቢቶም፡ ካለኦት ካብ ቀዳምነቶም ወጺኦም ደድሕሪኦም ከም ዝህውትቱ ምግባር እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ኣብዚ መዳይዚ በብግዜኡ ሓደስቲ ኣጀንዳታት እናጠፍጠፍካ ኣንፈት ኣብ ምስሓት ፍሉይ ተመኩሮ ዘለዎ እዩ። ተመኩሮ ኣለዎ ጥራይ ዘይኮነ ንህልውናኡ ካብ ዝምርኮሰሎም ኣዕኑድ ሓደ እውን ንሱ እዩ። ኣብዚ ህግደፍ፡  ህዝቢ ኤርትራን ሓይልታት ለውጥን ከምኡ እውን ሕብረተ-ሰብ ዓለም ንምድንጋርን ንምክፍፋልን ናይ ዝፈጥሮ ምድንጋራት እሱራት ከይንኸውን ምስትውዓል ኣድላይ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ከነቃልዖ እውን ሓላፍነትና እዩ። ኣብቲ መስርሕ ምቅላዕ፡  ካብ መሰረታዊ መትከልና ከይንወጽእ እሞ መፍቶ ህግደፍ ከይንኸውን ከም ናይ ክሳብ ሎሚ፡ ምጥንቃቕን ጸኒዕካ ምስትውዓል ከኣ የድልየና። ከምቲ “ብዕራይ ናብዘበለ እንተበለ ዕርፊ ኣጽንዕ” ዝበሃል፡ እቶም ኣጽኒዕና እንሕዞም መትከላት፡ ኤርትራዊ ክውንነት፡ ናይ ጉባአታትና ውሳነታትን በብግዜኡ ብተሳትፎ መሰረታት ብትካላዊ ኣካላት ሰልፊ ዝውሰኑ ውሳነታትን ዝውሰዱ መርገጻትን፡ ምስ ህልዊ ምዕባለታት ህዝብን ሃገርን ብምግንዛብ ማለትና እዩ።

እቶም ህግደፍ በብግዜኡ ህዝቢ ኤርትራ ዘይረብሓሎምን ዘይፈልጦምን፡ ዝዝርግሖም ናይ ጽልኢ ወፈራታት፡ ውግኣትን ሕቡኣትን ዘይትካላውን ስምምዓትን ኣንፈት ህዝብናን ናይ ለውጢ ሓይልታቱን ኣብ ልዕሊ ምስሓቶም ደሓር ተጣዒስካ ዘይምለስ ዋጋ ዘኽፍሉ’ውን እዮም። መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ህግደፍ ካብ ዝወረሶም ጸይቅታት፡ በብግዜኡ ኣጀንዳታት እናፈጠርካ ብምዝርጋሕ ኣንፈትካ ምጥፋእ እዩ። ነዚ ብዝምልከት ኣብ ኢትዮጵያዊ ዛዕባ በብግዜኡ ዘጋጠመ ሰፊሕ ዝርዝር ምቕራብ ዝከኣልኳ እንተኾነ፡ ዋናታቱ ስለዘለዉዎ፡ ንዓና ዝምልከት ኣይኮነን። ኣብቲ ንኤርትራ ዝትንክፍ ኣዳናጋሪ ኣጀንዳኦም  ግና፡ ሓሳብ ክንህብን መኸተ ዘድልዮ እንተኾይኑ’ውን ክንምክትን  ናይ ግድን እዩ።

ኣብ ግዜ ውግእ ትግራይ ብዙሕ ዝበልናን ዝወሰንናን ከም ኢሳያስ ኣብ ጉዳይ ካለኦት ኢድ ናይ ምእታው ህርፋን ሃልዩና ዘይኮነ፡ ጽልዋኡ ናብ ኤርትራ ቀጥታዊ ስለ ዝነበረ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ብወገን ኢትዮጵያ ተላዒሉ ዘሎ ንኤርትራ ዝትንክፍ ኣጀንዳ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕርን ወደብን፡ ብጥዑይ ኣእምሮ ክትመዝኖን ከተማእዝኖን ዘጸግምኳ እንተኾነ፡ ክንዛረበሉ ተገዲድና ኣለና። ምኽንያቱ ናብ ልኡላውነት ኤርትራ ዘቕነዐ ሓደገኛ ወስታ ስለ ዝኾነን ሰሚዕካ  ስቕ ምባሉ ድማ ከም ዝተቐበልካዮ ዘምስልን ስለ ዝኾነ። ካብዚ ወጻኢ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣቲኻ ናይ ምድኻር ህርፋን ስለ ዘለና ኣይኮነን። ሓደ ካብ’ቲ ኣጽኒዕና እንሕዞ ሰልፋዊ መትከልና ድማ እቲ ኣብዘይጉዳይና ክንኣቱ  ዘይፈቅድ እዩ።

