ህዝቢ ኤርትራ፡ ብህግደፍ ኣይውከል’ዩ

2022-12-08 11:00:40 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1075 times

ጉዳይ ፖለቲካዊ ውክልና ክለዓል እንከሎ፡ ዝኾነ ውዳበ፡ ሰልፊ ይኹን ውድብ ወይ ግንባር ካብቶም  ብድሌት ኣባልነቱ ዝተቐበሉ ባእታታት ሓሊፉ፡ ንካልእ ኣይውክልን እዩ። እቲ ዝቃለሰሉ ኣተሓሳስባ ብመሰረት ዚውንኖ ዓለመ-ርእይቶ ናብ ድሌት ህዝቢ ዝቐረበን ዝረሓቐን ክኸውን ይኽእል።  ሓደ ፖለቲካዊ ትካል፡ ናብ  ህዝቢ ቀሪቡ ንመወዳድርቱ ስዒሩ እንተተመሪጹ’ሞ፡ መንግስቲ እንተመስሪቱ እቲ ንሱ ዝመርሖ ዝተመርጸ መንግስቲ ንህዝቢ ዝውክል ይኸውን። ናብ ህልዊ ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ህግደፍን ክንመጽእ እንከለና ግና፡  ህግደፍ ኣይኮነዶ ንህዝቢ ኤርትራ ነቶም ኣብ መዝገቡ ዝሰፈሩ “ኣባላተይ” ዝብሎም ኣካላት ዘወክል ኣተሃላልዋ እውን የብሉን። ምኽንያቱ ህግደፍ ይውሓዱ ይብዝሑ ብዘየገድስ፡ ምስ ኣባላቱ ዝተሓሳሰበሎም ቀጻሊ ትካላዊ መስኖታቱን መድረኻቱን መንሚኖም ኣብ  ምሕረት ሓደ    ውልቀሰብ ካብ ዝወድቁ ነዊሕ ግዜ ስለ ዝኾነ።

ጥልመት ንህግደፍ መፋጥርቱ እዩ።  ቅድሚ ኩሉ ነቲ ናጽነት ኣብ ምውሓስ ተወዳዳሪ ዘየበሉ ጽንዓትን ተወፋይነትን ዘርኣየ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ሕቑኡ እዩ ሂብዎ። ነቶም ተዋጊኦም ናጽነት ኣብ ምውሓስ ኣዝዩ ክቡር ዋጋ ዝኸፈሉ ሓርበኛታት ኣባላቱ ብንግህኡ ጠሊምዎም። ኣብ ማይ ሓባር ኣብ ልዕሊ ሓርበኛታት ስንኩላት  ዝወሰዶ ጨካን ስጉምቲ መርኣያ ጥልመቱ እዩ።  ብሰንክዚ ተደጋጋሚ ጥልመቱ ድማ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኩሉ መሰላት ዝተነፍጎ፡ ኣብ ገዛእ  ሃገሩ ዓው ኢሉ ብናጻ ከየድምጽን መሊኡ ከይረግጽን ዝተሓረመ፡ ውጹዕ ህዝቢ ኮይኑ ይነብር ኣሎ። ህግደፍ ከም መቐጸልታ ናይዚ ዘቤታዊ ጥልመታቱ፡ ኣብ ቅድሚ ጐረባብትን ሕብረተሰብ ዓለምን’ውን፡ ብጥልመት፡ ክሕደትን ምእላም ውዲታትን  ዝልለ መንሽሮ ሰላምን ምዕባለን ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ። እንተኾነ፡ ከምቲ “ኩሉ ግዜ ፋስጋ የለን” ዝበሃል፡ ኣብዚ እዋንዚ ናይዚ ኩሉ ጥልመታቱ ዋጋ ከም ዝኸፍል ዘረድእ፡ ምልክታት ካብ በበይኑ ኩርነዓት ይረአ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ’ውን ትዕግስቱ ጸንቂቑ ብነድሪ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዝይምሕር ስጉምቲ ዝወስደሉ ግዜ  ርሑቕ ኣይክኸውንን እዩ።