ኣብ ግዜ ውግእ ትግራይ ኣብ ደንበ ሓይልታት ለውጢ ኣብ መርገጽን ናይቲ ተረኽቦ ኣተኣልልያ ሜላታትን ፍልልያት ኣጋጢሙ ከም ዝነበረ ዝዝከር እዩ። እቲ ፍልልያት ኣብቲ ሓቢርና ከነስጉሞ ዝግበኣና ኤርትራዊ ናይ ሓባር ዕማማትና ብኣሉታ ከም ዝጸለወና ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ኣብ ከምዚ ጸገም ካብ ዘውደቑና ምኽንያታት ከኣ እቲ ማዕበል ንከይወስደና፡  ኣብ ኤርትራዊ መትከላት ናይ ዘይምጽናዕ ጸገም ምንባሩ ርዱእ እዩ። ብሰንክ’ዚ ካብቲ ናይ ለውጢ ደንበ ከምዘይምለሱ ኣርሒቖም ዝኸዱ ወገናት’ውን ውሑዳት ኣይኮኑን።

ሎሚ መጺኡና ዘሎ ኣጀንዳ መንቀሊኡ ፈደራላዊ  መንግስቲ ኢትዮጵያ እዩ። ኣብቲ ካብ ኣጀንዳና ናይ ምውጻእ ሓደጋኡ ግና ህግደፍ እውን ዘይጥቀመሉ ምኽንያት የብሉን ጥራሕ ዘይኮነስ፡ ብሰንኩ ዝመጸ ድፍረትን ንዕቀትን እዩ። ናይ ብዙሓት ካብቲ ኣንጻር እቲ ጉጅለ ከቕንዕዎ ዝግበኦም ኣድህቦ ናብ ካልእ ኩርናዕ ክጥምቱ ምግዳዶም ሓንጐፋይ ኢሉ ከም ዝቕበሎ ድማ፡ ርዱእ እዩ። ነዚ መንቀሊኡ፡ እዋናውነቱን ብድሕሪኡ ዘሎ ሓይሊ መን ምዃኑን ብዝምልከት ክትግምት እምበር፡ “ከምዚ እዩ” ክትብሎ  ዘጸግም፡ ንብዙሓት ኣሻቒሉ ዘሎ ተርእዮ  ምላሽ ህግደፍ “…. ኣብ' ቀረባ እዋናት፡ ብዛዕባ ማያትን መሳዂቲ ባሕሪን ዝመሳሰሎ ኣርእስትታትን ዝተባህለን ተባሂሉ ዝተባህለን፡ እልቢ የብሉን። ዘየስደመሞ ተዓዛቢ ኸኣ የለን። መንግስቲ ኤርትራ፡ ከም ወትሩ - ኣብ ከም' ዝኣመሰለ ጐደናታትን መኣዲታትን ከምዘይዕደም ደጋጊሙ እናረጋገጸ፡ ንኹሎም ግዱሳት ከይትንኰዩ ይምሕጸን። ዝብል ጥራይ ምዃኑ፡ በቲ ሓደ ወገን እንኳዕ ከምዚ ዓይነት ኣንፈት ህዝብን ሓይልታት ለውጥን ክቕይር ዝኽእል ኣጀንዳ መጸለይ  ብዝብል ዝተሓጐሰ ይመስል። ብዓብይኡ ከምዚ ዓይነት ኢደ-እግሩ ዘይፍለጥ መግለጺ ምሃቡ፡ ኣብ ልዕልቲ ጉዳይ ልኡላውነቱ ክለዓል እንከሎ ዝሻቐል ህዝቢ ኤርትራ፡  ዘለዎ ንዕቀትን ብደዐን ዘርኢ እዩ። እንተ ንሕና ነዚ ተርእዮ ሃዲእና ብመንጽርቲ፡ “ምዕቃብ ልኡላውነት ኤርትራ፡ ኣብ ጉዳይ ካልኦት ኢድ ዘይምእታውን ምስ ካለኦት ህዝብታት ብናይ ሓባር ረብሓን ሰላምን ኣሳኒኻ ምንባር” ዝብል፡ መትከልና ክንቃንዮ ዝግበኣና እዩ።

ከም ሓይልታት ለውጢ ኤርትራ፡ እዚ ኣንፈቱ ዘይፍለጥ ኣጀንዳ ካብቲ መተካእታ ዘየብሉ ናይ ሓባር መድረኽ ናይ ምፍጣር ኣንፈትና ከየላግሰና፡ ልቦና ከነዕብን ክንከኣኣልን ይግበና። እዚ ተላዒሉ ዘሎ ጉዳይ ቀይሕ ባሕርን ወደብ ዓሰብን፡ መንቀሊኡ ንሱ ጥራይ’ዩ እኳ እተዘይበልናዮ፡ ካብቲ ሒዝናዮ ዘለና ኣብ ኤርትራ ለውጢ ናይ ምምጻእ ቃልሲ ኣንፈት ምስሓት ተልእኮ ከም ዝህልዎ ኣይንዘንግዕ። እዚ ከኣ መትከላዊ እምነትካ ብዘይምስሓት “ከይንግዳዕ፡ ከም ወትሩ ኣብ መትከልና ንጽናዕ” ዝብል፡ ጭረሖ ኣምሪሕናን ካብ ዝሓለፈ ተመኩሮና ተማሂርናን  ክንብደሆ ዝግበኣና እዩ።

Last modified on Wednesday, 01 November 2023 19:12