ኩሉ ክግንዘቦ ዘለዎ፡ እዚ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ፈቐድኡ ዘካይዶ ዘሎ፡ ኢድ ኣእታውነት፡ ምግሃስ መሰላት፡  ምዝማት ሃብቲ ህዝብን ምጽሕታር ህውከትን፡ ኣብ ኤርትራ መሊኡ ንግዳም ዝፈስስ ዘሎ ምዃኑ ኢዩ። ኣንጻር ስርዓት ዉልቀ መላኺ ኢስያስ ዝውሰድ ስጉምታት ከኣ ነዚ ግንዛበዚ ኣብ ግምት ከእቱ ይግባእ። ንህግደፍ ብመንጽር  ተግባራቱ መዚኖም ክቐጽዕዎ ዝውጥኑ ኣካላት  ከነጽርዎ ካብ ዝግበኦም መሰረታዊ ጉዳያት ሓደ፡ ህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ጥልመትን ወጽዓን ህግደፍ ክኸውን ዝጸንሐን ዘሎን እምበር፡ ብዘይሓላፍነታዊ ኣተሓሳስባ ህግደፍ ዝውከል ዘይምዃኑ እዩ። ህግደፍ ኣብ ፖለቲካዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣትዩ ሓዊ ምእጓዱ፡ ኣብ ክንዲ ዘጣዕሶን ዝምኮረሉን፡ ነቲ ኢትዮጵያውያን ዝመረጽዎን ተስፋ ተነቢርሉ ዘሎን  ሰላማዊ ፍታሕ ኮሊፉን ንድሕሪት ተመሊሱን ህውከትን ዕግርግርን ቀጻሊ ንክኸውን ዘርእዮ ዘሎ ፋሕተርተር፡ ኣንጻር ድሌት ህዝቢ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብቐንዱ ኣንጻር ድሌትን ተስፋን ናይቲ ኣብ ዘይምልከቶ ውግእ ዋጋ ዝኸፍል ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ምዃኑ ግቡእ መረዳእታ ዘድልዮ እዩ።

ሎሚ ሃገርና ኤርትራ ብሰንኪ ህግደፍ፡ ናይ ሰላም፡ ልምዓትን ዲሞክራስን ኣርኣያ ዘይኮነት፡ ናይ ስደት፡ ጥሜት፡ ምጽሕታር ውግእን ዕግርግርን፡ ኣብዘይምልከተካ ምእታውን ኣብነት ኮይና እያ ኣብ በበይኑ መድረኻት ስማ ዝለዓል ዘሎ። ኣይኮነንዶ ክሳብ ሕጂ ካብ ናይ ሰላምን ፍትሕን ጽምኡ ንዘይረወየ ህዝቢ ኤርትራ፡ ተግባራት ህግደፍ ንኢሳያስን ውሑዳት መጋበርያታቱን እንተዘይኮይኑ፡ ንዝኾነ ኣካል    ከምዘይውክል ምግንዛብ ዘጸግም ኣይኮነን።

ህግደፍ ኣርሒቑ ዝጥምት ህዝባዊ ሓልዮት ዘየብሉ፡ ኣብ ምዝራግ ሰላም ጥራይ ዝነብር ጉጅለ ምዃኑ ብዝተፈላለዩ ዓለም ለኻውን ኣህጉራውን መድረኻት ይቃላዕ ኣሎ። ብዙሓት ኣብ ዓውዲ ፖለቲካ ዝበሰሉን ተመኩሮ ዝጸገቡን ኣካላት እውን ጉዳይ ኤርትራ ንቕድሚት የምጽእዎን ንተግባር ህግደፍ የቃልዑን ኣለዉ። እንተኾነ እዚ እኹል ስለ ዘይኮነ ህዝቢ ኤርትራ ክንድቲ ብዝመረረ ደረጃ ግዳይ ህግደፍ ይኸውን ምህላዉ፡  “ህዝቢ ኤርትራ ብህግደፍ ኣይውከልን እዩ”  ንዝብል እምነቱ ዝያዳ ከበርኾ ኣብ ዝግበኦ ታሪኻዊ መድረኽ’ዩ ዝርከብ ዘሎ። እንተደኣ ተላዒሉ ንዝሰመረ ሓይሊ ህዝቢ ዝስዕር ኣካል ከም ዘየለ ከኣ ብውሑዱ ካብ ቃልሲ ጐረበቱ ህዝቢ ሱዳን “ቅዱስ ቅንኢ” ክሓድሮ ይግባእ። ኣብዚ ወሳኒ መድረኽ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ እውን ሃገሮም፡ ብዓብይኡ ናይ ህዝባ ከምኡ ድማ ናይ ፖለቲካዊ ውዳበታታ ህጹጽ ኣበርክቶ  ስለ ዘድልያ፡  እዚ ወሳኒ ዕማም ይጽበዮም ከምዘሎ ከስተብህልሉን ብግብሪ ክሰርሕሉን ዘይስገር እዩ።

“ሓይልታት ህግደፍ ናብ ትግራይ ኣይኣተወን፡ ኣይፋሉን ኣትዩባ!” ዝብል ኣብ ህዝብና ብዙሕ ኣዛሪቡ እዩ። ምእታዉ ርኡይ ነይሩ ክነሱ፡ ህግደፍ ድምጹ ሓቢኡ ከዕጠጢ እንከሎ፡ ከምቲ “ዋላ ትንፈር እምበር ጤልያ” ዝበሃል “ኣይኣተወን።” ኢሎም ዝደረቑ ውሑዳት ደገፍቲ ህግደፍ ክሳብ ሕጂ ኣለዉ። ገለ ድማ “ሰራዊትና ኣብቲ ዶብ እዩ መሬቱ ኣምሊሱ ዝሕሉ ዘሎ” ኣብ ዝብል ዕባራ ምኽንያት ዝረዓሙ ነይሮም። መንገዲ ሕጊ ኣብ መስርሕ እንከሎ፡ ብውግእ ዝምለስ መሬት ነባሪ ሰላም ዘውሕስ ኣይኮነን። ኮታ ህግደፍ ነቶም ደገፍቱ፡ ሓቢሮም ከምዘይሕስዉ ገይሩ ኣብ ሕድሕዶም ከላትሞም እዩ ጸኒሑ።  ኣብ መወዳእትኡ ግና ኣብ ዶብ ዘይኮነ፡ ኣብ ማእከል ትግራይ ከተማ ኣኽሱም ተሳኢሉ፡ ብናይ ህድማ ፈኸራ ድዩ ብናይ ሓሶት ጸሎት ብዝተስነየ ኣበይ ከም ዝበጽሐ  ኣርእይዎም። ልሳናት ናይ ብዙሓት ንህዝቢ ኤርትራ ሓሶት ክነግርዎ ዝጸንሑ ከኣ ክሳብ መልክዐን ቀይረን ዝመጻ ንግዜኡ ተቖሊፈን ኣለዋ።

ኣብ ሓደ ውልቀ ሰብ ዝዝውሮ  ጉጅለ ግጉይ እምነት ኣሕዲርካ፡ ደድሕሪ ጌጋታቱ ዞኽዞኽ ምባል ምናልባት ኣብ ኣባላት ህግደፍ ዝተጀመረ ኣይኮነን ይበሃል ይኸውን። ደረት ክሓልፍ እንከሎ ግና ዘዛርብን  ዘገርምን እዩ። ህግደፍ  ናብ ውግእ ትግራይ ክኣትው እንከሎ፡ ዕላማኡ ብወግዒ፡ ህወሓትን ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባኡን ካብ ገጽ ምድሪ ንምጥፋእ ምንባሩ ባዕሉ ሓቢሩ እዩ። ምዕዋቱን ዘይምዕዋቱን ድማ በቲ ክኣቱ እንከሎ፡ ሒዝዎ ዝነበረ  መደብ ምትግባሩን ዘይምትግባሩን ዝምዘን እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ብዘይምጉዳል ብዘይምውሳኽ ንህዝቢ ትግራይ ወኪሉ ምስ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስምምዕ ሰላም ከም ዝኸተመ ዘይሕባእ ሓቂ እዩ። ኣብዚ ኩነታትዚ “ህግደፍ ካብ ትግራይ ተዓዊቱ ይወጽእ ኣሎ” ዝብል ምህዞ ምንፋስ ንመን ከም ዘዕሹ እንድዒ። ግደ ሓቂ ግና ሰላም   ንወልፊ ውግእ ህግደፍ ትስዕራ እያ ዘላ።  እንተ ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ኣተኣታትዋ ኮነ ኣወጻጽኣ ኢድ ስለ ዘየብሉ፡ በቲ ናይ ህግድፍን ዝተደናገሩ መጋበርያታቱን ሓሶት ኣይውከልን እዩ። ሕብረተሰብ ዓለም ኮነ ጐረባብቲ ህዝብታት፡ ንህዝቢ ኤርትራ በቲ ህግደፍ ንመሕብኢ ክጥቀመሉ “ንህዝቢ ኤርትራ ይውክሎ እየ”  ዝብሎ ዘይኮነ፡ በቲ ህዝቢ ኤርትራ “ብህግደፍ ኣይውከልንየ”  ዝብሎ  ቃንዮም ክርድእሉ ነዘኻኽሮም።

Last modified on Thursday, 08 December 2022 12:11